Print this page

እናሻዕ ኣይንተዓሾ ህዝበይ!

2020-10-31 16:39:54 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1270 times
Rate this item
(0 votes)

ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ናጽነት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ተረኪብዎ። ህዝብና ነዚ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ዝተረከበ ኣካል፡ ካብ ወጽዓ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ፍትሓዊትን ርግእትን ሃገር “ከሰጋግረኒ እዩ” ዝብል ምሉእ እምነት ኣንቢሩ፡  ብሃንቀውታ ተጸብይዎ። ኣብ ምህናጽ ሓዳስ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ከወፊ ዝነበሮ ተወፋይነትን ቅሩብነትን እውን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ኣርእይዎ። ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሓቦኛ  ኤርትራዊ “ኣነ ንሃገረይ፡ ሕድሪ ሰማእታተይ ኣይጥለምን እዩ፡ ሰማእታትና ኣብ ዘለውኹምዎ ቅሰኑ” ዝብል ድልዉነቱን ተስፋኡን ሰማይ ዓሪጉ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ኣዝዩ ጸቢብ  ጉጅለ ግና፡ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ባህታን ናእዳን እንዳርኣየ፡ ብግብሪ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘለዎን ሕዱር ጽልኢ ዘመልክቱ ኣሉታዊ ተግባራት ክወስድ ጸኒሑ። “ባዕልና ዘምጻእናዮ ናጽነት ከም ድላይና ንዕንድረሉ” ዝብል፡ ትምክሕትን ጸቢብነትን ኣዕሪጉ ህዝብና ኣብ ሕድሕዱ ንከይተኣማመን “እሾኽ ዳንዴር” እንዳዘርአ ንህዝብና በብግዜኡ “ ጐንጺ የባልሑለይ እዮም” ዝበሎም ጸበብቲ ስምዒታት እንዳጐሃሃረ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ ዓራቓይ መሲሉ ክቐርብ ፈቲኑ። ካልእስ ይተረፍ ኣብ መንጐቲ ደምን ርሃጽን ከፊሉ፡ ኣብ ፈቐዶቲ ፍትሓዊ ውግኣት ጀጋንኡ ቀቢሩ ዝመጸ ሓርበኛን፡ ነቲ ቃልሲ ብሓበሬታ፡ ብስንቂ፡ ዕጥቅን ውላዱን ሓያል ጐድኒ ዝኾኑ ህዝብን ኣርሓሒቑ። እዞም ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ክዕወቱ ዘይክእሉ ህዝብን ተጋዳላይን  “ተጋዳላይን ሲቪልን” ተበሃሂሎም ብጐቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝኣለሞ ተንኮል ሃስያኡ ቀሊል ኣይነበረን። ጌጋ መዓልቲ ውዒሎም ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምክፍፋል ዓዘቕቲ ጥሒሎም ዝነበሩ እሞ ሓደጋታቱ ተዓዚቦም ኣእዳዎም ዝኣከቡ ወገናት ሎሚ ዝምስክርዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ላዕሊ ላዕሉ ክትሪኦ እንከለኻ ምቁር ዝመስል ኣጸዋውዓ ዋርሳይን ይከኣሎን’ውን ከም መተፋነኒ ተጠቒምሉ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣብ ኤርትራዊ ወገናት ምትፍናን ዝፈጥረሉ፡ ምኽንያቱ ብሩህ እዩ። ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝብሃል፡ በዚ ኣሳቢቡ ናይቶም ዝፈርሖም ኣካላት ሕድሕድ ምጥምማት መዝሚዙ፡ ኣብቲ ጥልመት ዝወለዶ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ንምቕጻል እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ኮይንካ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዘሕደሮ እምነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ተዓሽዩ እዩ” ዘየብል ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ከምኡ ዝገበረ ብርእዮ ግህዶ ክሳብዚ ሎሚ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና ክጥለምየ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮ እዩ። ሓቁ እዩ ከኣ፡ ክሳብ ክንዲ  ደቅኻ ገቢርካ ናብ መራሕ ሃገር ዘብጻሕካዮ ወገን ክሳብ ክንድዚ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ክጠልም’ዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ እቲ ጥልመት ኣብ ህግዲፍስ በቲ ዝኽፈአ መልክዑ ደኣ  ተራእየ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ከንውሕ ዝወጠኖ ህዝቢ ሃዲኡ፡ ብጉዳዩ እሂንምሂን ዝበለሉ ኩነታት ንከይፍጠር ጽልኢ እንዳጻሕተርካ፡ ነቲ ጽልኢ ንህዝቢ ብዘሰክፍን “እምበኣር እቲ ናይ ውሽጥናስ ይጽነሓልና፡ ቅድም ናይ ግዳም ተጻብኦ ነዕግስ” ዝብል ናይ ምውንዛፍ መንፈስ ሓዲርዎ ደገደገ ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ በብታራ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ደሓር ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ውግኣት ከኣ እዚ እዩ። ብሰንኪ ነዚ ውግኣት ምጽሕታሩ ክሳብ ሕጂ ነቲ ካብ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሕገመንግስቲ ጀሚርካ፡ ክሳብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ምቛም ዝዝርጋሕ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዕማማት ኮነ ኢሉ ኣምኪንዎ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ክውጥኖ ዝጸንሐ መዳህለሊ ውዲታት ክመሃርን ከምቲ ዝድለ ድምጹ ዘይተሰምዐ ሚዛናት ከንብርን ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻርዚ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ክፍንፍንዎ ዝግበኦም ጠላም ጉጅለ ከመላኽዑን ክነብረሎም ዝጽልዩን ሒደት ኤርትራውያን ኣይተሰእኑን። እዚ ከኣ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተ ደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝብልን ዘተዓዛዝብን እዩ። እቲ ልማደኛ ጉጅለ ሕጂ እውን፡ ምናልባት ደኣ ምስ ግዜን ኩነታትን ሜላታት ይቕይር ኣሎ እምበር፡ ካብዚ ናይ ጥልመት ኣተሓሳስባ ኣይወጸን። ኣብዚ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንዓለምና ኣጻቢቡላ ዘሎ እዋን ክሳብ ክንደይ ብህዝብና ከምዘይተገደሰ ብተደጋጋሚ ክዒብናዮ ኢና። እነሆ ከኣ ስዒቡ ወራር ኣንበጣ ምስ መጸ እውን ተገዳስነቱ ኣብየናይ ደርጃ ኣሎ ንዕዘቦ ኣለና።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕልቲ፡ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ዘይትካእ ሓላፍነት ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወሰዶ ናይ ምብታኑ ማእለማ ንፈልጦ ኢና። ኤርትራ ብሰንክዚ ማእለማ እዚ ክሳብ ክንደይ ሃገር ዝሕሉን ዝሃንጽን ናይ መንእሰይ ዓቕማ ማህሚኑ ከምዘሎን ብሰንክዚ ብዝሰዓበ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ኣሰኒኻ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። እነሆ’ኳ እዚ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ኣንበጠ “መኒኻ?” ዝብሎ መንእሰይ ዘይብሉ ነቲ ዝርካቡ ዘራእቲ የብርሶ  ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይቲ ጉጅለ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ግብጽን ሒደት ሃገራት ኣዕራብን ኮለል ክብል ተዓዚብናዮ። ኣብዚ ፈቐዶ ሃገራት ኮለሉ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ውዲታትን ኢድ ኣእታውነትን  ክኣልም ካብ ምፍታን ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝምዕብለሉ ስኒት፡ ልምዓትን ወፍርን  ኣብ ዝምልከት ዘትዩን ተሰማሚዑን ዝብል ብመርተዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ የለን። ናይዚ መርኣያ እዩ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ዝብል ዘሎ። እዚ ዓቕሊ ጽበቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝህሰየሉን ዘይረብሓሉን ረጽሚ ናይ ምምዕባሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ከኣ ብዙሓት ናይዚ ዛዕባ ክኢላታት ተዓዘብቲ ይእምቱ ኣለዉ። ስለዚ ህዝብና ሎሚ’ውን “ደጊም ይኣክል” ሸብዳዕዳዕ ክብልን እንደጋና ከይዕሾን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮ። በዚ ኢሳያስ ዝኹዕቶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መትረብ ከይስጉም እሞ  እንደጋና ከይዕሾን ከይግራህን ከኣ ንጽውዖ።   

Last modified on Saturday, 31 October 2020 17:42