Print this page

ንቀራረብ’ሞ ንደማመጽ፡ እንተዘይ ተደማሚጽና ግና…..!

2021-01-06 18:11:15 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1255 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኢሳያስን ውሑዳት መዳኽርቱን ገዲፍካ፡ ባህግናን ክንበጽሖ እንሕልኖ  ሸቶን ሓደ  እዩ። እንተኾነ ሸቶና ሓደ ክነሱ ናብኡ ንምብጻሕ እንመርጾ ኣሰላልፋ፡ ፖሊሲን ሜላን  ይፈላለ ኣሎ። እቲ ኣብ ሓደ ሸቶ ንክንበጽሕ ዝተፈላለየ ኣገባብን ኣሰላልፋን ምሓዝና ነጽብራቕ ናይ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነትናን እምነ-ኩርናዕ  ንምዕቃብ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ስለ ዝኾነ፡ ጸጋ እምበር መርገም ኣይመኾነን። መርገም ዝኸውን እቲ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ዘመልክዓልና ዘኽፈኣልናን ናብ ዘየድሊ ዋጢጥ ዝወስደናን  ክኸውን እንከሎ እዩ።

ኤርትራዊ ውድብ ይኹን ሰልፊ፡ ወይ እውን ካልእ ንለውጢ ዝተሰለፈ ህዝባዊ ዓቕሚ፡ በበይንና ክንወፍር እንከለና ሓይልናን ኣድማዕነትናን ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። እዚ ምጉዳልዚ ከኣ ናብቲ እንደልዮ ከይንበጽሕ ቀንዲ ዓንቃጺ እዩ። ብኣንጻሩ ሽቶና ሓደ፡ ንሱ ከኣ ወጽዓ ኣወጊድካ ራህዋ ምስፋን ስለ ዝኾነ፡ ናብኡ ዘብጸሓና ዓቕሚ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክንድልብ ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ።  እዚ ከኣ ብናይ ሓደ ውድብ ባህግን ጽቡቕ ድሌትን ጥራይ  ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ብእኩብ  ድምር ናይ ኩልና ዓቕምን ንሕባራዊ ስራሕ ቅሩብነትን ዝረጋገጽ እዩ። ከምቲ “ብልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል፡ እንተደኣ ነቲ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ሸቶ ብልቢ “ንህዝብና ናብ ራህዋ ዘብጽሕ እዩ” ኢልና ኣሚናሉ፡ እቲ ዘዕውት መንገዲ ካብ ኢድና ወጻኢ ኣይኮነን። ንሱ ከኣ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ብምቅላስ ዝረጋገጽ እዩ። ኣይኮነንዶ ናትና፡ ናይ ካልእ ንሕና ኣብ ዘይንዓሞ ዝሕግዘና ዓቕሚ ኣብ ንጽበየሉን ንጽወዓሉን ዘለና እዋን፡ ናትና ብሓባር ተሰሊፍካ ናይ ምስላፍ ዕዮ ገዛ እንተዘይተግቢርና ግና፡ ዘሕትተና እዩ።

ኣብ መሰረታዊ መዓርፎ ናይ ቃልስና ካብ ተሰማማዕና፡ በቲ ናብኡ ንምብጻሕ ንመርጾ መንገድታት ተረሓሒቕና ዓቕምናን ግዜናን ከነባኽን ኣይግበኣናን። ከም ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ዝተሰለፍና ሓይልታት ለውጢ፡ ካብ ዝፈላልየና ዘሰማመዓና ከም ዝበዝሕ ርዱእ እዩ። ኣብ ኩሉ መድረኻትና ከኣ ነዚ ኢና እነንጸባርቕ። እቲ ጸገምና እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝዓበየ ዘሰማመዓና፡ ነቲ ዝነኣሰ ዝፈላልየና  ስለ እነተዓባብዮ እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ዕንክሊል ክንወጽእ፡ ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲና ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያ ንተፋነን፡ ተቐራሪብካ ምድምማጽ ናይ ግድን ከድልየና እዩ። እንተዘይ ተደማሚጽና ግና ኣይኮነንዶ ብሓባር ተቓሊስና እንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከነድምዕ፡ እቲ ዘየቀራርበና ምኽንያት እንታይ ምዃኑን ኣብ መነና ከምዘሎን፡ ብንጹር ምርዳእ እውን ክንጽግም ኢና። ከምኡ እንተኮይኑ ከኣ “መረሓሓቒኦም ዘይፈልጡ ግና ዘይራኸቡ” ክንከውን ኢና። ክንቀራረብ እንኽእልን ዝግበኣናን ክነስና፡ ጐጎበና ሒዝና ኣብ ክንዲ ምድርባይ  ተቐራሪብካ ምድምማጽ እዩ እቲ ክንክተሎ ዝግበና መሰረታዊ መፍትሒ። እንተተቐራሪብና እሞ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን እነቐድም ሓላፍነታውያን እንተኮይና፡ ነቲ ክንርሓሓቕ እንከለና ክንዲ ጐቦ ኮይኑ ዝረኣየና ፍልልይ፡  ብሕድገትን ምክኣልን ተሰኒና ነወግዶ እሞ፡ ሓደ ኮይና ንምርሽ። ነዚ እንተዘይበቓዕና ከኣ ብውሑዱ መፈላለዪ ኣውሒድናን መሰማምዒ ኣብዚሕናን ኣንጻርቲ መርዛም ጉጅለ ህግደፍ ክንቃለስ ንኽእለሉ  ኩነታት ምፍጣር መኸኣልና። እዚ ግና ፈቲና ጸሊእና ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን፡ ንምክእኣል፡ ሕድገትን ንቕድሚት ምምዕዳውን ግቡእ ቦታ ክንህብ እንተበቒዕና ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።

ካብቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት እንጠቕሶ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ በደል፡ “ግዜ የብልናን” ዝብል እዩ። እዚ ማለት እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ንክንገብሮ መሰረታዊ ዘይኮነ መህደሚ መንገድታት ብምኽታል፡ ዘይምኽኑይ ግዜ ኣይንብላዕ ማለት እዩ። ክንድታ ዘይተደላይ ግዜ ዘባኸናያ ናይ ህዝብና ሕሰምን መከራን ከኣ ይዛይድ። ሎሚ ከኣ እነሆ ብሰንኪ ዞባዊ ዘይርጉእነት፡ እቲ ህጹጽነት ምውሓስ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝያዳ ዓሪጉ። ንሕና ከኣ ካብቲ ዝጸንሐ ንቡር ኣካይዳና ብዝተዓጻጸፈ ክንስጉም ይግበኣና። ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይድና ብፍላይ ድልዱል ናይ ሓባር መቃለሲ ድልዱል መድረኽ ኣብ ምውናን፡ በቲ ንቡር ቅልጣፈ እውን ንስጉም የለናን።

ከምቲ ለባማት “እቲ ንወዲ ሰብ ዝተዋህቦ ግዜ ውሱን ስለ ዝኾነ ንጽልኢ ዘይኮነስ ንፍቕሪ ከውዕሎ ይግባእ” ዝብልዎ፡ ጉልበትናን ግዜናን ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘየርብሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሊሱ ኣብ ዘኽስር ከነውዕሎ ኣይግበኣናን። እቲ “ተመኩሮ፡ ምመህር እዩ“ ዝበሃል፡ ክስወጠና ይግበኦ። ነዚ ዘይምብቃዕ ሳዕቤኑን ክሳራኡን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንመሃረሉ ብዙሕ ናትና ኮነ ናይ ካልኦት በዚ ሎሚ ንኸዶ ዘለና ዝሓለፉ ተመኩሮታት ኣለና።  

Last modified on Wednesday, 06 January 2021 19:14