Print this page

ንጡፍ ደላይ ፍትሒ፡ ፍትዊ ተኽለ (ንሓድነት) ኣብ ከተማ ጅኔቭ/ስዊስ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

2020-12-04 20:58:45 Written by  ፈተውቱ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1646 times
Rate this item
(0 votes)

ሓውናን ናይ ቃልሲ ብጻይናን ፍትዊ ተኽለ (ናይ ፓልቶክ ስሙ ንሓድነት) ኣብ 70 ዕድሜኡ ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዕለት 20.11.2020  ዓሪፉ፡ ሮቡዕ ዕለት 2 ታሕሳስ ከኣ ብስድራ ቤቱን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ጅኔቭ፡ ስዊዘርላንድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ኣብዚ ቀጺሉ ብስድራቤትን ፈትወትን ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ነፍሰ-ሒር ፍትዊ ተኽለ፡ ከም ስሙ ብኹሉ ዝፍቶን ዝናፈቕን ሃገራዊ ነይሩ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ከሎ ከይተረፈ ንምጽንጻን ጸላኢ ከይፈርሐ ንጓሉ ኤርትራ ኢሉ ዝጸውዐን፡ ድሒሩ ሓድነት ውድባት ዓዚዝዎ ንወዱ ሰመረ ዝበለን ናይ ቃልሲ ሰብ ነይሩ።

ኣብ ኣስመራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሪዑ ተቓሊሱ። ጸኒሑ ከኣ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተሓኤ ንጡፍ ተሳትፎ ነይሩዎ። ኣብ ስዑዲ ከሎ ኰነ ቅድሚ 30 ዓመት ንስዊዘርላንድ ምስ ኣተወ’ውን፡ ኣብ ጨንፈር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከኣ ምስ ሲቪካዊ ማሕበራት ኰይኑ ናይ ቃልሲ እጃሙ ኣበርኪቱ።

ፍትዊ ተኽለ ኣብቲ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝግበር ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝካፈልን ኣባላት ሰዲህኤ ኰኑ ናይ ደንበ ተቓውሞ ብጾቱ ብናፍቖት ዝጽበይዎን ውፉይ ሃገራዊ ነይሩ። ኣብ ከተማ ጅኔቭ ከም ቀንዲ ተኸላኻላይ ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምንባሩ፣ ቀጺሉ’ውን ደጋፊ ጒዕዞ ሰልፊ ህዝቢ፡ ድሒሩ ከኣ ክሳዕ ጊዜ ዕረፍቱ ደጋፊ መትከላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ኲሎም ብቐረባ ዝፈጥዎ ደቂ ሃገር ዝምክስሩዎ ሓቂ ነይሩ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ንተቓላሳይ ፍትዊ ተኽለ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ እናተመነና፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሓመድ ምልባሱ ብስድራ ቤት ዝቐረበ ታሪኽ ህይወቱ ኣብዚ ቀጺልና ብምልኡ ነስፍሮ።

 ሓጺር ታሪኽ ህይወት ፍትዊ ተኽለ !

Fitwi Tekle 02.12.2020

ክቡር ሓውናን ኣቦናን ፍትዊ ተኽለ፥ በዚ ቀዛፊ ዝኾነ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምሕማም ብዕለት 20 ሕዳር ዓሪፉ፡ ብዕለት 2 ታሕሳስ 2020 ከኣ ብስድራ ቤትን ፈተውትን ተሰንዩ ኣብዛ ን30 ዓመታት ዝሰርሓላን እተቐመጠላን ከተማ ጅኔቭ (ስዊዘርላንድ) ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ኣቦናን ሓውናን ፍትዊ ካብ ነፍሲሄር ኣቡኡ ኣቶ ተኽለ ያቖብን ካብ ነፍሲሄር እዲኡ ወይዘሮ ለተኣምላኽ የሕደጎን ብዕለት 24.06.1950 ኣብ ዓዱ ዓዲ ጻዕዲ (ብናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ) ኣብ ኣውራጃ ሰራየ) ተወልደ። ፍትዊ በኹሪ ንወለዱ ነበረ።

ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ መባእታ ትምህርቱ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲቦ፡ ቀጺሉ ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ  ስንጆርጆ - መንደፈራ ተማህረ። ንኡድ ጠባይ ወኒኑ ብልዑል ነጥቢ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ ፍትዊ ከም ሽሙ ፍቱዉ ምንባሩ መማህርቱን ኲሎም ፈለጥቱን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ትምህርቱ ኣቓሪጹ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ሓደ ብጥልያን ዝዉነን ዝነበረ ትካል (ፈለኛሞ) ጽርበት ዕንጸይቲ እናሰረሓ ብገንዘቡ ተማሂሩ ብሉጽ ሞያ ምስ ኣጥረየ ካኣ፥ ጥበቡን ዉሕልነቱን ዝተዓዘበ ሓደ ቤተሰብ ኣብ  ገሉጅ ንኽሰርሖ ጠለቦ። ቀጥ ኢሉ ናብኡ ብምኻድ ከኣ ስርሑ ጀመረ።

ብዓል ሰፊሕ ልቦና ዝኾነ ፍትዊ ዓቅሚ ኣዳም ኣኺለ ኣብ ዝበለሉ ምስ ቤተዘመድ ብምምኻር ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ኣበባ ተስፋይ ብቓል ኪዳን ተቆርነ። ድሕሪ መርዓ ብዘይ ወዓል ሕደር ነስመራ ብምኻድ ኣብ 1972 ምዉቕ ሓዳር መስረተ። ካብ ብርኮም ኣከታቲሎም ዝወጹ ሰለስተ ደቂ ወለዱ። ንሶም ከኣ ኣብ ኣስመራ ተወሊዶም ሎሚ ብድሙቕ ኣብ ከተማ ጅኔቭ (ስዊዘርላንድ) ዝረኣዩን ዝፍለጡን ጴጥሮስን ኤርትራን ጳዉሎስን ኢዮም። ራብዓይ ሓዎም ሰመረ ኣብ ስደት ተወሊዱ።

ኣብቲ ዝተወልዱሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ዝብል ስም ብሁግ ከምሉል ጥራሕ ዘይ ኮነስ ሂውት ከስእን ዝክእል ስም ምንባሩ ዘይሰሓት ሓቂ ኢዩ። እዚ መርኣያ ትብዓት ናይ ኣቦና ፍትዊ ክሳብ ክንደይ ብሃገር ዝንየት ምንባሩ፥ ንደቑ ብፍቕሪ ሓብሒቡ ምዑት ሃገራዊ ፍቕረ ዘስንቅ ኣቦ ምንባሩ ዘረድእ ኢዩ።

ፍትዊ ብጉዳይ ሃገር ካብ ጊዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ይግደስ ስለ ዝነበረ ብእዋኑ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰለፈ። ምስ ጉጅለ ኣስመራን ከባቢኣን ተወዲቡ ብዓቢ ተወፈይነትን ተባዕ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣብዝነበረሉ መዋእል ብስርዓት ደርጊ ክህደን ምስ ጀመረ ዝፈትዎ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ሓዲጉ ንሱዳን ወጸ።

ሻቁሎት ስድራ ድቓስ ዝኸልኦ ፍትዊ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ንኤርትራ ከባቢ ሊባን ሓበላ ተመልስ። ካብ ሊባን ሓበላ ሰብ ሊእኹ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ካብ ኣስመራ ኣዉጸኤ። ስድርኡ ስዒሙን ጠርኒፉን ከኣ ንሱዳን ተመልሰ።

ኣብ ሱዳን ዘይቖዋሚ ናብራ ኣብ ምጥያስ እንከለዉ ከኣ ሰመረ ተወለደ።

ንሰመረ እዉን ባህጊ ስማረት ዉድባት ኤርትራ ዝገልጽ ስም ተዋህበ ። 

ብ1980 ሰበይቱን ደቁን ኣብ ሱዳን ግዲፉ ናብ ስዑድ ዓረብ ጉዕዞኡ ቀጸለ ።

ዋላ ካብ ሃገሩ ናብ ሃገራት ብዙሕ ክርተት እንተበለ ንሃገሩ ሓንቲ መዓልቲ ከይረሰዓ ኣብ ጎድኒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወዲቡ ዓብይ ግደ ይፍጽም ነበረ።  

ብ1982 ብዓልት ቤቱ ኣበባ ብግደኣ ንደቃ ምስ ኣዲኣ ኣብ ሱዳን ገዲፋ ንበዓልቤታ ሰዓበቶ። ኣርባዕተ ዓመት ብሓባር ሰሪሖም ብ1986 ንሱዳን ከይዶም ደቆም ጠርኒፎም ንሱዑዲ ከኣ ተመልሱ። ናብራ ስዑዲ እፎይታ ስለ ዘይረኸብሉ ንፈቲቫል ቦሎኛ ምክንያት ብምግባር ብ1990 ብቪዛ ንጥልያን እተዉ። ምኽሪ መሓዙቶም ምርኩስ ብምግባር ካብ ጥልያን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1990 ንሃገረ ስዊስ ጉዕዞ ቀጸሉ። ኣብ ስዉስ ዑቑባ ሓቲቶም ጀኔቭ ተመደቡ።

ኣቦና ፍትዊ ካብታ ንስዊስ ዝኣቶወላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕድመ ጥሮቱኡ

ዝኣክል ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ብዘይ ምቑራጽ ብትግሃት ሰሪሑ ዘስርሓ ኣቦ ምንባሩ ብዂሉ ሰብ ዝፍለጥ ኢዩ።

ምሩቑን ቅኑዕን ብምኻኑ ንኩሎም ደቁ ሓብሒቡ ብምዕባይ መሪቑ ብባሁሉ ዘምሰለን ደቂ ደቁ ዝረኣየን ፈታዉ ሓዳሩን ደቁን በዓል ጸጋ ኣቦ ኢዩ። 

ማሕበራዊ ሂወት እናመርሓ ኣብ ርእሲ ኤርትራዉያን ዝፍጸሙ ግፍዒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ይቃወም ነበረ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኰይኑ ኣብ ብዙሕ መደባት ዝሳተፍን ሰባት ንኽሳተፉ ዘተባብዕን ምንባሩ ኲሉ ፈላጢኡ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

እዚ ሓጺር ሓበረታ ንጉዕዞ ሂወት ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ ዝበቅዕ ታሪኽ ኢዩ ኣይንብልን። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ሓደ ሰብ ባህሪያቱን ስነ ምግባሩን ምኻኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዊሕን ዝርዝራውን ኣቀራርባ ይሓትት። ፍትዊ ክቡር ሕያዋይ ፍቁር ተባዕ ጻዕራምን ሓዉ ስለ ዝኮነ ብዛዕብኡ ብዙሕ ገጻት ክጸሓፍ ክንበብን ምተካእለ። ንሕጂ ግን በዚ ሓጺር ተዘክሮታት ኣቢልና ነፋንዎ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ስዊስ ካብ ዝመጸእ ጀሚሩ እኳ ብሞይኡ ንብዙሓት ስድራቤታት ከም ዝሕግዝን፣ ንወነንቲን ኣካየድትን ትካላትን የተባብዕ ምንባሩ ብቐረባ ዝዝከር ኢዩ። ፍትዊ መን ኣብ ዝበሃለሉ ከኣ፤ « ፍትዊ ፍለኛሞ » ካልኣይ ሽሙ ነበረ።

እቲ ኮር ባህሪ ሓዉና ፍትዊ ዉጹእ ፍልዩነት ከምዝነበሮ ዝምስከር ኢዩ። ፍትዊ ከም ሰብ መጠን ኣይሓቅን ኢዩ ንዝብሎ ነገር ብትብዓት ብሓቀይና ዕግበቱ ስለ ዝምክት ዉጹእ ፍሉይነት ነይርዎ። ንዝተጸገሙ ይሕግዝ ! ንዝተባኣሱ ይዓርቕ ! ብኹሉ መልኽዕ ዘሰኒ ለዋህ ትሑት ብባህሉ ዝሕበን ኣቦን ሓዉን ምንባሩ ዝዝከረሉ ታሪኹ ኢዩ። ብኻልእ ቃላት፡ ባህርያት ጽኑዕ እምነት ሓቅን ርትዕን ኣብ ኩሉ መዳያት ማሕበራዊ ጉዕዞ ዘርእዮ ዝነበረ ጸብለልትነት ቀሊል ከምዘይነበረ ብፈተዉቱ ዝምስከር ንጹር ሓቂ ኢዩ ።

ፍትዊ ሓቀይና ጻዕራም ተዋዛያይ ኔርካ

ኣብ ዓበይትን ኣብ ንኣሽቱን ኣሎ መልእኽትኻ

ፍሉይ ኢዩ ነይሩ እቲ ኒሕካ ትብዓትካ

ብዙሕ መጻወድያ ዝፈንጠስካ :

ካብ ግዚያዊት ዓለም ድሮ ተኸዊልካ !

ኣብዚ ሕማቕ ጊዜ ነታ ዘይትተርፍ ሕጊ ካብ ተቐበልካ

ስጋኻስ ተፈልያትናያ ፈጣሪ ኣብ ሕቚፉ ይቀበልካ፣

ሞት ንኹልና ዘይትተርፍ ጽዋእ እኻ እንተኮነት፣ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብሞት ካባና ንዝተፈልየ ክቡር ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ ተኽለ ከነፋንዉ እንኮሎና ብጣዕሚ መሪር ሓዘን እናተሰመዓና ኢዩ።

ከምቲ ንጉስ ዳዊት ናብ መበል 35 መዝምሩ ብምረት ንእግዚኣብሄር እናዘመረ ዝልምኖ ድሕነት፣  ንሕናዉን ሎሚ ንነፍሲ ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ እግዚኣብሄር ኣምላክ ምድሓንኪ ኣነ እየ ክብላ ብሓባር ብጸሎት ንፋኖ።

ደሓን ኩን ፍትዊ ! 

ጽንዓት ንምሉእ ስድራቤት !!

ጽንዓት ንዂሎም ፈተውቱ።

Last modified on Friday, 04 December 2020 22:08