Print this page

መብርሂ ብዛዕባዛ ጽሕፍቲ ሓው ግርማይ የማነ

2021-02-05 22:58:10 Written by  harnnet.org Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1583 times
Rate this item
(0 votes)

ክቡር ሓው ግርማይ የማነ፡ ቅድሚ ኩሉ ሰላምታና ይብጻሕካ፡ ርእሰ-ዓንቀጽና ስለ ዘንበብካ ከኣ ነመስግነካ። እቲ “ጣልቃ ህግደፍን ሳዕቤናቱን” ንዘርእስቱ እውናዊ ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ መሰረት ጌርካ ዝጸሓፍካዮ ብዙሕ ምስኡ ዘይዛመድን ብቐጥታ ንሰልፍና ዘይምልከት ዝተወሰኾን ስለ ዝኾነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ ዘይኮነ ኣብ ዝተወሰኑ ኣድላይ ዝበልናዮም ነጥብታት ጥራይ መብርሂ ክንህብ ኢና። ንእሽቶይ ዝበሃል መእረምታ ስለ ዘየለ ከኣ እቲ ጽሑፍ ናይ “ጉጅለ ሰዲህኤ” ዘይኮነ ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ዝተሰናድአ “ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ” እዩ። ቅድሚ ናብ ካልእ ምስጋርና ብቅንዕና ሓቀኛ መዛናይ ክትከውን ድልዊ እንተደኣኮንካ ግዜ ወሲድካ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ  harnnet.org ክትረኽቦ እትኽእል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና እንተተወኪስካዮ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ውዳበታት ዘለዎ፡ ብኣካልኳ ኣብ ኤርትራ ብቃልዕ እንተዘየለ ብኣተሓሳስባ ግና ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ንሓድነት መሬትን ህዝብን  ኤርትራ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘይምህላውና ምኽንያቱ ከምዘይትስሕቶ ርግጸኛታት’ኳ እንተኾና ኣብ ሃገርና ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምውዳብን ብዙሕነት ዘይጸውርን ብቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዘይምራሕን ብሓደ ጉጀለ ዝተገበተ ባይታ ስለ ዘሎ ጥራይ እዩ። ንዕላማ ቃልስና ብዝምልከት .... ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ  ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ርኢቶን ንዘለዎ መደብ ዕዮና እንተ ኣንቢብካ መወከሲ ሓሳብ ክትረክብ ኢኻ።

ከምቲ እጽበዮ ዝበልካዮ፥  ኤርትራ ከምዚ ዘላቶ ምቕጻላ ዘይኮነስ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባት  ዝወዳደራላ ሃገር ከም እትኸውን ዝጠቐስካዮ “ኣነስ ዘይከምዚኣ እየ ደልየ፡ ዘይከምዚኣየ” ዘብል እዩ እሞ “ኣፍካ መዓር ይምላእ።”  ዘይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራስ ምእንታኡ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፋ ሰልፍታትን ውድባትን ዝቕየዳሉ ሕግን ስርዓትን ምህላው እውን ዝፈላልየና ኣይመስለናን። እቲ መቐየዲ ሕግን ስርዓትን ግና ሓደ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ  ጉጅለ ንበሎ ሰልፊ ወይ ውድብ፡ ዓንተር ኣባጓይላ ኮይኑ “ንስኻ በዚ እቶ በዚ’ባ ውጻእ” ዝብለሉ ከም ዘይከውን ነስተውዕል። እቲ ምስ ሃገርካ ዝጐበጠ ምስላፍ ዝበልካዮ  ብሩህኳ እንተዘይኮነ ነቲ ማእከል ጌርካ ርኢቶ ዝሃብካሉ ሰዲህኤ ከም ዘይምልከቶ ግና ከነነጽረልካ ንፈቱ። ምናልባት ንኹሉ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ዘዝመተረሉ እሺ ኢሉ ዘይኮለሰ ኢልካ ትኸስስ እንተሊኻ ግና  ጌጋ እዩ። ሰዲህኤ ንኤርትራን ህዝባን ኣየኽብሮምን እዩ ዝብል ስግኣት እንተልዩካ እውን ቅኑዕ ሚዛን ኣይኮነን። ንህዝብን መንግስትን ፈላሊኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ነቲ ጉጅለ ክትረክብ ኢልካ፡ ክብሪ ሃገርካን ረብሓ ህዝብኻን ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ ዝበልካዮ ሰዲህኤ ኣጥቢቑ ካብ ዝጥንቀቐሎም ጉዳያት ሓደ እዩ። ንህግደፍ ካብ ወቐሳን ተቓውሞን ምእንቲ ከተድሕኖ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣልጊብካ ምርኣዩ ከኣ ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ኮታ ንህዝቢ ከተኽብር ክትብል ነቲ ህዝቢ ዝብድልን ዝገዝእን ዘሎ ጨፍላቒ ጉጅለ ምጽብባቕ ከኣ ተቐባልነት የብሉን።

ግቡእን መሰልን ዜጋታት ፈላሊኻ ብዛዕባ ዘይምርኣይ ዝበልካዮ ሕራይ ቅኑዕ’ዩ። ካብዚ ነቒልካ፡ ነቲ ብኢደወነኑ፡ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ፡ ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ህግደፍ ዘውጸኦ ኣዋጅ ርዒምካ 2% ምኽፋልን ዘይኽፋልን ከም ዜጋ ክትረኽቦ ዝግበኣካ መሰል ዘኽልእ ጌርካ ትወስዶ እንተሊኻ ግና ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ምኽንያቱ ዜጋታት ሃገሮም ከልምዑ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ሃገሮም ኰለ-መዳያዊ መሰሎም፡ እንተላይ ናይ እምነት፡ ምዝራብ፡ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ናጻ መሰሎም ክረጋገጽ ናይ ግድን እዩ። ደሓር ህግደፍ ጉባአ ካብ ዝገብር 27 ዓመታት ዝሓለፎን ትካላቱ ለሚሱ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብኣይ ዝወደቐን “ውድብ እዩ። ናይ ኣባላቱ ወርሓዊ ድዩ ዓመታዊ ውጽኢት ኣባልነት እሞ ከኣ ሕጊ ብዝፈቕዶ ከኽፍል ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ፡ ን2% ምስ ዜግነታዊ መሰል ምርካብን ዘይምርካብን ከተዛምዶ  ፈጺሙ ግጉይን እንቃወሞን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኣባል ህግዲፍ እየ ዝብውን ብዛዕባዚ እንተዝሕተት፡ መብዛሕትኡ “ገዲፈዮ ኣለኹ” ከም ዝብል ርግጸኛታት ኢና።

ሕገ መንግስቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ህዝብን ናይ ሓቢርካ ምንባር ውዕል መሰረታዊ ሰነድ እዩ። ኩሉ ሕግታትን ነቲ ሕግታት ዘተግብራ ትካላት ከኣ በዚ እየን ዝቕረጻ። ብኩራት ናይዚ ሕገ-መንግስቲ ከኣ መሰረት ናይቲ ዝምድና መንግስትን ህዝብን ዝቕየደሉ ልዕልና ሕጊ ዝድምሰሰሉ እምበር ንምስምስ ኢልካ ዝጥቀስ ንኡስ ጉዳይ ኣይኮነን። ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ከኣ ዘይትካላዊ፡ ዘይግሉጽን ኤርትራ እንትረብሖ ዘየነጸረን እዩ፡ ኢልና ኢና እንነቕፎን ንቃወሞን እምበር፡ እቲ ካብ ጐረቤት ምንጻል ዘምጸኦ ኣሉታዊ ሳዕቤንስ ቅድሚ ወዛሕዛሕ ኣቶ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚርና፣  ንህዝቢ ብዘርብሕ ኣገባባ ክዕወት ዘእወናሉን ህያው ክኸውን ዝተቓለስናሉን ኢና።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሰሓሕብ ጉዳይ ዶብ ክለዓል እንከሎ ስቕ ኢልና ንርኣዮ ዝብል እምነት የብልናን። እንተኾነ ቅድሚ ዘሊልካ ናብ ውግእ ምእታው ፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክቕድም ኣለዎ ኢና እንብል። ደሓር ብግብሪ ዝረኣናዮ ከኣ እቲ ምስ የመን ኮነ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣብ መወዳእታ ብውግእ ዘይኮነ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ እዩ ተዛዚሙ። ብዘይውግእ ናብዚ ዝተዛዘመሉ ኣገባብ ምብጻሕ ይከኣል ከም ዝነበረ ከኣ ንኣምን። ኣብቲ ዝተኻየደ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ  ኤርትራ  ጻሕታሪት ከምዝነበረት ብመንጐኛታት ተረጋጊጹን ካሕሳ ክትከፍል ከም ዝተበየና ዝሕባእ ኣይኮነን። ደሓር ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፣ ባዕላ መጥፊእት ደርፊ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ወያነ ወያነ ምባል ብመሰረቱኸ ንባድመ መን ድዩ ንወያነ ኣረኪብዋ ኢልካ ምግንዛብ እውን ኣድላይ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ናይ ሰዲህኤ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ምህላው ኣብ ኤርትራ ካብ ናይ ህግደፍ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዝጸውር ባይታ ስለ ዘየለ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ካልእ ሃገር ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻ ዝራኸበካ መንግስታዊ ኣካል ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። ሰንዓ ፎረም ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ግደ ኣይነበሮን። ንልኡላውነት ኤርትራ ዝቃወም ከኣ ኣይነበረን። “መሲልካ ንገሮ ንክመስሎ” እንድዩ ዝበሃል፡  ከምዚ በዓል ጉንበት ሸውዓተ፡ ኦነግ፡ ደምሓት፡ ኣርበኞች ግንባር ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት እሞ ከኣ ንናጽነት  ኤርትራ  ዘይቕበሉ ክነሶም ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ዝቃለስዎ ዝነበሩ ዝመሳሰል ጌርካ ዘይውሰድ እዩ።  ደሓር ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣበይ ኮይነን ይቃለሳ ዝመርጻን ዝውስናን ባዕላተን እምበር፡ ህግደፍ ኣይኮነን ዝውስነለን። ኣብ ኢትዮጵያ ምህላው ንህግደፍ ሓላል ንካለኦት ውድባት ኤርትራ ከኣ ሓራም ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ፈጺሙ የለን።  ኣበይ ንሃሉ ኣበይ፡ ኤርትራዊ ክብሪ ምሕላው ዝብል እንተኮይኑ ምስ ዝህልወና ምናልባታት ምሳኻ የሰማምዓና እዩ።

ሰዲህኤ ንሓይልታት ምክልኻል ድርብ ሃገርን ህዝብን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ከም ዘለዎ ደኣ ደጋጊሙ የዘኻኽሮ እምበር ከም ዘይነዋርዶስ  ነዚ ኣብቲ ንምረሓሉ  ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና “ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ንሃገራዊ ቅዋምን ልዑላውነት ሃገርን ህዝብ ን፣ ከምኡ'ውን፡ ብመሰረት ቅዋምን ሕጊ ምርጫን፡ ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስቲ ዝከላኸል፡ ድርዕን ዋልታን ሃገርን ህዝብን ምዃኑ እምነት ሰዲህኤ እዩ። በዚ መሰረት ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ዝከላኸልን ዘገልግልን፡ ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝሕሉ፣ ኣፍራዪ፡ ፖሊቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ ሃገራዊ ሰራዊት ንምቛምን ንምምዕባሉን ብተወፋይነት ክሰርሕ እዩ”  ዝበል ሰፊሩ ኣሎ ። እዚ እምነትና ግና ኣብ ሃገራት ጣልቃ ብዘይምትእትታውን ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ሃገርና ዘይምፍቃድን ብዝብል እዩ ዝቃነ። ካብዚ ነቒልና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ኣብ ጉዳይ ኢትይዕጵያ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ ምህላዉን በዓል ሕቡራት ኤምረት ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበራት ምኽፋተንን ዘይምድጋፍና ከም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምውራድን ምንእኣስን ጌርካ ዝውሰደሉ ምኽንያት የለን።

ናትና ኣቐሚጥና ደገደገ ምምዕዳው ደኣ ኣየምሕረልናን ይኸውን እምበር፡ ሓያላት ሃገራት ዘዘሊለን ዝፈጥረኦ ተጽዕኖታት ምጽብጻብ ዘጸግም ኣይኮነን። ቀያድን ናይ መወድእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይተግበር ዝብል ድምጺ  ዝያዳና ብንጹር እሞ ከኣ ኣብ ኩሉ መድረኻት ዘቃለሐ ኣሎ ኣይንብልን። ህግደፍ ነዚ ዛዕባዚ ከም ምቛሰዪ ዝወስዶ እምበር ብዕቱብ ክሕዞ ከም ዘይጸንሐ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ንምዝኽኻርካ ዝኣክል እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ እና ክገይሽ ከስመዖ ዝጸንሐ ናይ ግድን እንተዘይኮይኑ ምድጋሙ ዘጸግም ገልበጥበጥ ሸለል ክትብሎ እንተዘይደሊኻ  ትዝክሮ ኢኻ ዝብል እምነት ኣለና። ብዝኾነ ኣብ ጉዳይ ኣተገባብራ ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ቃልና ከነስመዓሉ ካብ ዝጸናሕና “መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ክደግሞ፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።”  ዝብል ብደረጃ ጉባአ ዝጸደቐ ሚዛና ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለና።

እዛ “ኣብ መደምደምታ ብሓቂ ተሓለቕቲ ሃገር እንተድኣ ኮይና ኣብ እንፈላለየሉ ክንፈላለ ኣብ ክንፈላለየሉ ዘይግባእ ሃገራዊ ሉዕላውነትናን ህዝባዊ ሰራዊትናን ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ።” እትብል ምሉእ ሓሳብካ ከም ዘላቶ ወሲድናያ ኣለና። እዚ ክንብል ከለና ግን፡ ሰራዊት ንኽብሩን ክብሪ ህዝቡን፡ ኣንጻር ምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ከቕንዕ  ናይ ወትሩ ጽዋዒትና እዩ።

Last modified on Saturday, 06 February 2021 00:01