Print this page

ኤርትራ ካብ መግዛእቲ፡ ናብ መግዛእቲ

2020-10-01 19:18:48 Written by  ዳዊት በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1948 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን በቲኹ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኹ ናጻ ህዝቢ ካብ ዝኸውን እንሆ ካብ 1991 ክሳብ 2020 ዳርጋ ሰላሳ ዓመታት ኣቚጺሩ። እዚአን ብፍቕደን ክንቆጽረን እንተዀይንና፡ ልክዕ ክንድተን ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረትለን (1962-1991) ሰላሳ ዓመታት ኢየን። ኣብዘን ክልተ መዋእለ ምሕደራ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ምሕደራን ናይ ደቂ ሃገር ምሕደራን ናይ ምንባር ዕድል ዝረኸቡ ነቲ ህይወት ብኸመይ ከም ዝመዝንዎ እንተዝሕተቱ ብውሑዱ ንክልቲኡ መድረኻት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ኢሎም ምገለጽዎ። ኣብ ጻዕቅን ሕሰምን ናይቲ መግዛእቲ እንተዝሕተቱ ውን እዚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ናጽነት ብደቂ ሃገር ዝወርድ ዘሎ መግዛእቲ ዝኸፍአን ዝመረረን ምዃኑ ኣርጊጾም ምገለጹ።

መግዛእቲ ጭቆና ኢዩ፡ ውርደት ኢዩ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኢዩ፡ ማእሰርቲን ስቓይን ኢዩ፡ ናተይ ኢዩ እትብሎ ንብረት ዘይብልካ ናይ ገዛእ ሂወትካ ወናኒ ዘይትኾነሉ ኢዩ። በዚ መግለጺ'ዚ እንተጠሚትና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህልም ዝበለ መግዛእቲ ከም ዘላ ኢዩ ዘርእየና። ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናብ ደቂ-ሃገር ገዛእቲ ተሰጋጊራ። ብካልእ ኣዘራርባ ካብ መግዛእቲ ደርጊ ናብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ተመሓላሊፋ። እቲ ቅድሚ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝነበረ፡ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ካብዞም ዝሓለፉ ክልተ መግዛእቲ ዝሓይሽ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። “ንቆልዓ ክብላ ይበልዓ” ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ኤርትራ ንባዕሉ ኢሉ ዝገበሮ ትሕተ-ቅርጻታት፡ ወደባት፡ ከተማታትን  ጽርግያታትን ንኤርትራ ክጠቅም ኪኢሉ ኢዩ። እቲ ሕማቑ ንህዝብና ብውርደትን ብጭቆናን ኢዩ ዝሕዞ ነይሩ። ኣብ ዝወልዖ ኲናት ብምንቋት ብዘይ ርሕራሔ የህልቖ ነይሩ። ናብ ሊብያን ኢትዮጵያን ከም ዓሳክር ከቲቡ ዝወሰዶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣቦታትና ኣጥፊእውም ኢዩ። ጠባይን ኣሰራርሓን ናይ ገዛእቲ ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ናይ ሎሚ እዋን ገዛኢ ኤርትራ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ውን ንመላእ መንእሰይና ኣብ ውትህድርና ብምዕስካር ናብ ዘዝወልዖ ኲናት ብምንቋት ዕምሪ ኣሕዋትናን ደቅናን የሕጽር ኣሎ። እቲ ዝኽፍአ ከኣ ንኤርትራ ኣብ ዘይምልከት ኲናት፡ ንዝንኡን  ንቁሳቅሳዊ ጠቕሙን ኢሉ ናብ ከም ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ኣፍሪቃ ሱዳንን ሰራዊት ብምልኣኽ ግደ ሞት ገይርዎም ኢዩ። መንእሰያት ዝጥጥቐሉ ኲናት እንተሰኣነ’ውን ከም ጊላታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ብዘይ ጻማ ረሃጽ ኣብ ምህናጽ ገዛውትን ምልማዕ ሕርሻታትን ከገልግሉ ተገዲዶም ኢዮም። እዚ ተግባራት'ዚ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይተፈጸመ ፍሉይ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሃገር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ  ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ፡ እልቢ ዘይብሉ መብጻዓታት ሒዞም ብዝመጹ ደቁ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ንክምራሕ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ንመንነት መራሕቱ ዘለልየሉን ብቕዓቶምን ህዝባዊ ሓልየቶምን ዝመዝነሉ ግዜ ከድሊዮ ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። "እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ ከላ እፈልጣ" ከም ዝበሃል፡ ንኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ንምርዳእ ክንድኡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝግብኦ ኣይነበረን። ንኢሰያስ ንምልላይ፡ ህዝብና በዚ ዝሓለፎ መሪርን ነዊሕን ተመክሮ ክሓልፍ ግድን ኣይነበረን። ክንዲዚ ውርደትን ስቓይን ክወርዶ ኣይምተገብአን። ንናጽነቱ፡ ክብሩን መንነቱን ካብ ገዛእቲ መንዚዑ ንምውናኑ ብጅግንነት ዝተቓለሰ ህዝቢ፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ከምዝዓዘሞ ንምፍላጥን ንምርዳእን ዘጸግም ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንመንነቱ ክሓብእን ስልጣኑ ከደልድልን ከናውሕን ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓያለ ናይ ግዳም ጸላእቲ ከምዘለዉዎ ብምፍርራሕ፡ ኣመራርሕኡ ኣብቲ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ በደልን ውድቀትን ህዝቢ ከምዘየስተብሃልሉ ምግባር ኢዩ። ንሃገርነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝተናኾልን ዝደናደንን ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከይሃለወ ብጸቢብ ሃገራዊ ምልዕዓል ዲክታቶርያዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ኣብ ምክያድ ከምዝነብር ህዝቢ ክርድኦ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኪኢሉ ኣይጸንሐን። ሎሚ ግን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ንእኩይ ስራሓትን መደባትን ዲክታቶር ኢሰያስ ኣለልዩ ካብ ስልጣን ንምእላዩ ብቆራጽነት ክቃለስ ጀሚሩ ኣሎ።

ንኢሰያስ ከም ሓላይ ሃገርን ህዝብን ገይሮም ዝቖጽሩ ገለ ግሩሃትን ክሳብ ኣብ መቓብሩ ዝወርድ ዝስዕብዎን ኤርትራውያን ናይ ኣተሓሳስባ ዕዉራት ተዘይኮይኖም ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ብዛዕብኡ ብብሩህ ተጻሒፉ  ዘሎ መንደቓት ኣንቢቦም ክርድኡ ይኽእሉ ኢዮም። ሃገር ኣብ ቅድሚኦም ኣላ። ለሚዓ'ዶ ወይስ ጠፊኣ፡ ማዕቢላ'ዶ ንድሕሪት ተጎቲታ ርእዮም ብሕልና ይመርምርዎ። ነዚ እንተዘይከኣሉ ናይቲ ዘምልኽዎ መራሒኦም ምስ ተላኣኣኽቱ ጋዚጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ዝተዛረቦ ጽን ኢሎም ይስምዕዎ። ባዕሉ ሃገር ኣብ ከመይ ምዕባለ ከምዘላ ክነግሮም ኢዩ። እተን ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ተተኺለን ዝነበራ፡ ኢትዮጵያ ውን ብዓቕማ ተተይ እተብለን ዝነበረት፡ ፋብሪካታት፡ ወደባት፡  ጽርግያታትን ህንጻታትን ሎሚ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሰያስ፡ ባዕሉ ብዝተኣመነሉ በሪሰን ኢየን።

እቲ ሓደ ውዱቕ ሰዓብቲ ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ዘኮማስዕዎ ርእይቶ፡ ንኢሰያስ ክትክኦ ዝኽእል ዝሓሸ ሰብ ከምዘየሎ ኢዩ። ሓቆም ኢዮም፡ ካብ እሰያስ ንላዕሊ ክመልኽ፡ ክጭቁንን ክገዝእን ዝኽእል ኤርትራዊ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ።  እቲ ዘድሊ ዘሎ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘውጽኦ ቅዋም መሰረት ዝመረጾ መራሒ፡ ክመሓደርን ክምራሕን ደኣ'ምበር፡ ከም ኢሰያስ ፊን ብዝበሎ ዝውስን ክግዛእ ዝደሊ ኣይኮነን። መግዛእቲ ብመግዛእቱ ደኣ ኔርዎ እንዲዩ። መግዛእቲ ጸሊኡ ኢዩ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዘካየደ። ሰዓብቲ ኢሰያስ ልክዕ ከም መራሒኦም ኣብ ዓቕሚ ህዝቢ ዓቢ ንዕቀት ዘለዎም ኢዮም። ህዝቢ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ናይ ኩሉ ዓቕሚ ምዃኑ ዝዘንግዑ ኢዮም። ምምራሕ ሃገር ናይ ህዝቢ ስልጣን እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ዝሰኣኖ የለን። ካብ ማህጸን ህዝቢ ዝወጹ፡ ሃገር ዝመርሑን ሃገር ካብዚ ወዲቓቶ ዘላ ደልሃመት ዘተስኡን ዕድል እንተተዋሂብዎም ብዙሓት ኢዮም ዝኾኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብጀግንነት ተቓሊሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝበተኾ ሰንሰለት መግዛእቲ፡ ሎሚ ብካልእ መልክዕ መጺኡ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸሸይ ክብል ዕድል ክወሃቦ ዘይግባእ ኢዩ። ኣብ መዋእል ሰውራ ሸቃሎ ዝነበሩ ጎስጐስቲ፡ ሸቃሎ ኣብ ሰውራ ምጽንባሮም ብዘይካ እቲ ተሞቒሖምሉ ዘለዉ ሰንሰለት   ምስባሩ ዘጥፋኣሎም ነገር የብሎምን ከም ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ ውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኢሰያስ ምቅላሱ  ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ምስባር ፍትሕን ደሞክራስን ምንጋስ እንተዘይኮይኑ ዝኸስሮ የብሉን።

Last modified on Thursday, 01 October 2020 21:21