Print this page

መሪሕነት ዝሰኣነ  ቓልሲ

2021-04-04 09:02:30 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1304 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ኤርትራ ነጻን ልዕላዊት ሃገር ካብ ትኸውን ኣትሒዛ፡ብዙሓት ውድባት ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት  ንህዝቢ ዘለወን ሓሳብትን ርእይቶን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓትን፡ንሰን ዘለወን ዕላማ ወይ ፖለቲካ ፕሮግራመን ከብርሃ በቲ ዘለወን ድሩት ዓቅሚ ክሳብ ሎሚ ደንበ ተቓውሞ ኣበርክቶ ገይረን ስለዝኾና ምስጋና ይግበኤን፡ነቶም ክሳብ ሎሚ እውን ደኺምና ከይበሉ/ ከይበላ ዝቓለሱ ንዘለዉ ከም ሰባት ካብ ብልቢ ዝነቕለ ኣኽብሮተይ ክገልጽ እፈቱ።

እዚ ነዊሕ ዝኸደ ፖለቲካናን ኣገባብ ኣቐላልሳናን ግን ብደቒቕ መጽናዕቲ ወይ ሰፊሕ ግምገማ የድልዮ ዝብል እምነት ኣሎ። እቲ ኩላትና ብፍላይ ድማ ድሕረ-ባይታና ካብ ጀብሃ ዝመጻእና ዋላ እቲ ቕድመ-ናጽነት ዝነበረ  እገባብ ኣቐላልሳና ፍኒሕ ዘይበይለ ፡ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምሕሳብ ናብ'ቲ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝነበረ ኣብ ምግላጽን ብዛዕብኡን ወቐሳን ብዙሕ ግዜ ሓላፉ። ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ'ውን ነቲ ሰውራ  መሪሑ ዝኣተወ ህዝባዊ ግንባር እተን ዝነበራ ውድባት ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተረፈ ዕላማ ሕቶ ሓርነትን ቕዋማዊ ምሕደራ ምትዃር ናይ ጽልኢ ፖለቲካ ነጊሱ ካብ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዳርጋ ተነጺለን እየን ጸኒሐን።

እተን ኣብ'ቲ እዋን ዝነበራ ውድባት ገለ ፈተነታት ግንባር ንምፍጣር  ፍተነታት ይገብራ እኳ እንተነበራ ፡ከም'ቲ ትጽቢት ናይቶም ዝቓለሱ ዝነበሩ ክኸይድ ኣይከኣለን፡ እቲ ህዝቢ ክስዕበን ዝግብኦን ነቲ ርዱእ ዝኾነ ኣበርክቶ ናይተን ውድባት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቓልሲ ረሲዑ ፡ሂወቱ ምስ'ቲ ዝሰዓረ ውድብ ከመይ ገይሩ ይሰርዓ እዩ እቲ ቐንዲ መንገዲ ተታሒዙ ዝነበረ።

ኣብ'ቲ ሰውራ ኤርትራ ምልስ ኢልና እንተ ጠሚትና እቲ ብዝያዳ ኣቕልቦ ረኺቡ ዝኸይድ ዝነበረ እቲ ቐዳማይ ጸላኢና እንብሎ መግዛእቲ ኣምሓራ፡ሃይለስላሴ ይኹን መንግስቱ ሃይለማርያም ዝመርሕዎ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከሳቕይዎን ፣ ክኣስርዎን፣ ንብረቱ ክዝርፍዎን፣ ዓዱ ከንድድዎ ብተኸታታሊ ይቕጽል ስለዝነበረ እተን ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር ፡ናይ ግድን እዩ ኣንጻር እዚ ጸላኢ ኣብ ፍቐዶ በረኻ ይኹን ጎላጉል ኤርትራ ክረባረባ። በዚ ምኽንያት ከም'ቲ ዝድለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ'ታ ነጻ ኤርትራ ካብ ባዕዲ እንታይ ዓይነት ስርዓት ክንምስርት ከም እንኽእልን፡ ህዝቢ ድማ ነቲ ዝመጽእ መንግስቲ ንሱ ቖጽሊ ዘቐመጠሉ ክኸውን፣ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ተጠቒሙ እውን ኣብ'ቲ ኣብዝሐ-ሰልፍታት ዘለዋ ሃገር ድምጹ ዝህበሉ ዝብል ኣየትሓዝናዮን ዕድል እውን ተሳኢኑ ክበሃል ይከኣል።

እተን ንናጽነትን ንሓርነትን ዝብላ ሓረጋት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝውቱራት እየን ነይረን፡እቲ ናጽነት ነቲ መሬትን ህዝብን ካብ ባዕዲ ነጻ ንምግባር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሓርነት ድማ ኣብ'ቲ ነጻ መሬት ህዝቢ ሓርነት ሃልይዎ ማለት መሰለ ዝኽበረሉ ብሕጊ ዝቕየድ ፣ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነግሰሉ ስርዓት ፣ ናቱ ብዝብሎ ቖጽሊ ዘቐመጠሉ ሰልፊ ክመርሖ ዝብል ፡ እዚ ድማ ጥጡሕ ባይታ ነቶም ምዕብልቲ፣ ብልጽግቲ፣ ሓድነታ ኣብ ብዙሕነታ " ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ "ንዝብሉ ምቹእ ዕድል ይኸፍተሎም።

እዚ ኮይኑ ፡ምልስ ኢልና ክርኤ ዘለዎ ክልተ ነጥብታት ከልዕል ክፍትን፡

ሀ  ምፍንጫልን  ምትሕንፋጽን

ለ  ስርዒታዊ ድኽመት ኣብ ሰልፊ

ሓደ ብዓቢኡ ክጽናዕ ዘለዎ እኳ እንተኾነ ብተደጋጋሚ ደንበ ተቛውሞ እንሓልፎ ዘለና ምፍንጫላት ብኩራት ሕቶ ዲሞክራሲ በሃላይ እየ እቲ ጠንቒ። እዚ ማለት ሓደ ሰልፊ ነቲ ፖከቲካዊ መደብ ዕዮኡ ከተግብር ብመጀመርታ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት የድልዮ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎኡ ዘሎ ዝድለ ዕድላት ናይ ክትዕ ሃልዩ ኣብ ሓደ መድረኽ ውሳኔ ክሓልፍ ስለዘለዎ ኣቦ ወንበር/ ኣደ ወንበር ብዝማእክልዎ ናይ ብዙሓት ውሳኔ ይሓልፍ።እዛ ውሳኔ ኣገዳሲት እያ ክትስገር ዘይብላ ንኹሉ ብኹሉ ቕብልቲ ክትከውን ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ውሳኔ እያ።እዚ'ኣ እያ ድማ ቐንዲ ናይ ምፍንጫል ምኽንያት እትኸውን፡እቲ ሕቶ ስለምንታይ እዩ፡ ዝኾና ውድባት በዚ ተመክሮ ዝሓልፋ፡እቲ ውሳኔ ዘድሊ ምድላዋትን ናይ ንጹር ብዝተቐመጠ ኣገባብ ክትዓት ስለዘይወሃቦ እሞ ናብ ቕልጡፍ መደምደምታ ብምኻድ ድዩ? ወይ እቶም ኣባላት መሪሕነት ብፍላይ ኣብ'ቲ ተሰዓሪ ውሳኔ ዝነበሩ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ውሳኔ ኣብ ክንዲ ብግብኡ ምቕባል ፖለቲካ ቒምታ ብምሓዝ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተሰዓርካሉ ሓሳባት ኣብ ዝመጽእ ምስ እዋን ሰዓራይ ምዃን ናብ ካላእ ውድብ ምፍጣር ፈንጠርጠር ምባል ዝርኤ።ኣብ'ዚ ግን ነቲ ሓሳብ ንውሳኔ ክቐርብ እንከሎ ማዕረ ክንደይ ግዜ ይወሃቦ ንኽትዕ ዝብል ምርኣይ ክድለ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

እቲ ጉዕዞና እንበኣር ንፍንጨል፡ ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ድማ ምስ ካልእ ውድብ ንሰምር፡ እቲ ዝሰመረ ውድባት ድማ ድሕሪ ውሱን ዓመታት እንደገና ይፈናጨል፡ እዚ እዪ እቲ ተመክሮና። እቲ ዘሕዝን ኣብ'ቲ ሰፊሕ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ'ቲ ከባቢ ተቓውሞ ዓገብ ዝብል ኣብ ክንዲ ዝርኤ ኣብ ብዙሓት ከም ጽቡቕ ዜና ዝውሰደሉ እዋን ኣሎ፡ ነዞም ኣካላት ናይ'ቲ ሓደ ምፍንጫል ንዕዮኦም ረብሓ ስለዝሓስብዎ እዩ።

 እቲ ሕቶ ሓድነት ስለምንታይ ነልዕሎ? ተግባራዊ ዘይኮነ ነገር ኣብ'ዚ ተኣሲርና ንምንታይ ንነብር? ንመን ኢና ነስምር? ተዓዊትና ዲና? ውድብ ፣ሰልፊ ኣይኮነን ዝዕወት ዝብል እምነት ኣለኒ፡ እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዘለካ ዕላማን ንዕኡ ንምትግባር እትኸዶ ናይ ኣገባብ ኣቀላልሳ እንወስዶን ብሰፊሕ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረክብ ምስ ትገብር ኢኻ፡ ነቲ ሕቶ ሓድነት ዝብል ዘየዕውት ሰጊርካ ናብ  ህዝቢ ዝዓስሎ ሰልፊ ከተብጽሖ ምስ ትኽእል ኢኻ ትዕወት፥ እቶም ካባኻ ዝፍንጨሉ ዝጸንሑ ዘይኮኑስ እቶም ዝስዕብዎም ናባኻ ምስ ዝዘዝዉ፡ነቲ ንሶም ክኣትውዎ ዝኽእሉ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ፣ ቅዋምነትን ዲሞክራስን፣ ማሕበራዊ-ፍትሒ ካብቶም ቐንዲ መትከላት ምስ ዝበርህ እቲ ባይታ ናይ ፖለቲካ ትዕብልሎ ወይ ዘዋሪኡ ትኸውን።

እቲ ሓድነት ዝብል ካበይ ይብገስ እኳ ብሩህ እንተኾነ ብተግባር ተራእዩ ድዩ? ኣብ ሜዳ ኤርትራ ጀብሃ ምስ ህዝባዊ ግንባር ክትሰምር፡ብስምረት ድማ ቑልጡፍ ዓወት ክምዝገብ  ዝብል ሓሳብ ተዓዊቱ ድዩ? ዝሰዓረ ኣስመራ ኣትዩ፡ ዝተሳዕረ ድማ ሱዳን ኣትዩ፡ ኤውሮጳ ፣ ካናዳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ ፋሕ ኢሉ። ሓድነት ኣይኮነን ኣብ ዓወት ዘብጽሕ፡ ነቲ ዕላማ ናይ ቓልስኻ ኣብ ህዝቢ ኣስሪጽካ ረብሓ ናቱ ኣብ ጽባሕ ቕዋማዊት ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ምስ ተኣምን ሓድነት ዘይኮንካ ተመዝግብ ዘለኻ ኣብ'ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ጽልዋ ምስ እትገብር፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ንነብስኻ ብዲሞክራስን ፍትሕን እትግዛእ ንቑሕን ተወፋይን ኣባል ምስ ዝህልወካ፡ ጸላእትኻ ወይ ዝቛወሙኻ ሰባት ዘይኮኑስ ሓሳባት ምዃኖም  ምግንዛብ።

ኣብ'ዚ ዝባኸነ ግዜ ንብዙሓት ተቓለስቲ ዘሰልቸወ  ኮይኑ ብዝያዳ ኣብነት ክጥቐስ እንተኾይኑ እታ ዝዓበየት ዝሰፍሐ ሰዓብቲ ዝነበራ ሰውራዊ ባይቶ ነተን ዝነበራ ውድባት ከተስምር ብማለት ንሓድነት ክትጽውዕን ክትጽበን ዘይተግባራዊ ነገር ኣበይ ወዲቓ? እቲ ዝኸደቶ ናብ ሰልፊ ንምምስግጋር ዝብል ቕዱስ ዕላማ ስሒተዮ ኣይኮንኩን፡ንሱ ተባዕን እዋናውን፡ምዃኑ እዩ።ካብ 2010 እውን ክንደይ ውረድ ድይብ ተሓሊፉ ፡እዚ ማለት ካብ'ቲ ሰውራዊ ባይቶ ዝሓለፎ ኣይተመሃርናን ንማለት እዩ።ኣቲ ብሓድነት ኣቢልካ ኢኻ ንዓወት ትበጽሕ ዝብል ፈጺሙ ክቕየር ዘለዎ ኣተሓሳስባ እዩ።

 ምስ ምምጻእ ምሕዝነት፣ ኪዳን ፣ ባይቶ ሓጂ እውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሽግራቱ ክንርእይ እንተ ኾይና ምትሕልላውን ከይተርፍ ብዝብል ንምፍቓድ ( ክቑጸር) ጥራሕ ዝሕወስዎ፡ ክመርሕዎ ዝግባእ ከይተሰማማዕካ ንእትገብሮ ወይ ትምስርቶ ጽላል ሓደ ስጉምቲ ኣይከይድን እዩ። ሓያል ወይ ድልዱላት ውድባት እየን ሓያል ጽላል ዝፈጥራ እንበር ከምዚ ንርእዮ ኣይኮነን፡ ማለት ሓያል ሰልፊ እያ ጽልዋ ትገብር እንበር ክትጽበ ዝጸንሐትን ንዘይሰምሩ/ ዘየድምዑ ከፍርዩ ምጽባይ ጌጋ ንባብ ኣሎ ኢልካ ኢኻ ትድምድም።

  ንእብነት ክኾነና ፡ኣብ ደንበ ተቛውሞ ሰለስተ ዝተፈላልዩ ፖለቲካ ሓሳባት ኣለዉ ኢለ ይኣምን፡ንሶም ድማ እቲ

1.ሽግርና ኣብ መንጎ ከበሳን መታሕትን ኣስላማይን ክርስትያንን ስለዝኾነ እቲ ክርትያናዊ ሓይሊ ክሰዓር እንተዘይኮነ ድማ ኣብ'ቲ ዝምስረት ስርዓት ቦታናን እጅምናን ብማዕረ ዝብሉ ክኸውን እንከሎ

2.እቲ ሽግርና ኣብ ኤርትራ ሓደ ብሄር ትግርኛ ዝዓብለሎ ስርዓት ስለዘለና እቶም ዝተወጻዕና ሓደ ብሄራዊ ፈደራሊዝም ስርዓት እንምስርተሉን ፡እንተዘይጠዓመ ድማ ብመሰል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ፡ምግንጻል ምርጫ ኣሎ ዝብሉ

3.እዞም ጉጅለ ሽግር ኤርትራ ሕቶ ምልካዊ ስርዓት እዩ፡ ስለዚ እቲ ፍታሕ ሓንቲ ብቕዋማዊ ምሕደራ እትኸይድ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝመትከሉ ኣብ ሓንቲ ኤርትራን ምስ ብዝሑነታ ዘለዋ ስርዓት ምፍጣር ዝብል ፡ሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ  ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝውጽዓሉ ዘሎ ዘይኮነ፡ኩላትና ብምዕረ ውጽዓት ህዝቢ ኢና ዝብሉ እዮም።

 እቲ ካልኣይ ነጥቢ ስርዒታዊ ድኽመት ዝብሎ እቲ ኣብ መብዛሕትኤን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ዝርኤ ኣቛቑማኤንን ስርዒታዊ ስእሊ ክትርኢ ከለኻ ጉባኤ ፣ ማእከላይ መሪሕነት ፈጻሚት ኣካል፣ ኣቦ/ ኣደ ወንበር ቤት ጽሕፈታት ፣ ዞባ ፣ ጨንፈራት እናበለ ዝኸይድ እዩ ሓፈሻዊ ስእሊ።ካብ'ዚ እንተ ተበጊስካ ዝለዓሉ ነጥብታት ወይ ሕቶታት ኣለው፡ ማዕረ ክንደይ እዩ  እቲ ኣቦ/ኣደ ወንበር ነጻነት ዘለዎም ካብ'ቲ ዝሓጸዮም ፡ዝመረጾም ማእከላይ መሪሕነት? ስለምንታይ ንኣቦ/ንኣደ ወንበር ብፍሉይ መልክዕን ኣገባብን ኣብ'ቲ ጉባኤ ዘይምረጹ? እቲ ዝምረጽ ክመርሕ ናቱ መሳርሕቱ ብመሰረት ሕጊ ሰልፊ መሳርሕቱ ነተን ቤት ጽሕፈት ዘይሓጽዩ? ዝብሉ ሕቶታት ብጥልቕ ዝበለ ክትዓት እንተርእይና መፍትሒ ክንረክብ ንኽእል ኢና በሃላይ ኢየ።

ብመጀመርያ እንበኣር ክንርእዮ ዘለና ፡እብል እቲ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን እቲ ሰልፊ ነንበይኑ ክኸውን ኣለዎ።እቲ ስልፊ ሰልፋዊ ምምሕዳር፡ ጉባኤ ምድላው፡ኣባላት ዝምዝገብሉ ቕጥዒ ቕዋምን ጽሕፋትን ዘዳሉን ዝዝርግሕን ይኸውን ብከፊሉ፡እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዕላማን ፖሊሲን ሰልፊ ናብ ህዝቢ ዝዋፈር ዘዕቢ ሰልፊ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝመረጾ ኣካል ድማ ሓጋጊ ኣካል ተባሂሉ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ  ስልጣን ተጠቒሙ ነቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝቖጻጸረሉን፡ነቶም ብኣቦ / ኣደ ወንበር ዝሕጸዩ መርሚሩን ኣጽኒዑን ዘጽድቕ ስልጣን ዝህልዎ፣ ሕጊ ብዘፍቕደሉ ድማ ብቐጥታ ጸዊዑ መብርሂ ዝሓተሉ፣ ንኣቦ /ኣደ ወንበር ድማ  እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ዓመት ብኣካል ማለት ተክኖሎጂ ብዘፍቕዶ ሓፈሻዊ ግዕዞ ሰልፊ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብርሉ ምፍጣር።

  ኣብ'ዚ ሕጊ ብዘፍቕዶ ኣብ ጉባኤ ብሚስጢር ድምጺ ኣብ ሰለስተ ሕጹያት ክኾኑ ንሰልፊ ክመርሕዎ ዝደልዩ ኣባላት ቕድሚ 3 ወርሒ ዘይበዝሕ ናብ'ቲ ሰልፊ ጉባኤ ዘዳሉ ሽማግለ ብጽሑፍ ድልውነቶም የረጋግጹ ፡እቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ድማ ነዚ ሓበሬታ ብምርካብ ቕድሚ ጉባኤ ምስ እቶም ተወዳደርቲ ብዝተመደበሎም ሰዓት እዋን ንዘለዎም ሓሳባት ዝገልጽሉ ምፍጣር፣ በዚ መሰረት እቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ንፖለትካዊ መሪሕነትን    ንኣባላት ሓጋጊ ኣካል ከምዝመርጹ ተዳልዮም ፣ ሓሲቦም ነታ ዲሞክራያዊት መሰሎም  ናይ ምድማጾም ስራሕ ይፍጽሙ። ኣብ'ዚ እቲ ሰልፊ ሕቶ ምትኽኻእ ብሞት ምፍላይ መራሒ ሰልፊ ኣብ'ቲ ቕዋሙ ከስፍሮም ይግባእ፡ብተኻእለ መጠን ግን ካብቶም ሓጋጊ ኣካል ኣባላት ኣይምረጽን።

እዚ ነቲ ተበላሕነትን ነጻነትን ናይ'ቲ ዝመርሕ ዕድል ምሃብ ክኸውን ከሎ፡እቲ ዝርኤ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ንዘሎ እቅልቦኡ ከተኩርን ዳርጋ እሱር ናይ'ቲ ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ ካብ ሽግር ናብ ሽግር ብምስግጋር ካልእ ክዕወት ዘለዎ ናይ ግዳም ስራሕ ይበኩር።ስራሕ ፖለቲካዊ መራሒ ሰልፊ ኣብ ግዳም ምስ ህዝቢ ብናይ መድያ ኣቢሉ ዕላማ ሰልፍን ፖሊሲታትን እናብርሀ ዝኸደሉ፣ምስ ህዝቢ ኣኼባ ዝገብረሉ፣ ምስ ዓበይቲ ኪኢላታትን ምሁራትን ዕዶት ምግባርን፣ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝምድናታትን መግለጽን ምሕዝነትን ምምስራትን ይኸውን ካብ'ቲ ቐንዲ ስራሕ።

ስለዚ እዚ እንርእዮ ውድብ/ሰልፊ ናትና ሓደ መድሃኒቱ ኣብ'ቲ ቕርጻ ዘስርሕ ምቕማጥ ሓደ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ፡ምኽንያቱ ኣቲ ዝበዝሐ ሽግራትና  ካብ'ቲ መሰረታዊ ተደላይነት ውደባን ንሓደ ፖለቲካ ስልጣን ምዃኑ ዘንጊዕካ ነቶም ትማል፣ሎሚ፣  ጽባሕ ሕብሮም እናቐየሩ ኣንጻርካ ዝለዓሉ ከተስምር ብእኡ መሰረት ስርዓት ከተውድቕ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።

ካብ'ዚ ሓሊፉ ነዚ ናይ ስርዓት ኢሰያስ ብደማዊ ውግእ ዶ ወይ ብፖለቲካ ክንኣልዮ ማለት ህዝቢ እንቢ ክብል ምግባር ፡ኣብ ውሽጥን ግዳምን ደላይ ለውጢ ብምልጋብ ለውጢ ብውሑድ ክሳራ ዝብል እውን ሓደ ካብ'ቲ መሪሕነት ዝስእን ዘሎ እዩ።ኣብ'ዚ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብወገን ናይ ኢህወደግ መንግስቲ ብፍላይ እቲ ህወሓት ንደንበ ተቛውሞና ሸንኮለል ከብሎ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንውድባት ኤርትራ ከዳኽምን መኣዝኑ ክስሕት ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነትን መንነትን ዝፍሑቕ ኣሉታዊ ግደ ዝተጻወተ፡እንሆ ሎሚ ገድሊ ኤርትር ሽፍታ እናበልካ፡ መጽረይ ኣፍ ኮይኑ ንሶም ዝያዳ ድምጾም ዘጉልሑሉ ንሕና ድማ ትም ኢልና  ኣእዳውና ኣጣሚርና ዘለና እዋን ንመስል።

ብዝተረፈ ሰፊሕ መጽናዕቲ  ወይ ምግምጋም፡ ዘድልዮ ምዃኑ ብዘይምዝንጋዕ ኣቕልቦ ክግበረሉ ሓደራ እናበልኩ ንኹሉኹም ብፍላይ ድማ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ትቓለሱ ዘለኹም ብዘየገድስ ኣበይ ውድብን ሰልፍታትን ትሃልው ደጊመ ከመስግን እፈቱ።

Last modified on Sunday, 04 April 2021 11:23