Print this page

ሰራዊት ኤርትራ፡ ምጽማምኮ፡ ደረት ኣለዎ

2020-11-27 14:56:57 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1224 times
Rate this item
(0 votes)

ግፍዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ዘናሕስየሉ ወገን የለን። ይረድእዎ ኣይረድእዎ፡ እቶም ጌና ክሳብ ሕጂ’ውን “ናቱ ኢና” ዝብሉ ወገናት ከይተረፉ ግዳያት እዮም። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እቲ ናይቲ ወጽዓ ምረትን ስንብራት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰበብና በበይኑ መልከዓት ዝሕዝ እዩ።

መንእሰይ ኤርትራ ሕድሪ ኣያታቱ ኣጽኒዑ፡ ሃገር ዝሃንጸሉ ፍልጠት ናይ ምቕሳምን ክኢላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥራይን ዕድል ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ካብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዘይብላ ሃገር ዜጋ ኮይኑ ስለ ዘሎ። ኣብ ክንድኡ ተገዲዱ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየርብሕ ውግኣት ንከኣቱ፡ መነባብሮኡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዘይሰብኣዊ ህይወትዚ ብጉልበትን ብመንፈስን ክጾሮ ስለ ዘይከኣል ከኣ ተስፋ ቆሪጹ ብዘይ ውሑስ ኣገባብ እግሩ ናብ ዝመርሖ ስደት መሪጹ። ኣብ ጉዕዞኡ ናብ ስደት፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕር ዝጠፈአ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዙሕ እዩ። ዕድል ረኺቡ ዓዲ ሰብ ዝበጸሐ ስደተኛ መንእሰይ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወት እውን ቅሱን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ብዙሕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ እዋንዚ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መደበራት፡ ኣን ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ብሕልና ምዝካሩ እኹል እዩ። ካብቲ መደበር ስደተኛታት ናይ “ርድኡና” ኣውያቶም እውን ኣብ እዚ ኩልና ይቃላሕ ኣሎ።

ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡  ብዕድመ ዝደፍኡ  ወለድን፡ ሓረስቶታን፡ ኮታ ኩነታት ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ መረበቱ፡ እንተ ዳህሲስና እቲ ብደሆ ካብ ናይቲ መንእሰይ ዝመረረ እምበር ዝሓሸ ኣይኮነን። ወጽዓ ህግዲፍ ሕርሕራይ ገይሩ ካብ ዘረኻኸበሎም ኤርትራዊ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ወዮ ህዝብን ሃገርን ክሕልውን ክከላኸልን ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውዳቑ ከኣ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ከም ዘላ ኣብነታዊ መርኣያ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዘይተተግበረ፡ ቀንዲ ተልእኮኡ ብሕገመንግስቲ እንዳተመርሐ፡ ዶባት ሃገርን ብሕጊ ዝተዋህበ መሰል ህዝብን ምዕቃብ ክኸውን መተገበኦ። እንተኾነ እቲ ክምርኮሰሉ ዝግበኦ ሕገመንግስቲ የለን። ሓይልታት ምክልኻል እውን “ናይ ኣየናይ ሕጊ ምእዙዝ እየ ዝኸውን?” ኢሉ ክሓትት ዝግበኦ ክነሱ ኣይሓተተን። ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ጠንቁ ዘይምፍላጡ ዘይኮነስ፡ “ንጉጅለ ህግዲፍ ምጽማሙ” ዝብል ከም ዝኸውን ግምት ኣለና። ግና ክሳብ መዓስዩ ምጽማምን ምዕጋስን።

ሓይልታት ምክልኻል፡ ላዕለዎት እቶም መጠፋፋእቲ ኣዘዝቱ፡ ናይቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ውሑዳት ጥራይ ዝርብሕሉ ምምሕዳር ናይ ረብሓ ተኻፈልቲ ብምዃኖም ከም ዝጠለምዎ ርዱእ እዩ። ንሱ እቲ ሰራዊት ባዕሉ “ንሃገራዊ ጉዳይ እየ ተሰሊፈ ዘለኹ” እንዳበለ፡ ብኣዘዝቱ ኣባይቶም ክሃንጽ፡ ሕርሻኦም ከልምዕን ካልእ ረብሓታቶም ከማልእን ዝግደደሉ ኩነታት ስለ ዝፈልጥ ከም ዝጠለምዎ ንምርዳእ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ውግእን ወረ ውግእን ፈጺሙ ዘይረዊ ወልፊ ዲክታተር ኢሳያስ ከም ዝኾነን ኣብ ዝተኣጐደ ሓዊ ክስሕን ድሕር ከምዘይብልን፡ ኩሎም ሓይልታት ምክልኻል ክዋስኣሎም ዝጸንሐ ውግኣት ኣብነት ስለ ዝኾኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። እነሆ ከኣ እቲ ዕቡድ መራሒኡን ጉጅለኡ ህግዲፍን፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠቢስዎም።

ድሕሪ ሕጂ እቲ ሕቶ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሳቲፉዶ ኣይተሳተፈን?” ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕቶ “ክብደት ናይቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደየናይኮን ይኸውን?” ዝብል  እንተኾይኑ ኣብ ቦታኡ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝያዳ ኣብ ግንባራት ሑመራ፡ ባድመ፡ ራማ፡ ዛላንበሳን ራያን ብከበድቲ ብረት ተሰንዩ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ  ይዋጋእ ከምዘሎ የረጋግጹ ኣለዉ። ኢሳያስ ደገፉ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝያዳ ንምድልዳል፡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ኤርትራ መዳኸሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዘሎ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብፍላይ ኣብ ግንባር ዛላንበሳ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ጋንታታት ተሓናፊጾም ብዘይእኹል ዕጥቅን ስንቅን ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ዘመልክት ሓበሬታታት ኣሎ። እዚ ሓበሬታ ናይ ማዕዶ ተዓዘብት ገመትን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝወዓለን ይንገርካ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝበሃል፡ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ንግዜኡ ካብ ብሱል ጥረ ወጺኦም ዝሃብዎ ርጡብ እዩ።

“ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ኣይሓልፍን” ዝበሃል ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጉጅለ ህግዲፍ ብዓል ጽቡቕካ ከምዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብግብሪ ኣርእዩካ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ካብ እትርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናይ ብዙሓት ብጾትካ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነበር ራሕሪሖምኻ ናብ ስደት ምኻድን በይንኻ ምትራፍካን መልእኽቱ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ጌና ካብቲ ኢሳያስ ዘጻውዶ እሞ ንስኻ ዋጋ ትኸፍለሉ ዘለኻ ውዲታት ክትወጽእ ኣይከኣልካን። ካብዚ ውዲት ምውጻእ ማለት ንኢሳያስ ከም ድላዩ ክዋገየሉ፡ ዓዲ ገዲፍካሉ ምኻድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ውዲት ምውጻእ ማለት ኢሳያስ ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ውግእ ትግራይ ሸኺሉካ ዘሎ፡ ኣብ ጉዳይ  ኤርትራ ዘይኮነ ኣጀንዳ ከእትወካ እንከሎ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ዝተሰነየ ውዱብ “እምቢታ” ምስማዕ እዩ። እቲ ድሕሪኡ እትሕተቶ ዋጋ ካብዚ ሕጂ ተኸፍሎ ዘለኻ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕ፡ ምናልባት እውን ንመጻኢ ወለዶ ሕማቕ ኣሰር ዘውርስ ዝቐለለ እምበር ዝኸበደ ኣይኮነን። እቲ መፍትሒ እምበኣር ከምቲ “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ዝበሃል፡ ብረትካ ናብቲ ዘይናትካ ክነሱ፡ “ናትካ እየ” ዝብለካ ጉጅለ ምዛሩ እዩ። ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ዝወርድ መከራን ውርደትን ካብዚ ንላዕሊ መሊኡ ክሳብ ዝፈስስ ክትጽመሞ ከኣ ምኽኑይ ኣይኮነን።

Last modified on Friday, 27 November 2020 15:59