Print this page

ኤርትራ፡ ብዋጋ ብዙሓት፡ ንረብሓ ውሑዳት

2020-10-14 08:53:37 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1301 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርና ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ልኡላዊ ክብሪ ዝበጽሐት ብኣዝዩ ነዊሕን ውረድ ደይብ ዝመለኦ መንገድን ብኣዝዩ ኩቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋን ምዃና ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ካለኦት ሃገራት ናይ ሃገርነት መዓርግ ዝረኸባሉ መስርሕ ክረአ እንከሎ እቲ ንኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋ ወርትግ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ዝያዳ ዝዓዝዝን ንድሕሪት ከይትምለሶ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዝሕልዋን ከኣ ብመጽርቲ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ብራኸ ንክትበጽሕ ናይ ዝኸፈሎ ዋጋ ክብርን ዝተረከቦ ናይ ሰማእታቱ ዓሚቕ ሕድርን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ግዜ ናጽነት  ተጸሚምዎን ንኽዕረይ ዕድል ሂብዎን እዩ። ህዝብና ብኽንድዚ ደረጃ ክዕገስ ዝመረጸ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ ስለ ዘየሕመሞ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክሳብ ዘየውደቐ እቲ ካልእስ “ኣብ ግዜኡ ክመጽእ እዩ” ብዝብል ረዚንን ሓላፍነታውን ሓልዮት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና ኢሳያስ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ብኩራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዓባያ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ክሽንቁጣ ከም ዝደሊ ኣፉ መሊኡ  ተለፋሊፉ። ሕጂ እውን ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቋናደፍ” ዝበሃል ወዮ ዲክታቶር በቲ ዝጀመሮ መንግዲ ይዕዘር ኣሎ።  ነዚ ንምእማኑ ዘጸግም ጥልመት ዝተዓዘበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ  “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል “ደጊም ወየ ጉሒላ ብዘይምጻእ መጺኡና” ብዝብል ቁጠዓኡ ሰማይ ከም ዝዓርገ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። በቲ ሓደ ወገን ምግሃድ ይኣክልን ካለኦት ህዝባዊ ምዕዓላትን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም ንይቲ ቁጠዐ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ህግደፍ ካብ ቅድም እውን ህዝቢ ዘሳቕየሉን፡ ኣብ ክንዲ ጉዳዩ ክርኢ ናብቲ ጸይቂ ኣካይዳኡን ምዕራዩን ዘቕልብ፡ ናብ ድገደገ ከማዕዱ ኣፍደገ ዝኸፍቱ ምኽንያታት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ኣይወዓለን።  ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ተጋህደ ከኣ ንህዝብና ዝኾነ ዝለሓስን ዝቕመስን ኣብ ዘየብሉ፡ ኣብ ገዛውቱ ዓጽዩ የሳቕዮ ከም ዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ  ኣብዚ ቀረባ፡ ምንቕስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንዲሞክራሲ (ምመኤዯ) ብ11 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘውጸኦ ሓተታ ዝጠቐሶ ሓበሬታ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ብ29 መስከረም 2020 ቢንያም ዝበሃል ወዲ ጀነራል ተኽለ ተኽላይ (ማንጁስ) ኣብ ከተማ ኣስመራ ተመርዕዩ። ኣብዚ መርዓኡ ኣስታት 600 ደቂ መዛምርትን ወሳርቕት ናይቲ ኣእዳዉ ብደም ኤርትራውያንን ስርቅን ዝተሓጽበ ጀነራል ተዓዲሞም። ካብዞም ዕዱማት ኣብ መርዓ ወዲ መሳርቕቶም ክሳተፉ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ረሻይዳ’ውን ነይሮም። ብዛዕባቲ ኣብቲ መርዓ ዝፈሰሰ ሹሻይን ነቲ ዕሉል ሸያጢ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ ጀነራል ዝተዋህበ ህያብን ዝምልከት ዝርዝር፡ ወይልኡ ደኣ ነቲ ዘዪዱ ዝረኸበ ህዝብና እምበር፡ ርዱእ ስለ ዝኾነ ምጽብጻብ ዘድልዮ ኣይኮነን።

እዚ ኣጋጣሚ ታራ ማሕበራዊ ተረኽቦ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ምስዚ ህዝብና ዘለዎ ሃለዋት ኣዛሚድካ ዓሚቕ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣድቢኻ ብዘይግቡእ ሃብቲ ብምውህላል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቶም ብኸበድቲ ናይ ህይወት ገበናት ዝሕተቱ፡ ነቲ ብዋጋ ብዙሓት ዝተረኽበ ኩለመዳያዊ ጸጋን ክብርን ሃገር ዝጻወትሉ ዘለዉ ውሑዳት ጐሓላሉ  ቅድሚት ዝስራዕ ምዃኑ ምግንዛብ ዘድልዮ እዩ። እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይ ውራይ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ኣይኮነንዶ ካብን ናብን ኣስመራን ካለኦት ከተማታትን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ከተማ እውን ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራት ኣጽኒዑ ኣብ ዝኣገደሉ፡ ዕዱማት ናብ መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ካብ ሱዳንን ጫፍ ከተማታት ኤርትራን ብምሩጻት መካይን ናብ ኣስመራ ክኣትዉ ምፍቃዱ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ተዓጊቶም ዘለዉ ዜጋታትና ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም ክንሶም ከምዘይተፈቕደሎም ዝፍለጥ እዩ። ዕዱማት መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ኣማኢት ጤለበጊዕ ጽዒኖም ብኮለነላት ተሰንዮም ካብ ሱዳን ኣስመራ ኣትዮም። እምበኣር ናይዚ ተረኽቦ ማእከላይ ትርጉም ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዓጽይዎ ዘሎ፡ ባዕሉ እንዳቐተሎስ ካብ ቫይረስ ክሕልዎ ደልዩ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ከሳቕዮን ከዳኽሞን ስለ ዝደለየ ምዃኑ እዩ። ንተመሃሮ ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ናይ ምስዳድ ጉዳይ እውን ምስዚ ዝድመር ሕሳብ እዩ።

ከምቲ ግቡእ እዚ ወዱ ኣመርዕዩ ዝተባህለን ካለኦት ኣብቲ ናቱ ደረጃ ዝበጹሑ፡ ነቲ ደረጃኦም መን ዋጋ ከም ዝኸፈለሉ ክርድኡ መተገበአ። ነቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ደረጃ ከኣ ኣብ ክንዲ መሰል ህዝቢ መግፈፍን ንብረቱ መስረቕን፡ ንሓቀኛ ህዝባዊ ረብሓ መውዓልዎ። እዚ ተግባራቶም ከምቲ “በይኑ ይበልዕ በይኑ ይመውት” ዝበሃል ጽባሕ ዋጋ ከም ዝኽፍሎም መተርድኡ።  እንተኾነ ብናይ ጥልመት  መንግዲ ንቑልቁል ይንቆቱ ኣለዉ። ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ወጺኦም ናብቲ ንቡር ደሃይ ህዝቢ ዝሰምዕ ናይ ምምላሶም ዕድል ዕጹው እዩ።

እዞም ህዝቢ ክሒዶም ዝተቐብጹስ ተቐቢጾም፡ ናይቶም ዝረአ ነገር ክርእዩ ዘይከኣሉ ደድሕሪ እዞም ጐሓላሉ ዝዓብዱ ውሑዳትከ ምስ ምንታይ ይቑጸሩ?፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጸኦ እምበኣር ደድሕሪ እዚኣቶም ምኻድ ኣቋሪጽካ “ደጊም ይኣክል” ምባል ሓደ ስጉምቲ እዩ።  እቲ ቀንዲ መኸተ ከኣ  ኣብ ክንዲ ስቕ ኢልና ክሳብ ጸጊቦም ዝገድፉና ንዕዘቦም፡ ዓው ኢልና ኣንጻሮም ድምጽና ከነስምዕን ብግብሪ ክንቃለሶምን ካብ ኩልና ዝጥለብ እውናዊ ግቡእ እዩ። ግቡእና እንተዘይፈጺምና ግና ዘተሓታትት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ናይ “ብዋጋ ብዙሓት፡ ንረብሓ ውሑዳት” ወጺኣ ናብ “ብዋጋ ብዙሓት ንረብሓ ብዙሓት” ንክትብርኽ ሕጂ እውን እቲ መተካእታ ዘየብሉ፡ ቃለስና ኣንጻር ህግዲፍ ምሕያል እዩ።

Last modified on Wednesday, 14 October 2020 10:56