Print this page

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከመይ ጸልይዎም?

2020-09-09 09:35:24 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1673 times
Rate this item
(0 votes)

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ከመይ ጸልዩዎም?

ዶናልድ ትራምፕ
3  መስከረም 2020

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝመጽእ 3 ሕዳር 2020 ክካየድ እዩ፡፡ እቲ መረጻ ብቐንዱ ጉዳይ ኣመሪካውያን ይኹን እምበር ውጽኢት መረጻ እታ ኩለመዳያዊ ጸብለልታ ዘለዋ ሃገር፡ ዳርጋ ንመብዛሕተአን ሃገራት ዓለም ስለዝጸሉ ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝወስድ ጉዳይ እዩ፡፡

ብምኽንያት ኣንጻራዊ ናይ ፖሊሲ ፍልልያት፡ ኣብታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብሩላ ኣመሪካ ዝካየድ መረጻ፡ ነቶም ስደተኛታት አዐርዩ እዩ ዘገድሶም፡፡

ከም ጸብጻብ ትካል ፖሊሲ ስደት (ኤምፒኣይ) ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ስደተኛታት 44.7 ሚልዮን ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ኣስታት 15 ምኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝባ ኣመሪካ እዩ። ፡

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን 278 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ 45 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለው ጸብጻብ ይሕብር፡፡

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ መንበረ ስልጣን ዝተረከበ ኣባል ውድብ ሪፐብሊካን ፕርዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ እዋን ንኻልኣይ እብረ ኣብቲ ጻዕዳ ቤተ-መንግስቲ ዘጽንሖ ድምጺ ንምርካብ ምስ ሕጹይ ዲሞክራት ጆ-ባይደን ብድምጾ ይጠማጠም ኣሎ።

ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምሕደራ ትራምፕ ከመይ ይገልጹዎ?

ኢትዮጵያዊ ኪሮስ ኣርኣያ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብ ዓውደ ፋይናንስ ዝነጥፍ ሞያዊ እዩ፡፡

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ፡ ገና ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊትውልዲ ባራክ ኦባማ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶታት ከም ኣብነት ይጠቅስ፡፡

''ኦባማ ኣብዚ ኣይተወለደን፤ ኣብዚ ዓዲ ተወሊዱ እንተኾይኑ ከርኢ ኣለዎ እናበለ የንበድብድ ነይሩ፡፡ ሓደ ጊዜ ኣብ ኬንያ ሓደ ጊዜ ኣብ ኢንዶኔዥያ ተወሊዱ እናበለ ክሲ የቕርበሉ ነይሩ'' ዝብል ኣቶ ኪሮስ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሃዋይ ከምዝተወለደ ዘረድእ ወረቐት ከቕርብ ተገዲዱ ከምዝነበረ ይዝክር፡፡

ኪሮስ ኣርኣያ

ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ መስተመረጸ ድማ ግዜ ከይወሰደ ስደተኛታት ዝኣትዉሎም ኣፍደገታት ናብ ምዕጻው ከምዝኣተወ ይገልጽ፡፡

''ምስ ሜክሲኮ ዘሎ ዶብ፡ ሳውዝ ቦርደር ኢሎም ዝጽውዕዎ ዶብ ክጸብብ፡ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ሓለውቲ ዶብ ቖጺሩ '' ይብል፡፡

ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምቕናስ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዋስን ዶብ ኣመሪካ ኣስታት ክልተ ሽሕ ማይል ሓጹር ንምስራሕ ዝገበሮ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ስደተኛታ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ሓደገኛ ምዃኑ መረጋገጺ ከምዝኾነ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ ይገልጽ፡፡

ኣብ ህጻንነታ ምስ ኤርትውያን ወለዳ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአት ኣድያም ሃይለሩፋኤል፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ተሓላቒት መሰል ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ፡፡

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ዘንበሮ ናይ ጉዕዞ እገዳ ልክዕ ከምዘይኮነ እትገልጽ ኣድያም፡ ''እዚ እገዳ ብኣብዝሓ ካብተን ሃገራት ንዝመጽኡ ምሁራት እዩ ጽልዋ ዘለዎ'' ትብል፡፡

እቲ ዝኽፍአ ናይቶም ብሊብያ ካልኦት ሃገራትን ኣቢሎም ብዶብ ሜክሲኮ መጺኦም '' ዕቑባ ንምርካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋትና እዩ'' ትብል፡፡

ብኣቆጻጽራ ኣውሮጵያውያን ዝሓለፈ 1 ለካቲት፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንሃገራት ኤርትራ፣ ኪርጊስታን፣ ማንያማር፣ ሱዳን፣ ታንዛንያን ናይጀርያን ናይ ጉዕዞ እገዳ ከምዝገበረን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ስሩዕ ሰነድ ኣብ ኣመሪካ ዝብሩ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምውሳድ ኣይተሓባበረን፣ እታ ሃገር ኣብ ጉዳያት ድሕነትን ጸጥታን ንምስራሕ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘንበሮ መምዘኒ ኣየማለአትን ዝብሉን ምኽንያታት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ቐሪቦም ነይሮም፡፡

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካ ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእል ቪዛ ከይረኽቡ ዝኽልክል እገዳ ዘይኮነስ ነቶም ዝቐረቡ ምኽንያታት እዩ ተቓዊሙ፡፡

ምሕደራ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክነጻጸር እንከሎ፡ ምሕደራ ኦባማ ንስደተኛታት ዝሓሸ ከምዝነበረ እያ ተጣባቒት መሰል ሰደተኛታት ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል እትገልጽ፡፡

''ብርግጽ ባራክ ኦባማ እዩ ዝሓይሽ፡፡ እቲ ናይ ዲሞክራት ፖሊሲ ኣብ ስደተኛታት ትኹረት ይገብር እዩ፡፡ ደሞክራት፡ ነቲ ኩነታት ዝርድኡን ኩሉ ጊዜ እናማዕበሉዎ ዝኸዱን እዮም'' ትብል፡፡

ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል

ብተወሳኺ መንግስቲ ባራክ ኦባማ ኣብ ኤርትራ ንዝበረ ጸገም ምሕደራ እውን እንተኾነ ኣቓልቦ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዝነበረ ትሕብር፡፡

ማዕከን ዜና ኤቢሲ፡ ቁጽሪ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሃገሮም ዘባርሮም ኤርትራውያን እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ ነይሩ፡፡

ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ጉንበት ኣስታት 936 ኤርትራወያን ናብ ሃገሮም ክባረሩ ከምዝተወሰነ ግን ገና ኣብ ቁጽጽር ከምዘይወዓሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኤቢሲ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ግንቦት ጥራሕ ልዕሊ ዓሰርተ ኤርትውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተሰጉ ይሕብር፡፡

''ቀዳምነት ንኣመሪካ'' ዝብል ፖሊሲ ዶናልድ ትራምፕ፡ እታ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ንዝህልዋ ምሕዝነት ከምዘጉደሎ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እውን ዝተፈለየ ከምዘይነበረ ይገልጽ፡፡

ብተወሳኺ '' ናይ ኣመሪካ ስርዓት ብዛዕባ ትራምፕ ጥራሕ እውን ኣይኮነን'' ዝብል ኣቶ ኪሮስ፡ ናይ ኣመሪካ ጥቕሚ ይሕሉ እዩ ኣብ ዝበሃል ኩሉ ኢድካ ምእታው ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካል ፖሊሲ ወጻኢ እታ ሃገር ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ''ድኽመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓዊስዎ'' ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ዝተርኣየ ነገር ከም ኣብነት የልዕል፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለማዊ ባንክን ኣብ ሰሉሳዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ክሕወሱ ምስምምዑ፡ ብደገን ውሽጥን ቀሊል ናብ ዘይበሃል ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ኣእትይዎ እዩ፡፡

ቅድሚ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ከይመልእ ብወገን ኣመሪካ ዝቐረበ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታን፡ ብተቓወምቲ ኣብዪ ኣሕመድ ''ነቲ ግድብ ሸይጥዎ'' ዝብል ክስን፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ፈጢሩሉ እዩ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኢትጵያውያን ንምትእትታው መንግስቲ ዶናልድ ትራምፕ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም እዮም፡፡

ኮይኑ ግና ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ነኺሱ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ብዘይ ምቕባላ፡ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝግበረላ ሓገዝ ክሳብ 130 ሚልዮን ዶላር ክቕነስ ከምዝኽእል ኣብ ቀረባ መዓልታት ተገሊጹ ኣሎ፡፡

ካብ ቀጻሊ መረጻ ኣመሪካ እንታይ ይጽበዩ?

ትራምፕን ጆ ባይደንን

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ጸለምቲ ኣባላት ኮንግረንስ ውድብ ዲሞክራቲክ፡ ናብ ሳንድያጎ መጺኦም፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዘዘራረብዎም እትገልጽ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል፡ ኣብ መንጎ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዘለዉ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ምስረኣዩ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ትዛረብ፡፡

''ገሪሙዎም፡ ክንድኡ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ከምዘሎ፡ ከምኡ ዓይነት ቅልውላው ከምዘሎ ኣይፈልጡን ነይሮም'' ትብል፡፡

ኣባላት ውድብ ዲሞክራት ብተነጻጻሪ ንስደተኛታት ዝሓሸ ምድንጋጽ ከምዘለዎም እትገልጽ ኣድያም፡ ኩሎም ኣባላት ሪፐብሊካን ብፖሊሲ ደረጃ ኣንጻር ስደተኛታት እዮም ምባል ከምዘይከኣልን ብዙሓት ንጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብኣወንታዊ ከምዝጥምትዎን ትዛረብ፡፡

ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ክፍጸሙ እዮም ኢሉ ዘይሓሰቦም ነገራት ከምዘረኣየ እዩ ዝገልጽ፡፡

''ቤተ ሰብ ምስደቆም ክፈላሊ ጀሚሩ፤ 10 ሽሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ተቖጻጸርቲ ቆጺሩ ገዛ ንገዛ እናዘሩ፡ ሰባት ደቆም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብጺሖም ክምለሱ እንከለው ጨውዮምዎም ይኸዱ'' ብምባል ብዙሓት ካብ ኣባላት ስድረኦም ተፈላልዮም ከምዝተባረሩ ይዛረብ፡፡

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ነታ ሃገር ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈላ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ፡ ብዙሓት ደገፍቱ ዝነበሩ ኣባላት ሪፐብሊካን ይርሕቕዎ ከምዘለዉን ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ መረጻ ናይ ምስዓር ዕድሉ እናጸበበ ይመጽእ ምህላው ይገልጽ፡፡

ኩሉ ሳዕ ሓበራዊ ጻዕሪ ነበርቲ ኣመሪካ ስደተኛታት፡ ኣብ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣመሪካ ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያን ኣድያም ሃይለ ሩፋኤልን ይሕብሩ፡፡

Last modified on Wednesday, 09 September 2020 11:46