Print this page

“እንተ ክትድቅስ፡ ጐረቤትካ ይደቅስ”

2020-11-05 19:28:22 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1258 times
Rate this item
(0 votes)

ንሓደ መንግስታዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ሃገርን ህዝብን እመርሕን አመሓድርን ኣለኹ ዝብል ኣካል መዚንካ ንክትድግፎ ወይ ንክትቃወሞ እቲ መዕቀኒ ዘቤታዊ ኣተሓሳስባኡን ብቕዓት ኣተገባብረኡን እዩ። ኤርትራውያን ንምምሕዳር ህግዲፍ እንመዝነሉ መዕቀኒ እውን በዚ መንጽር ዝረአ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ውልቃዊ ኮነ ጉጅላዊ ጽልኢ  ወይ  ኣብ ዝሓለፈ ዘየረዳድአ ተመኩሮ ናይ ምጽብጻብ ህርፋን ሃልዩና ኣይኮናን። ወይ እውን ከምቲ ንሱ ንከፋፊልካ ምግዛእ ዘዘውትሮ ብሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ ወይ ብባህሉ ኣይኮናን ንዕቅኖ። መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃገሮም ተዓጽዮም ስለ ዘይነብሩ እቲ ምስ ወጻኢ ዝመርጽዎ ዝምድና እውን ኣብቲ መምዘኒ  እንታይነቶም ኣይጽብጸብን ማለት ኣይኮነን።

እቲ ወሳኒ ዘቤታዊ ኮይኑ፡ እቲ ምስ ርሑቕ ኮነ ምስ ጐረባብቲ ዝግበር ዝምድና’ውን ምስቲ ዘቤታዊ ዝመጋገብ እምበር፡ ካብኡ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ጉዳይ ጐረቤት ከምቲ “ካብ ናይ ርሑቕ ዘመድ፡ ናይ ቀረባ ጐረቤት” ዝበሃል፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ብዙሓት ናይ ርሑቕን ጐረባብትን መንግስታት፡ ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ ዘይጥዑይ፡ ውዲታውን ጽሉልን ኣካይዳ ከማርሩ ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ንጐረባብትና ዘማርር ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ካብቲ ንህዝብና ደም ዘንበዓሉ ጸይቂ ባህሪኡ፡ መሊኡ ዝፈስስ እምበር ብፍሉይ ነቶም መዛምድቱ ኢሉ ዘሕድሮ ባህሪ ኣይኮነን። ስለዚ ንህዝቡ ደም ዘንብዕ ምምሕዳር  ኢሳያስ ኣብ ጐረባብቲ በጺሑ በዓል ደሓን ይኸውን ማለት ዘበት እዩ።

ኢሳያስ ኣብ ኤርትራዊ ምምሕዳሩን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ዝተበላሸወ ምስሉ ብናይ ደገደገ ዘይተጸንዐን ኤርትራዊ ረብሓ ዘየማእከለን መገሻታት ከመላኽዖ እዩ ዝሃርፍ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምልስ ዘይበቐዐ ክነሱ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ሎሚ ብዛዕባ 4-5 ሚሊዮን ህዝቢ ንሓስበሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዝያዳ 4 ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዞባና ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና” ዝበሎ፡ ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ናብ ደገ ናይ ምምዕዳዉ ኣብነት እዩ። እዚ ዞባዊ ዝበሎ፡ እሞ ናብ ጐንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ጁባን መቃድሾን ኮለል ዝበለሉ ተበግሶኡ፡ ንዞባዊ ሓልዮት ዘይኮነ፡ መሕብኢ ካብ ምንዳይ ዝነቐለ ስለ ዝነበረ፡ በቶም ቀዳምነት ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘትክሉ መራሕቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዙሓት ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ዝፈልጡ መራሕቲ ሃገራት ብወገኖም ገጽ ከሊአምዎ እዮም። ቀንዲ ገጽ ዝኸልእሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ዘየድመዐ ኣብ ዞባ ከድምዕ’የ ብዝብል ንዘይትግብሮ ፈንጣሕጣሕ ምባሉ እዩ።

እኩይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንርእሱ ምኽሪ ዘይሰምዕ ክነሱ፡ ናይ ካለኦት መኻሪ ኮይኑ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝገርም ርዱእ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ግና ንኩነታት ኤርትራ እንዳረአዩን እንዳሰምዑን ንምኽሪ ናይቲ ብናይ ንጹሃት ደም ዝተሓጽበ፡ ኢሳያስ እዝኒ ዝህብዎ ኣካላት ምርካቦም እዩ። ምናልባት ደኣ ኮንደኾን ሎምስ ናብ ልቡ ተመሊሱ ጽቡቕ ደኾን  ይወጾ ኢሎም የጸግዕዎ ይኹኑ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ ብኢሳያስ ተመኺሩ ዓዲ ዝኣተወ ከምዘየለ ኣይጠፍኦምን እዩ። ብሰንኪ ናቱ ጽይቂ ምኽሪ ጉዳዮም ዝተበላሸዎም ምጥቃስ ግና ዘየጸግም ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና መበላሸዊ ኣሰሩ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምጥቃስ ይኣክል።

ምስዚ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ዝዛመዱ ኣካላት፡ ብፍላይ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንኤርትራዊ ኩነታትን ንናይ ኢሳያስ ዘይሰላማዊ፡ ዘይልምዓታውን ዘይዲሞክራስያውን ባህርያት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። ነዚ እንዳረኣዩ ምስኡ ክተዓራረኹን ክዛመዱን እንከለዉ፡ እቲ በደል ንኢሳያስ ጠቕሊልካ ዝወሃብ ዘይኮነ ንሳቶም እውን እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ስለ ዝጽግዕዎ ካብ ተሓታትነት ናጻ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ እንዳረኣዩ ናይ ኢሳያስ ምስሊ ከተዓራርዩ ተቐበልቲ ጋሻ ንዝኾንዎ ዕድል ኣብ ዝረኽበሉ ክሓቶም እዩ።

ጥዑያት መራሕቲ ሃገራት፡ በቲ ዝገብርዎ ዝምድና ንህዝቦም ሰላሙን ልምዓቱን ዝድልብ ተወሳኺ ዓቕምን ሃናጺ ተመኩሮን እዮም ዘምጽእሉ። ኢሳያስ ግና ኣይኮነንዶ ናይ ወጻኢ ጠቓሚ ተመኩሮ ከምጽእ፡ ኣብ ዓዱ ‘ውን ዘንጸፎ ናይ ሰላምን ልምዓት ሽታ የብሉን። ብኣንጻሩ እቲ ካብ ደገ ዘምጸኦ ተመኩሮ ነቲ ናይ ህዝብና  ሻቕሎትን ሕሰምን መሊሱ ዘጋድድን ናብ ጐንጽን ጽልእን ዝወስድን እዩ። ኢሳያስ ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣቢሉ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ህዝብና ካብቲ ዝምድና በመንጽር ምዕቃብ ልኡላውነቱ ኮነ ብመንጽር ቁጠባዊ ጸገማቱ ዝኾነ ፍታሕ ዘምጽእ ጠቕሚ ኣይረኸበሉን። ብኣንጻሩ ዝያዳ ሰላሙ ዝዘርግ ውዲታትዩ ዝጐተሉ ዘሎ። ገለ ወገናት ኢሳያስ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ናብ ጐንጺ ዝዓረገ ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዕጥይጥይ ክብሉ ይረኣዩ።

ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ርትዓዊ ሚዛን ንምሓዝ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት፡ ባዕሉ ዲክታተር ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ንሕውሰሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን”፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከኣ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ እዩ” ዝበልዎ “ሕኸኸኒ ክሓከካ” ምዝካር ጥራይ ኣኻሊ’ዩ። ስለዚ ኢሳያስ ካብ ዘዝወፈሮ ንሃገርና ህውከት ክጐተላ ወጢኑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝመልከት እዩ። ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም፡ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ንዓና እውን ኣየናሕስየልናን እዩ። ስለዚ ከምቲ  ጥምረት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ4 ሕዳር 2020 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ  “….. ሕጂ’ውን በዚ ሓደገኛ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ምቕጻሉ ዝያዳ ዕንወት ዝፈጥር እምበር ፍታሕ ዘየምጽእ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ክልቲኦም ተዓወቲ ዝኾንሉ ዘተን ልዝብን ክምለሱ ፓሓኤ ይምሕጸን።”  ኢሉ’ሎ። ንሕና’ውን መንገዲ ዘተን ሰላምን ክሕዙ ንመርጽ። ነዚ ንመርጽ ዘለና ነቶም ንክልቲኦም ኣብ ዘየርብሕ በሊሕ ጐንጺ ኣትዮም ዘለዉ  ሓሊና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና’ውን ከምቲ “እንተ ክትድቅስ፡ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበልናዮ ናይቲ ሰላሞም ተጠቀምቲ ስለ ዝኾና ኢና።

Last modified on Thursday, 05 November 2020 20:31