Print this page

ንሕማቕ ዘበንሲ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ

2021-02-10 09:24:51 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1119 times
Rate this item
(0 votes)

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን በደል ከምዚ እዩ ኢልካ ክትጽብጽቦ የጸግም። ሕድሪ ሰማእታት ክሒዱ፡ ዋጋ ቃልሲ ህዝቢ ጠሊሙ፡ ኩሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት  ከኣ ነፊጉ። ድሕር’ዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ተግባራት  ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸላኢ ሓሊፉ ብካልእ ክረአ ኣይክእልን እዩ። ዝተወሰኑ ንዘይሓልፍ ህዝብን ሃገርን ካብቲ ኩንትራቱ ወዲኡ ዝሓልፍ መንግስቲ ፈልዮም ክርእዩ ስለ ዘይከኣሉ፡ እሞ ንጉጅለ ኢሳያስ ምጽላእን ኣንጻሩ ምቅላስን ከም ንኤርትራን ህዝብን ምብዳልን ሕድሪ ሰማእታት ምጥላምን መሲልዎም፡ ኣብ ኢሳያስ ዘይጨከኑ ኣይሰኣኑን። እንተ ኣብ ምጽብጻብ በደላት ናይቲ ጉጅለ ግና እዞም ዘይጨከኑ እውን ከም ሰቦም እዮም። ምኽንያቱ ተግባራት ህግደፍ ከዊልካዮ ዘይክወል ስለ ዝኾነ።

እቲ እንዳበደለ ከምዘይበደለ ናእዳን መጐስን ዝለመደ ኢሳያስ፡ እንተላይ እቲ ዓለም ብዓለማ ብእትከታተሎ ተግባሩ፡ ህዝቢ እንዳጽነተን ብክብሪ ስዉኣትን ልኡላውነት ሃገርን እንዳሐጨጨ እውን “መን ከማኻ ወዲ ኣፎም” ክበሃል እዩ ሃንቀው ዝብል ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ እዚ ዲክታተር ግዜ ሂብካዮ’ውን ናብ ልቡ ዝምለስ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ህዝቢ ምስ ነኸሰ ዘይምለስ ምዃኑ ተረዲኡ ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መልከዓት ብረቂቕ ናይ ስለያ መርበባ ስለ ዘተሻበበ ዓው ኢሉ ብዘይምዝራቡ ንመግዛእቲ ኢሳያስ ኣሜን ኢሉ ከም ዝረዓመ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ መሬት ፈንቂሉ ብዓውታ ዝስማዕ ሓያል ንህግደፍ ዘወግዝ ድምጹ ብስቱር ካብ ዘስምዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ከመይ ጌርካኸ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣርዑት ሓጺን መግዛእቲ ተጻዒንዎስ ኣንጻር በዳሊኡ ይዛረብ የለን ኢልካ ይግመት።

ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ እምበር ኣብ ኣመዛዝና ህግደፍን መጻኢ ዕድሉን ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ብቐጻሊ ዝካየደ ዘሎ  ነቲ ጉጅለ ናይ ምውጋድን መጻኢ ናይ ምእማት ቃልስን ድምጽን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል እዩ። እቲ ወሳኒ ናይ ለውጢ ድምጺ ካብ ወሳኒ ጐደናታት ኤርትራ ዝቃለሓሎ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ምግማት ከኣ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናትን ሚዛን ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡን እንታይ ከም ዝኾነን ይከታተሎ እዩ። ካብቲ ከምዚ ዝፈደዮ ህዝቢ እንታይ ከም ዝጸበ ከኣ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። እንተኾነ ፈሊጡ  “ናብ ልበይ ተመሊሰ ዝተቐየመ ህዝበይ ክኽሕስ” ኢሉ ዝርህርህ ባህሪ ስለ ዘየብሉ፡ ከምቲ “ኣመልስ ምስ መግነዝ” ዝበሃል በቲ ዝጀመሮ ቁልቁለት ንሓዋሩ ሸለው ከም ዝበል ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ እከይ ግብሩ ብውሽጢ ብህዝቢ ኤርትራ፡ ብደገ ከኣ ብሕብረተሰብ ዓለም ተነጺሉ “ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ” ኮይንሉ ዝነበረ ሃላዋት ናይ ትማሊ ስለ ዝኾነ ንርሰዖ ኣይኮነን። ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ደገፍ ብኻልእ ንምትካእ ሃንደፍደፍ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዘርኣዮ፡ ከም ናይ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ከልቢ ክፍታሕ እንከሎ ክምሰል ዝኽእል ምስርሳር ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ንኢትዮጵያ ካብ መራሕታ ንላዕሊ ናይ ኢትዮጵያን ህዝባን በዓል ውዕለት ኮይኑ ንምቕራብ ድማ፡ ብሕብእብእ ዘይኮነ ሕንኩ ቀንጢጡ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ፡ ኣዲስ ናዝሬት፡ ጐንደር፡ ባህርዳርን ጅማን፡  “30 ዓመታት ዝተኸስረ ግዜ እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና እዩ” ብዝብሉ ቃላት ብዋጋ ስዉኣት፡ ብልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን እንተላይ ነቶም ብቐረባ ንፈልጦ ኢና ዝብሉ፡  ብዘደንጹ ስምዒት ኣሽካዕሊሉ። በዚ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሰሮ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ደገፍ፡ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ክረኽቦ ኩሉ ኣእማን ፈንቂሉ። በዚ ኣየብቀዐን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሰሮ ብዞባዊ ተቐባልነትን ጐብለልነትን ከከሓሕሶ ተደናዲኑ። ኣብዚ ግና ከምቲ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ፈላሊና ክንርኢ ናይ ግድን ዝኸውን፡ ህዝብን መራሕትን ኢትዮጵያ እውን ፈላሊና ክንርኢ ከድልየና እዩ።

ኣብቲ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሸሉ ቀዳማይ ጉዕዞ፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ነቲ መገሻ ዝተረድእሉ ቃና “ኣቶ ኢሳያስ  ናይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ጌጋ ምንባሩ ስለ ዝተረድኡ  ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላሳ ብስራት ክነግሩ እዮም መጺኦም” ዝብል ተረድኦ ነይርዎ። እቲ ናቱ ናይ መድረኻት ፈዳሕዳሕ እውን ናብዚ ግምት ዝደፍእ እዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ሰራዊቱ ናብ ውግእ ትግራይ ኣኽቲቱ ምስ ተባህለ ከኣ፡ “የኛ የቁርጥ ቀን ሰው/ ናይ ሕማቕ መዓልቲ በዓል ጽቡቕና” ዝብል ስም ተዋሂብዎስ፡ እቲ ብተግባሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተነፍጎ ደገፍ  ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ዝረክብ ይመስሎ ኣሎ።

ገለገለ ጸለውቲ ኢትዮጵያውያን፡ ንኣብነት ኣብ ግዜ ደርጊ ፍሉጥ ኣንበሳደር ዝነበሩ ዶር ካሳ ከበደ “ኢሳያስ ካብ ቀደሙ’ውን ጸላኢ ኢትዮጵያ ከም ዘይነበረ ሽምጠይ ገቲረ’የ ዝካተዓሉ’ዩ” ይብሉ። መምህር ታየ ቦጋለ ዝበሃሉ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ በዓል ግዜ ዘለዉ ደጋፊ ሰልፊ ብልጽግና ብወገኖም “ኣብዚ እዋንዚ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ዘይተመስገነ መንከ ክምስገን” ክሳብ ምባል በጺሖም። እንተኾነ ብኣንጻርዚ ንናይ ኢሳያስ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው “ኣብዚ እዋንዚ ብሓንሳብ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ብኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝተደፍረሉ ታሪኻዊ ግዜ ንርከብ ኣለና” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ኣለዉ። በቲ ኮይኑ በዚ ከምቲ “ንሕማቕ ዘበንስ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ” ዝበሃል፡ “ደሓን እቶ’” ዝብሎ ስኢኑ ኣብ በዓቲ ዓዲ ሃሎ ዝነበረ ተዓምጺጹ ዝውዕል ዝነበረ ኢሳያስ ብገለ ኢትዮጵያውያን ናይ ቅብጥሮት ስም ይወሃቦ ኣሎ። ውዒሉ ሓዲሩ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ግና ዘይተርፍ እዩ።

Last modified on Wednesday, 10 February 2021 10:27