Print this page

ንስዉእ ሙሴ ተስፋሚካአልን ንመዋቲ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያምን ዘራኽብ ናይ ታሪኽ ኣፋትል

2020-10-02 11:39:00 Written by  ወ.ዓማር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2429 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት30 መስከረም 2020፡ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ታሪኻዊ ኣሰራት ዝገደፈ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ኣብ መበል 91 ዕድሜኡ ብምኽንያት ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዓረፈ ብማዕከናት ኢትዮጵያ ክሕበርን ክዝከርን ቀንዩ ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮኑ ከኣ፡ ቤት ትምህርቲ ዝረገጹ  ኤርትራዊያን፡ ኣውራ እቶም ናይ ዝሓለፈ ዘመን ወለዶታት፡ ኣጸቢቖም ዝዝክርዎ ስም ኢዩ። ብወገነይ፡ እሞ ብዝኾነ ምኽንያት፡ ስም ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ክልዓል እንከሎ፡ ንኤርትራዊ ስዉእ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል ምስኡ ኣዛሚደ’ውን እዝክሮ። ኣውራ እዚ ሰሙን’ዚ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ ታሪኽ መላግቦ ዝኾነት ከኣ እታ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ኢያ። 

Mussie Tesfamicael 1

እቲ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ዓመተ-ትምህርቲ ናይ 1965-66 ኰይኑ፡ ቦታ ፍጻሜ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ሽዑ ስድስ-ኪሎ ካምፓስ ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ነይሩ። ናይ ሎሚ ነፍስሄር ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም መምህር ጀኦግብራፍ ብምንባሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰፊሕ ክፍሊ/ኣደራሽ ናይ ኣርትስ-ህንጻ/Arts Building ዝብሃል ዝነበረ፡ ንስዉእ ሙሴን ናይ ቀዳማይ ዓመት መማህርቱን ሓደ ጊዜ ኣብ ሰሙን ይምህረና ነበረ።

ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ኩሉ ጊዜ ኣብታ ኣስታት 200 ዝኾኑ ተመሃሮ እትሕዝ ክፍሊ/ኣደራሽ ክንኣቱ እንከሎና ንእሽቶይ ሰንጢ ሒዙ ይኣቱ ነበረ። ሰሙን ሰሙን  ዝቕመጠሉ ሰደቓ (ጠረጴዛ) ይቕይር። እተን ናይ ትምህርቲ ደቓይቕ ክሳዕ ዝውድኣ ከኣ ንባንዴራ ኤርትራ ኣብ ኮፍ ዘዝበሎ ጠረጴዛ ሓኺኹ ስኢልዋ ይወጽእ። ነቲ ጒዳይ ኣነ’ውን እርእዮ ነይረ። ኣመና ምስ በዝሔ ግን ደጋጊመ “እንታ ሙሴ ከይንኽሻሕ ከምኡ ኣይትቐጽል” ኢለዮ። ኣበይ ክሰምዓኒ።

ሓያለይ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ፡ እሞ እቲ ቅርጻ ናይ ባንዴራ ኤርትራ ምዃኑ ብኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ምስ ተፈልጠ፡ ኣመሓዳርቲ ዩኒቨርሲቲ’ውን ፈሊጦም። እቲ ተግባር ብጊዜ ናይ ጀኦግራፍ ክላስ/ትምህርቲ ምዃኑ’ውን ዝበጽሕዎ ይመስል።

ሓደ መዓልቲ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ኣብቲ ክፍሊ እትው ኢሉ ካብ እተዛረቦ ሓያለይ ነጥብታት ክሳዕ ሎሚ ይዝከረኒ። እቲ ግዙፍ ጐተንኡን ብነድሪ ሕርቃን እተለዋወጠ ገጹን እውን ይርኣየኒ። ፕሮፈሶር መስፍን ሽዑ ወዲ 36 ዓመት ነይሩ። ንሕርቃኑ ዘይምቊጽጻሩ’ውን ናይ ዕድሜ ጒዳይ ይኽውን።

ፕሮፈሶር መስፍን ምሉእ መዋእሉ ክቱር ኢትዮጵያውነት ዝስምዖን ዝገልጽን ሰብ ነይሩ። ሽዑ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ሙሴን ዝተረፍና ብጾቱን እውን ኣብ ክቱር ኤርትራዊ ስምዒት ኣቲና ምንባርና ዘየቕለበሉ ይመስል። ፕሮፈሶር መስፍን ነቲ ምሉእ ናይ 45 ደቓይቕ ጊዜ ትምህርቲ/ፒርየድ ብኢትዮጵያውነት እናተዛረበ ወዲእዎ። ናይ መግናሕቲ መደረ እዩ ነይሩ። ካብቲ ሽዑ ዝበሎ ብሓጺሩ ንምጥቃስ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ምሕሳብ “ከንቱ ሕልሚ” ምዃኑ ገሊጹ። ቀንዲ ንኢትዮጵያ ንዘለኣለም ሓንቲ ኰይና ዘቐጽላ ዓበይቲ ረቛሒታት ኣሎ’ውን ኢሉና። ቀንዲ ካብኡ 1.ሃይማኖት 2. ሓድነት ኣብ ትሕቲ ሓደ ንጉስ 3. ታሪኽን እተዛመደ ቋንቋታትን ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ቅድሚ 55 ዓመታት እተገብረን እተባህለን ነይሩ።

ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ብምኽንያት እቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሕማቕ ጒዕዞ ታሪኽና፡ ትምህርቲ ክቕጽልን ኣብ ፕሮፈሶርነት ክበጽሕን ኣይከኣለን። ዕጭኡ፡ ከም ዕጫ ናይ ብዙሕ ወለዶታት ኤርትራ ኰይኑ ተሪፉ።

ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም መዋእሉ ካብ ዝኾነ ስልጣን ዘይፈርሕ ምንባሩ ይንገረሉ። ንሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ምጥባቕ እውን ታሪኽ ሃገሩ እናዘክሮ ክነብር ኢዩ።

እቲ ውዑይን ተባዕን ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል እውን ካብ ዝኾነ ሓይሊ ዘይፈርሕ፡ ዝመሰሎ ዝዛረብን ዝገብርን ነይሩ። ኣብ ምጥባቕ መሰል ተጋደልቲ ብጾቱ’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ፕሮፈሶር መስፍን ትሪ እናርኣየ ይጣበቕ ምንባሩ ይምስከረሉ።

ብዝኾነ፡ ንክልቲኦም በቲ ነንሃገሮም ዝገበርዎ ታሪኻዊ ኣበርክቶታትን ናይ ተቓለስቲ ትብዓትን፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ይግብኦም።

MussieTesfamicael 2

Last modified on Friday, 02 October 2020 13:48