Print this page

ህግዲፍ ምዕጻው’ምበር፡ ምኽፋትስ ኣይናቱን

2020-09-15 18:43:11 Written by  ነብይ ናታን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1599 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኤርትራ ከም ሓድግታት ምምሕዳር ኢጣልያ ዝውሰዳ ብዙሓት ትካላትን ፋብሪካታትን ነይረን። ወያ ሎሚ ኸፊእዋ ዘሎ ውቅብቲ ዋና ከተማ ሃገርና ኣስመራ ብዓባያ እውን ኣብዚ ዝርዝር ሓድግታት መግዛእቲ እያ እትጥቀስ። ኩሎም ድሕሪ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝመጹ ምምሕዳራት ከኣ ኣብ ምዕናውን ምድኻምን ናይዘን ትካላት ነናቶም ኣሉታዊ ግደ ነይርዎም። ንኣብነት ምምሕዳር መንግስቲ እንግሊዝ ምስቶም ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተመሳጢራ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራን ባጽዕን ብስሉጥ ንብረት ዘመላልስ ዝነበረ ተለፍሪካ ከም ዝሸጠት ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ካብ ግዜ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚርካ ኣዕኑድ ተለፎን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ትካላት ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ተወሲደን እየን።

ካብቲ ካብ ምምሕዳር ኢጣልያ ዝተረፈ ሓድጊ እሞ ድሕሪኡ ምርኡይ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ፡ ትካላት ትምህርቲ ብኣብነት ዝጠቀሳ እየን። እታ ኣብ ኤርትራ “ሓንቲ ከም ሓሙስ” ትበሃል ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እያ። እንተኾነ ብዘይመተካእታን ብዘይቅቡል ምኽንያትን ብ2003 ካብ እትዕጾ እነሆ 17 ዓመታት ኮይኑ፡ ኤርትራ “ዩኒቨርስቲ ዘየብላ እንኮ ሃገር” እናተባህለት ትጥቀስ ኣላ። ኣብዚ ለንቅነ ከኣ  ቤት ትምህርቲ ጥልያን  ኣስመራ ፈቓዳ ብምምሕዳር ህግዲፍ ከም ዝተመንዘዐ ዝሕብር ዜና ብሰፊሑ፡ ዋላ ኣብተን ምስ ህግዲፍ ዝዳናገጻ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ምምሕዳር  ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ጉንበተ-ሰነ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ከም ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ተዓጸወት፡ ወዮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምዕጻው ዝለመደን ምስ ናይታ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ኣብ ቀጨውጨው ዝጸንሐን ህግዲፍ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ሒዝካ ምእላዩ፡ ንፈቓድ ናይታ ን103 ዓመታት ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ስሒብዎ። ብሓቂ ምምሕዳር ህግዲፍ ምናልባት እውን ኣብ መስርሕ’ቲ ኣተዓጻጽዋ ናይታ ቤት ትምህርቲ ዕቃበ እንተዝነብሮ’ውን ሓላፍነት ወሲዱ ከጻርን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክመልስን መተገብኦ እምበር፡ ኣብ ህልኽ ኣይመኣተወን። እንተኾነ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ምዕጻው መሊሱ ረጊጥዎ። ናይ ብዙሓት ናይ ጽባሕ ሰብ ተስፋ ህጻናት ናይ ትምህርቲ መኣዲ ከኣ ዓጽዩ። ነቲ ኩነታት ብቕረባ ዝተኸታተልዎ ከም ዝገልጽዎ፡ እዛ ለንቅነ ፈቓዳ ዝተሳሕበ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ፈደረሽን፡ ሃይለስላሴን ደርግን ምስ ኩሉቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጸገማት ብዘይምቁራጽ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ እያ። ሎሚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ግና ተረጊጣ።

ኣብዚ እዋንዚ ብኣዋጅ ደኣ ኣይዘረብ እምበር፡ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኤርትራ ዘለዋ ናይ ካለኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ነናይ ከባቢአን መንእሰያት ናይ ምስትምሃር ሓላፍነተን ካብ ምዕጻው ብዘይትሕት ተገፊፉ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሳዋ እትርከብ፡ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካብ ምባላ መዳጐኒት ክትብላ ዝቐልል ማሕዩር እዮም “ዝመሃሩ” ዘለዉ። ኣብ 2019 ካብ 20 ንላዕሊ ዝተፈላለየ ደረጃ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብ ሓያለ ኩርነዓት ኤርትራ ዝርጋሐ ዝነበረን ትካላት ምዕጻወን እውን፡ መግለጺ ሕዱር ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ጉዳም ጉጅለ እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ እንተነቋምት እውን ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘላግጽ ዘሎ ጉጅለ ኢና እንርዳእ።

እዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝምድና ዘለወን ግና ድማ ህዝቢ ኤርትራ ክግልገለለን ዝጸንሐ ትካላት ምዕጻው ዲፕሎማስያዊ ትሕዝቶ እውን ኣለዎ። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ብ1991 ምስ ዓብይ ተስፋ ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ብሰንኪ ገታር፡ ስሱዕን ዘይውሕሉልን ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ 2001 ንቁልቁል ክንቆት ምስ ጸንሐ እዩ ሎሚ መሬት ዘቢጡ ዘሎ። ብፍላይ ከኣ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዙሓት ናይ ኢጣልያ ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታት ነቲ ዝምድና ከዕርይዎ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ፈቲኖም እዮም። ናይ ኢጣልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምክትል ምኒስተር ላፖ ዲስተሊ ብ2014 ናብ ኤርትራ ዝገበርዎ እሞ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ዑደት  ኣካል ናይቲ ጻዕሪ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ዑደትዚ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቕሉን እሞ ዓለምና በቲ ተረኽቦ ኣዝያ ክትሓዝን እንከላ፡ መንግስቲ ህግዲፍ ዘይተገደሰሉ ተረኽቦ ዝተኻየደ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ኣየመዝገበን።

ጉጅለ ህግዲፍ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርት ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ  ኣብ ምትህልላኽን ምጽብጻብን እዩ ኣትዩ። ናቱ ግናይ ግብሪ ኣቐሚጡ፡ ንጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ እውን፡ ካብቶም ኢድ ብምእታው ዝኸሰሶም ሓደ ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ እዩ። ካብዚ ተበጊሱ እዩ ከኣ ንኢጣልያዊ ኣንበሳደር  ኣንቶኒዮ ባንዲኒ ኣብ 2001 ዝሰጐጎም። ነቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ 2014 “ሓውኻኸ ኣበይ ኣሎ” ብዝብል ንዘቕረብዎ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝሰሓበን ሓያል ሃወርያዊ መልእኽቲ እውን “ኢድ መንግስቲ ኢጣልያ ኣለዎ” ብዝብል ኣቖጢዕዎ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እቲ በተን ዝተዓጸዋ ትካላት ትምህርቲ ኮነ ሕክምና ክጥቀም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ሕውየት ህዝቢ ሕውየቱ፡ ፍልጠት ህዝቢ ከኣ ፍልጠቱ ነይሩ እንተዝኸውን ንዝምድናኡ ናይ ህዝቢ ተጠቃምነት ብዘይጐድእ መንግዲ መሓዞ። ኣይኮነንዶ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ክዓጹ፡ ሓደስቲ ትካላት ዝኽፈተሉ ኩነታት ክፈጥር መጸዓረ። እንተኾነ ከምቲ “…….. ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡  ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ ተመኩሮኡ ብገበርቲ ሰናይ ዝድገፋ ህዝቢ ዝግልገለለን  ትካላት ኣብ ምዕጻው እምበር ኣብ ምኽፋት ሓደስቲ ከምዘይኮነ ባዕሉ የመስክር ኣሎ። 

Last modified on Tuesday, 15 September 2020 20:46