Print this page

ሎሚ ኮይንካ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን

2020-07-16 08:39:14 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1838 times
Rate this item
(0 votes)

ኩለ-መዳያዊ ህይወትና እኩብ ድምር ናይ ትማልን ሎሚን ምዕባለታት እኩብ ድምር ውጽኢት ኮይኑ፡ ዝያዳ ናብ ጽባሕ ዝጥምት እዩ። ህይወትናን ከባቢናን ብቐጻሊ ማዕባሊ ስለ ዝኾነ፡ ትማሊ ንሓደ ጉዳይ ዝመዘናሉ መለክዒ ሎሚ ዝተፈልየ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ናይ ሎሚ ሚዛንና ንጽባሕ እውን ከምኡ ዝምዕብል እምበር፡ ኣብቲ ዘቐመጥናዮ ኮፍ ኢሉ ዝጽበየና ኣይኮነን። ንትማሊ፡ ንሎሚን ንጽባሕን ብዝተፈላለዩ ናይ ግዜ ንውሓት ንገልጾም እምበር፡ ኣብ ቀዳም ኮይና ንዓርብን ሰንበትን ጥራይ ንገልጸሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ነቲ ምእንቲ ናጽነት መሪር ቃልሲ ዘካየድናሉ መድረኽ ትማሊ እንተ ኢልናዮ፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ሓርነት ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና መዋእል ከኣ ሎሚ ንብሎ። እቲ ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ዝመጽእ ናይ ራህዋን ህንጸትን ግዜ ከኣ ጽባሕ ክንብሎ ንኽእል። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ኢልና ንገልጾም ንኡሳን ምዕራፋት ክንቀርጽ ንኽእል። ኮታ ንተኸታተልቲ ዕለታት፡ ሰሙናትን ወርሓትን ጥራይ ንገልጸሉ ዘይኮነ፡ ንሓደ ነዊሕ መስርሕ ብብርክታት መዲብና እንርእየሉ ናይ ግዜ መዕቀኒ እዩ።

ትማሊ ዝሓልፍናዮ ተመኩሮ ናይ ንሎሚ መምህርና እዩ። ናይ ሎሚ ተግባርና እውን ናይ ጽባሕ መምሃሪና ክኸውን እዩ። ጽባሕ ካብ ናይ ሎሚ፡ ሎሚ ከኣ ካብ ትማሊ ዝመሃረሉ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን እዩ። ክጠቓለል እንከሎ ድማ ካብቲ ዝሓለፍካዮ ነቲ ኣውንታ ምውሳድን ዝያዳ ብምሕያልን ምምዕባልን እቲ ሓደ ገጹ እዩ። እቲ ካልእ ገጹ ከኣ  ነቲ ግጉይ ጐድኒ ተመኩሮና ምእራሙን ነቲ ክእረም ዘይክእል ድማ ምውጋዱን ብዝብል’ዩ ዝግለጽ። እዚ ሃናጺ መስርሕ ካብ ተመኩሮ ብምምህሃር ነቲ ቀጻሊ ምዕባለ ብኣውንታ ክመርሕዎ ናይ ዝደልዩ እዩ እምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሎሚ ኮይኖም ካብቲ ናይ ትማሊ ዝመሃሩ፡ ኮነ ኢሎም ነቲ ናይ ትማሊ እከይ ተግባሮም መሊሶም ሎሚ ዝደግምዎን ጽባሕ’ውን ከም ዝቕጽልዎ ዝእምቱ  ሰብ እከይ ግብሪ ወገናት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን፡ ወጽዓ ኣብ ርእሲ ወጽዓ፡ ቅትለት ኣብ ርእሲ ቅትለት፡ ግህሰት ኣብ ርእሲ ግህሰት እንዳደረበ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ካብ ናይ ትማሊ ናይ ዘይምምሃር ኣብነት እዩ።

ከምቲ ኣብ ሎሚ ኮይና ትማሊ ሓሊፉ ጽባሕ’ውን ከም ዝመጽእ እንእመን፡ ሎሚ እንኸዶ መንገዲ እንተላይ ብመንጽር ጽባሕ ክምዕብል ዝኽእል ጽልዋኡ ከነጽነዖ ይግበኣና። ሎሚ ዘይረኣናዮ ጽባሕ ሃንደበት መጺኡ ብዝወጠናዮ ከይንቕጽል ዝዕንቅጽ ሓድሽ ተረኽቦ ክኸውን ከም ዝኽእልኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ብዝከኣለና መጠን ከምቲ ብዛዕባ ሎሚ እንጭነቖን እንጥንቀቖን ኣብ ሎሚ ኮይና ጽባሕ ብግቡእ ንምርኣይ እውን ክንጭነቕ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኣዝዩ ቁንጹብ ብናይ ሎሚ ጥራይ ዝድረት ናይ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ ዝተሻበብና እንተኮይና ግና ናይ ጉዕዞና ኣጀንዳታት ወትሩ ኣብ ሓድሽ ጥራይ ዝጽመድ፡ ኣካይዳና ከኣ ሰንሰለታዊ ዋሕዝን ናይ ተመኩሮ ምምግጋብን ዝጐደሎ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ካልእ ኣገዳሲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና፡ ናይ ሎሚ ተግባርናን ናይ ጽባሕ መጻኢ መደባትናን ውሁዳት እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ዝዕንቅፍ ምድብላቕ ከይፍጠር ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

ኣብ ተመኩሮና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ኣብቲ ንጉጅለ ህግዲፍን ኣተሓሳስባኡን ስዒርና  ዝሓሸ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘረጋግጽ ለውጢ ንምውሓስ ከነካይዶ ዝጸናሕና፡ ነካይዶ ዘለናን ጽባሕ እውን ክሳብ ዓወት እንቅጽሎን ቃልሲ ዘጋጥሙና ብደሆታት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብቲ ብደሆታት ከኣ ነቲ ዘለና ሓባራዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ እምነትናን ትጽቢትናን ዝምጥን ውዱብ ናይ ሓባር ሓድነታዊ ጉዕዞ ከነውሕስ ዘይምኽኣልና ምዃኑ ኩልና እንዛረበሉን እንሻቐለሉን ዘለና እዩ። እቲ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ድሌት ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። እቲ መፍትሒ’ውን ካባና ክነሱ፡ ብሰንኪ ናእሽቱን ዘይመሰረታውያንን ፍልልያት ነቲ ፍሩያት ዘቀራርባና ኣብ ባይታ ከነዕኩኾ ዘይምብቃዕና ከኣ ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘይፍታሕ ሕንቅልቅሊተይ ኮይኑና ጸኒሑ። ናይዚ ሕመረት ከኣ ካብ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር ዘይምኽኣልና ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ግና ካብ ተመኩሮና ናይ ምምሃር  ምልክት ነርኢ ኣለና። ካብ ምልክት ሑሊፉ በሪኹ ክረአ ከኣ ቀጻልን ዝተጸንዐን ቃልሲ ይሓተና። ኣብዚ መስርሕዚ ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ክንርኢ ኢና። ቀንዲ ጐሊሑ ዝረኣየና፡ ቅድም ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕ ዝነበረና ናይ ምምዕዳው ዓቕሚ ውሱንን ኣብ ባዕላውነት ዝተሰረተን ምንባሩ እዩ። ዝያዳ ክስቆረና ዝግብኦ ከኣ ኣብ ሎሚ ኮይና ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር፡ ዓቕምና ክንመዝንን መጻኢ ሳዕቤኑ ከነማዕዱን ክንድቲ ዝድለ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ ማለት ካብቲ ትማሊ ዘየዕወተና መንገዲ ንገሊኡስ ክንደገሞ ምጽናሓና እዩ። ኣብ ምምዛን ዓቕምና እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ብደሆ ንምብዳህ፡ ብሓደ ወይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታትን ግንባራትን ዘይዕመም ክነሱ፡ ነቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ ዝግበኣና ግምትን ክብደትን ክንህቦ ኣይጸናሕናን። ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ለውጢ ምግዳስ ማለት ብዛዕባ ሓድነት ሓቢርካ ምጭራሕ፡ ምእዋጅን ምጭናቕን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ኩሉ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ወይ ኣላፊንካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ምኽፋልን ንሕድገትን ምክእኣልን ናተይ ኢልካ ምርዓምን እዩ።

ትማሊ በበይንኻ ብምዃንካ ዘይምድማዕካ እንተመዚንካ፡ ሎሚ እቲ መፍትሒ ብሓባር ኮይንካ ምቅላስ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነቲ ናይ ትማሊ መዚንካ ዘዋህለልካዮ ሃናጺ ሓቂ ሎሚ ዘይትጥቀመሉ እንተኮይንካ ሚዛን ምክያድ እቶት የብሉን። ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካሉ ማለት፡ ነቲ ዘየቃድወካ ዝነበረ፡ ናቱ እሱር ደኣ ኣይትኸውንን እምበር፡ ደፊንካዮ ትሓልፍ ማለት ኣይኮነን። ኣጐልቢብካ እንተ ሰጊርካዮ፡  ናብቲ “ሓሊፈዮን ተማሂረሉን” ዝበልካዮ ናይ ምምላስ ሓደጋኡ ክፉት እዩ። ነቲ ትማሊ ብሓደ ከይትኸውን ዝዓንቀፈካ ምድህሳሱ ማለት፡ መሊስካ ነቲ ዝሓወየ ዝመስል ግና ክድገስ ዝኽል ስንብራት ንከይምለስ ምፍዋሱ ማለት እዩ።

Last modified on Thursday, 16 July 2020 10:41