Print this page

ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-03-14 18:48:16 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1755 times
Rate this item
(0 votes)

ሓሙሻይ ክፋል

እዚ ኣብ ከባቢና ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንሎሚ ይኹን ንመጻኢ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዝትንክፍ ብምዃኑ ብትዂረት ክንሪኦ ዘሎና ኢዩ። ንልዑላውነት ሃገር ዝፈታተኑ ሓያለ ምልክታታት ይርኣዩ ኣለዉ። ብቐንዱ ከኣ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ቅድም ብቐጻሊ መግለጺታቱ፡ ሎሚ ከኣ ብተግባር ንልዕላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ። እዚ ድማ ነቲ ኩሉ ግዜ ካብ ደቡብ ንኤርትራ ዝመጻ ስግኣታት ዝፈጥር ወስታታት ዝያዳ ኣራጒድዎ ምህላዉ ኢዩ ዘመልክት።

ኢትዮጵያውያን ደረጃታቱ ድኣ ክፈላለ ይኽእል'ምበር ናጽነት ናይ ኤርትራ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘትረፎም ስለዝኾነ ኣይወሓጠሎምን ኢዩ። ነዚኦም ኣብ ክልተ ደረጃ መቒልና ክንሪኦም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ በቲ ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ክትከል ዝድለ ስርዓት ብዝህልዎም ኣረኣእያን ብዘለዎም ኣናብባ ኣብ ታሪኽን ዝውሰን ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትኒካዊ ፖለቲካ ዝተመስረተ ፈደራላዊ ስርዓት ክትከል ዝደልዩን ነዚ ዝጻረሩን ኢዮም። እቶም ኢትኒካዊ ፖለቲካ ዝኽተሉ፡ ብመሰል ርእሰ ውሳኔ ብሔራት ዝኣምኑ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓይልታት ኮይኖም ብመትከል፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ንናጽነት ኤርትራ ምጽራር ማለት ነቲ ዝኣምንሉ መትከል “ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል” ዝብል ምጽራር ማለት ስለዝኸውን። ካብዚኦም ብቀንዱ ብምሳሌነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ካብ ሰሜን፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ኦሮሞ ናጽነት ግምባር ኢዮም። እዚ ማለት ግን ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ክልተ ሃገራት ብመንግስታት ዝፍጸም ጌጋታት ከጋጥም ምስ ዝኽእል፡ ወይ ውን  ምትሕልላይ ምስ ዝጠፍእ ነቲ መትከላዊ መርገጻት ሰንከልከል ከብሎ ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ህወሓት ናይ ዝነበሩ ገለ መራሕቲ ኣብዚ ሕቶዚ ዝተራእየ ናይ መርገጽ ምቕያር ከም ኣብነት ናይዚ ሰንከልከላት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።

እቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝርከቡ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዝማእከሎም ኢዮም። እዚኦም ኢትዮጵያ ከምቲ ኣብ እዋን ኣመራርሓ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ወይ እዋን ደርግ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝተኸለት ክትከውን ይደልዩ። ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ብምምርኳስ ውን ንኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ'ምበር ከም ናጻ ሃገር ኣይፈልጥዋን። እዞም ሓይልታት'ዚኦም ደርግ ምስተሳዕረ ኣብ እዋን ኢህወድግ መእተዊ ጠፊእዎም ዝነበሩ፡ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ህይወት ሰዂዑ ዘዕበዮም፡ ግንቦት ሰባትን ኣርበኞች ግምባርን ዝተባህሉ ውድባት ኢዮም። ሎሚ ብስም ውድብ “ኢዜማ” ኣብ ፖለቲካ ብስፍሓቶም ድሕሪ ብልጽግና ፓርቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ንምርጫ ዝንቀስቐሱ ዘለዉ ኢዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንኣምሓራ ዝትንክፍ ብዝገብሮም ጌጋታት ብዙሕ ሕጉሳት  እንተ ዘይኮኑ፡ ምስ ብልጽግና ኮይኖም ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክቆጻጸሩ ወሲኖም ዝነጥፉ ዘለዉ ኢዮም።

ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያ ነዚ ካብ መሰለ፡ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ኣየኖት ሓይልታት ኢዮም ንልዑላውነት ኤርትራ ተፈታተንቲ ዝኾኑ ኢልና ክንሓትት ግቡእ ይመስለኒ። እቶም ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሔራት ብመትከል ዝኣምኑ’ዶ ወይስ እቶም ነዚ ዝጻረሩ ሓይልታት? ከም ኤርትራውያን ነዚ ሕቶ’ዚ ብቅኑዕ ክንምልሶ የገድሰና ኢዩ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እቲ ኣብ ምምራሕ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ዝነበ ዘይምዕሩይን ገባትን ኣመሓዳድራ ምስ ህዝቢ ዘጻልኦ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቲ ካልእ ቀንዲ ዝጽለኣሉ ዝነበረ ምኽኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ ብክልተ ጉዳያት ነይሩ። እቲ ሓደ ንናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ኣፍልጦ ምሃቡ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ብሄራት ዝተሞርኮሰ ፈደራላዊ ስርዓት ስለዝተኸለን ኢዩ። ዘይከሓድ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዝሓዞ መርገጽ ፖለቲካዊ ዋጋ ከፊሉ ኢዩ። ብኣስፋፋሕቲ ኣምሓራ ካብ ፖለቲካዊ ገጽ ኢትዮጵያ ክሕከኽ ካብ ዝተደልየለኡ ምኽንያታት ሓደ  እዚ ኢዩ። ብዝተረፈ ወያነ ዝመርሖ ኢህወደግ ኣብ ምምዕባል ኢትዮጵያ ብጠቕላላኡ ክረአ ከሎ  ርኡይ ለውጥታት ኣምጺኡ ኢዩ።

ኣብ ቅድሚ ናይ ሰለስተ ሓይልታት ምሕዝነት፡ ናይ ኣብይ፡ ኢሰያስን ሓይልታት ኣምሓራን ከም ቀዳማይ ዕማም ዝተወስደ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምድምሳስ ኢዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ ኣብይ ነቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣብ ስልጣኑ ኮይንዎ ንዘሎ የልግስ።ኣምሓራ ብትግራይ ዝተወስዶም መሬት ወልቃይትን ራያን የምልሱን ንሓደ ካብ ጸላእቶም የልግሱን ኣለዉ። ኢሰያስ ሕነኡ ዝፈደየ ኮይኑ ይስመዖ፡ ናብቲ ካልኣይ መደቡ መስገሪ ባይታ የጣጥሕ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ድሕሪ'ዚ ዝመጽእ እዞም ሰለስተ ሓይልታት ከመይ ክቕጽሉ ኢዮም ዝብል ኢዩ። ኣብይን ኣምሓራን ብዙሕ ዘየረዳድኦም ጉዳያት ኣሎ። ናይ ኣብይ መሰረታዊ ደገፍ ካብ ኦሮሞ ኢዩ። ኣብ ኦሮሞ እቲ ህዝባዊ ኣረኣእያ፡ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ። እዚ ልክዕ ከም ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ምስ ናይ ኣምሓራ ድማ ተጻራሪ ኢዩ። ናይ ኣምሓራ ከኣ ምስ ናይ ኢሳያስ ኣረኣእያ ዝጣበቕ ኢዩ።ኣብ ሓደ ክመጹ እንተኾይኖም ናይ ኦሮሞ ወይ ናይ ኣምሓራ ሓሳብ ተሳዒሩ ክኸዱ ኣለዎም። እዚ ከኣ ዘይመስል ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባን፡ ኣብ ኣናብባ ታሪኽ ኢትዮጵያን ዘለዎም ፍልልይ ካብቲ ነፍሲ ወከፎም ምስ ትግራይ ዘለዎ ዝገፍሕ ኢዩ። ኣብ ኣናብባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣምሓራን ትግራይን ዝያዳ ይቀራረቡ። ኦሮሞ ንታሪኽ ኢትይጵያ ዝግደስሉ ኣይኮኑን ሓወልቲ ሃጸይ ምኒሊክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፈርስ ሕኒን ምስ በሉ ኢዮም።

ሓይልታት ኣምሓራ ንወያነ ምስዓር ከም ሓደ ስጉምቲ ንኤርትራ ናብ ሕቕፊ ኢትዮጵያ ምምጻእ ገይሮም ይቖጽሩ። ብኢስያስ ኣቢሎም እንተረኺቦማ ከኣ ኣሰናይ ኢዩ ንዕኦም። እንተዘይኮነ ግን ደቂሶም ዘይሓድርሉ ኢዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከይዱ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ንዝተረፋ ህይወቱ ንኢትዮጵያ ኣብ ከዕውት ዝኽእል ስራሓት ከወፊ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ምስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ ዝብሎ ተደማሚሩ፡ ከመይ ክዝርዘር ኢዩ ኣብ መጻኢ ንርእዮ። ከቕስነና ዝኽእል ጉዳይ ግን ኣይኮነን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ክሳብ ሕጂ ብመምርሒ ናይ ኣቶ ኢሰያስ ክኸይድ ጸኒሑ። ኣብ ከመይ ዝበለ ዘይውጻእ ጸድፊ ኣእትይዎ ከምዘሎ ከኣ ዘይርዳእ ኣይመስለንን። እቲ ምስ ኢስያስ ኮይኑ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመርሕ ዝነበሮ ሕልሚ ዝተሓምሸሸ ይመስል።  ሎሚ ምስ ኢሳያስ ኮይኑ ነዚ ኣትይዎ ዘሎ ጸድፊ ክወጾ ከቢድ ክኾኖ ከም ዝኽእል ንምግማት ኣየሸግርን ኢዩ። ካብ ኢስያስ ብዝቕበሎ መምርሒ ዓዲ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ሃገር ክመርሓ ኣይክእልን ኢዩ። ኢሳያስ ምስዚ ኩነታትዚ ተጠዓዒሙ ዘኽይድ ባህርያት ከምዘይብሉ ከኣ እንፈልጦ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ወያነ ሕነኡ ምፍዳይ ልዕሊ ኩሉ ነገር ስለዝሰርዖ ግና ንኣቢይ “ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ኢልዎ ስለዝነበረ ገለ  ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ቅርጻታት  ኣውጺኦም፡ እታ መፍትሕ ናይ ምምራሕ ንኣብይ መን ይፈልጥ ይህቦ ውን  ይኸውን። እዚ ኩሉ ግን ካብዚ ኣብ ትግራይ ብዝፍጽምዎ ገበናት ኣትየሞ ዘለዉ መንቀራቑሮ ክወጹ ምስዝኽእሉ ኢዩ።

ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምውዳቕ፡ ልኡላውነት ሃገርና ክሕሎ ፍትሕን ሰላምን ክነንግስ እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዘይኮነ ግጥም ኢሳያስ ስዒሩ ክወጽእ ከሎ ናትና ዓወት ከምዘይከውን ክንፈልጥ ይህልወና። እቲ ክንከዶ ዘለና ኢሳያስ ኣብ ዝኸዶን ዝኣተዎን ጸረ ህዝቢ ተግባራት ተሳዒሩ ከምዝወጽእ ምግባር ኢዩ። ብውሑዱ ድማ ነዚአን ከነዐዉት ንቃለስ።

ኣብ ትግራይ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ውግእ ክወጽእ፡

ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚታት ሃገርና ዘማስን ዘሎ  ውግእ ጠጠው ክብል፡

ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፈጸሞን ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ይፍጽሞ ብዘሎን ገበናት ኣብ ሕጊ ክቐርብ ክንጽውዕ ይግባኣና።

Last modified on Sunday, 14 March 2021 20:39