Print this page

ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና

2020-12-19 10:06:09 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1651 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያን ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ቀንዲ ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ነቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ተጻዒኑ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣርዑት ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ዕቤትን ምርግጋጽ እዩ።

ኣብቲ ኤርትራ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ንኽትደፍእ ዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና ብዙሓት በብእዋኑ ብቐዳምነታት ዝስርዑ መድረኻት ከም ዝሓለፍና ስኑድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ንፖለቲካውን ሕጋውን መድረኻት ቀዳምነት ሂቡ ተቓሊሱ። በዚ ከም ዘይዕወት ምስ ኣረጋገጸ ከኣ፡ ብሂግዎን ሃሪፉዎን ዘይኮነ ብዘይካ ኣብ መግዛእቲ ምንባር፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ወፊሩ። እዚ ብረታዊ ቃልሲ እውን ብብዙሓት ነናቶም ቀዳምነት ብዝነበሮም ምድረኻትን ኣንፈታትን ሓሊፉ እዩ ተዓዊቱ። ጉዳይ ረፈረንደም እውን ከምኡ ኣብ ግዜኡ ቀዳምነት ሒዙ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘካይድናዮ  ቀዳማይ ምዕራፍ ኮነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ምዕራፍ ቃልሲ ጸገማትና ብዙሓት ነይሮም ሎሚ እውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። ብመሰረቱ ነቲ መስርሕ “መሪር ቃልሲ” እንብሎ እውን፡ ብብድሆታት ምሕላፍ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ ናይ ህግዲፍን ህዝብን ሃገርን ጓዕጺጽካን ሕድሩ ጠሊምካ ክትነብር ናይ ምሕላን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ፈሊጥና ዝኣተናዮ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት እውን ኣቐዲምና ካብኡ እንጽበዮ እምበር ሃንደበት ዝመጽእ ኣይኮነን።

እቲ ቀንዲ ብደሆና ናይቲ ንሕና  እነካይዶ ቃልሲ ምዕራይን ዘይምዕራይን ጸገም እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልስና ዘጋጥም ጸገማትን ዕንቅፋታትን፡ ገሊኡ ሰኣን ክእለትናን ዓቕምናን ዘጋጥም፡ ገሊኡ ከኣ ናይ ምግባሩ ዓቕሚ እንዳሃለወና ብድኽመትና ነባኽኖ ዕድልን ግዜን እዩ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕን ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣንፈትካ ዘይምጽናዕን ከም መርኣያ ድኸመትና ዝቐርብ ሕጽረትና እዩ። እዚ ጸገምና ምዃኑ እንዳተረዳእና ብግብሪ ግና ኣይነእርሞን። ቀዳማይ፡ ካለኣይ፡ ሳልሳይ እንዳበልና ብሓሳብ ቀዳምነታትና እንተሰራዕና እውን ኣብ ምትግባር ግና ነቲ ዝሰራዕናዮ ነዘባርቖ፡ ነቲ ዝተለምናዮ ኣንፈት እውን ኣቕጣጫኡ ነስሕቶ እሞ ኣብ ዕንክሊልን ዘይተደላይ ግዜን ዓቕምን ምብኻን ንወድቕ። እቲ ተቓሊስና ከነወግዶ ዝግበኣና ሓደገኛ ወጻዒ ጉጅለ ከኣ በዚ ድኽመትና እንዳተዓንገለ ዕድሜኡ ይነውሕ። ክንድቲ ምንዋሕ ዕድሜኡ ድማ ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኸብድን ይመርርን።

ካብቶም ኣብቲ ዝሰራዕናዮ ቀዳምነትን ዝኣመትናዮ ኣንፈትን ጸኒዕና ቀጥ ኢልና ከይንቕጽል፡ ዝዕንቅፉና፡ ንሓንሳብ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንድሕሪት ነዊሕ ተመሊስካ ምሕሳብን ምጽብጻብን፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ሎሚ ኮይካ ናይ ሎሚ ከይወገንካ ቅድሚት ከይድካ “ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” ብዘብል፡ ንናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ቀዳምነት ሂብካ ምውጣጥ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይኮነን ማለት ግና ንናይ ትማሊ ፈጺምና ንጠንጥኖ፡ ወይ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንገምት ማለት ኣይኮነን። እንያታይ ደኣ፡  ቀዳምነትና ሎሚ ክዕመም ዝግበኦ ምዕማም  ምዃኑ ክንስሕት ኣይግበኣናን፣

ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ፡ ኣንፈትና ከኣ ነዚ ዋኒና ምስላጥ እዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ካብ ከባብያዊ ጽልዋታትን ምዕባለታትን ተዓጺና ወይ ተገሊልና፡ ከም ፈረስ ተሸቢብና ንቕድሚት ጥራይ እንዳረኣና ንጐዓዝ ማለት ኣይኮነን። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ከባብታት ምዕባለታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ክንሕግዞን ክንድግፎን ዝገባኣና ከባብያዊ ምዕባለ ክህሉ እንከሎ ዓቕምና ንገብር። ዝሕግዘና ክንረክብ እንከለና ከኣ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት ሕዙእ ጉዳይና ኢዱ ከየእተወ፡ እጃሙ ከበርክት ኣፍደገና ኣይንዓጹን። ምስዚ ኩሉ ግና ካብታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ሽኻል ከይንወጽእ ጥንቁቓት ክንከውን ናይ ግድን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ንኤርትራዊ ዛዕባና ገሊኦም ብኣውንታ ገሊኦም ድማ ብኣሉታ ዝጸልዉዎ ምዕባለታት የጋጥሙ ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ጐረባብትና ሃገራት እውን ምዕባለታት ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ጐሊሑ ዘሎ ጸላዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይኮነንዶ ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ሒዙ፡ ካብ ቀደሙ እውን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን  ጸላዊ ባህሪ ዝጸንሖ እዩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንባራ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ሓደ እዋን ክቱር ፍቕርን ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሎሚ ድማ ተመሊሶም ዓይንን ሓመድን ምዃንን፡ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ኣብ ባድመ ዝጀመረ “ናይ ዶብ ውግእ”፡ ናይ መራሕቲ ህደግፍን ብልጽግናን ሃንደበታዊ ፍቕርን ሓቢሮም ኣንጻር ህወሓት ምሕንሓንን፡  …. ወዘተ፡ ኩሎም  ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስ ትግራይ ተጸላላዊ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም። ግና ምስዚ ኩሉ ምትሕልላኽ እውን፡ ክንዛረብ፡ ክንመዝን፡ ክንድግፍ፡ ክንቃወም፡ ዓገብ ክንብልን ክንመሓዞን እንከላና ነታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ከይዘንጋዕና ደኣ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ በደል ከሻቕለና ባህርያዊ እዩ። እቲ ቀዳምነትና ግና ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደልን ካብዚ ንምንጋፉ እነካይዶ ቃልስን ምዃኑ ዘይምስሓት። ንኣካይዳ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ንኣተሓሕዛ ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ መዚንና ክንድግፍ ወይ ክንነቅፍ እንከለና ቀንዲ ቀዳምነትና ግና ንጉጅለ ህግዲፍ ምቅላዕን ብህዝባዊ ቃልሲ ምውጋዱን ምዃኑ ከይንርስዕ ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። በቲ ብሰንኪ ትግራይ ዓውዲ ውግእ ምዃና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ክንሓስብን፡ ክንሓዝንን ንራህዋኡ ክንሕለቕን ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ቀንዲ ተሓላቕነትና ንህዝቢ ኤርትራን መሰረታዊ ረብሓኡን መሰሉን ምዃኑ ኣጽኒዒካ ምሓዝ ከድልየና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከየድማዕና፡ ኣንፈትና ስሒትና ካልእ ቀዳምነት እንተሒዝና ኣብኡ እውን ኣይከነድምዕን ኢና። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ንዓኻትኩም እውን መከራ ክጐተልኩም እንተዘይኮይኑ ኣይክጠቕመኩምን እዩ” እንብሎም እዩ ከኸውን። ሐደ ከነስተብህለሉ ዝገባኣና ዓብይ ጉዳይ ከኣ፡ ኣብ ምምዛን ቀዳምነትና ዘይኮነ ብዛዕባ ዘጋጥመና ፍልልይ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ብሓባር ከይንቃለስ ክዕንቅፈና ዘይግበኦ ምዃኑ እዩ።

Last modified on Saturday, 19 December 2020 11:08