Print this page

ፍሽለት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራን ዞባን

2020-06-21 08:26:47 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1829 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራ ቅድሚ 29 ዓመታት ብመስዋእቲ ደቃ ብግብሪ ናጻ ምስ ወጸት፡ ኤርትራውያን ብሩህ ዘመን ክመጸሎም ልዑል ተስፋን ባህግን ነይርዎም። ነቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ረኺቡ ብደረጃ ፕረሲደንት  ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክመርሕ ዕድል ዝረኸበ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ክመርሖ ልባዊ ሕድሩ ኣንቢርሉ። ኢሳያስ እውን ተንኮሉ ሓቢኡ በቲ ልሙድ መዳህለሊ ጥበቡ፡ ሓቂ ከምስል ንኤርትራ፡ ሰላም ዝዓሰላን ክብሪ ህዝባ ናብ እትዕቅብ ብልጽግቲ ሃገር ከም ዘሰጋግራ ናይ ሓሶት ቃል ኣትዩ ነቲ ናይ ህዝባዊ ሕድሪ ተቐቢልዎ። ብሳላ ውሕልነት መራሕተንን ትጉህ ተሳትፎ ህዝበንን ኣብ ዘተኣማምን ቁጠባዊ ዕቤት ናይ ዝበጸሓ ምዕቡላት ሃገራት እንዳ ጸወዐ ከኣ “ንኤርትራ ከም እገለ ከነበልጽጋ ኢና” ኢሉ ፈኪሩን ተጃሂሩን።

ብግብሪ ግና እዚ ብደም ንጹሃት ዝሰኸረ  ዲክታተር፡ በብቑሩብ ካብ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክርሕቕ ጀመረ። ጥልመቱ ንምኽዋል ከኣ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ፍቕሪ ሃገር፡ ብምምዝማዝ ኣብ ክንዲ ሕድሩ ኣጽኒዑ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዝጽመድ፡ ናይ ሓሶት ጸላእቲ እንዳፈጠረ ቀዳምነት ዘይወሃቦ  ውግኣት ብምስዋር፡ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ዘርሓቐ ናይ ህውከት ስጉምትታት ክወስድ ጀመረ። ኣብቲ ኩነታት ገለ ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ንዝሃንደሶ ውግኣት ቅኑዕን ረብሓ ኤርትራ ዝዕቅብን መሰሎም። ብዙሓት ግና መዳህለልን ኤርትራዊ ውሽጣዊ ዛዕባ ንምሕባእ ዝምሃዝ ምስምስን ምዃኑ ተረዲኦም፡ እዚ ውግኣትዚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዕማምና ከይለቐቕና፡ እንተኾነ ብሰላምን ብዘተን፡ ካብኡ እንተሓለፈ ከኣ ብሕጋዊ መስርሕ ዝፍታሕ እምበር፡ ዘይምኽኑይ  ህይወት፡ ንብረትን ግዜን ከነባኽነሉ ዝግበኣና ኣይኮነን ዝብል ድምጺ የስምዑ ነይሮም። ከምኡ ስለ ዝበሉ ከኣ ብዙሓት ዝተፈላለየ ቅጽል ተዋሂብዎም ዋጋ ከፊለምሉ እዮም።

እዚ ኩነታት ብዝኾነ መዕቀኒ ክምዘን እንከሎ፡ ወዮ ጉሒላ ዲክታተር ንኤርትራ ክመርሓ ከምዘይበቕዐ ዝሕብር ናይ ፍሽለት ምልክት ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዲክታተር ፍሽለት  ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ፡ ብቑጠባ ኣዝያ ዝደኸየት፡ ምእንቲ ፍትሒ ዝተቓለሰ ህዝባ ፍትሒ ዝጸምኣላ፡ ምእንቲ መሰረታዊ መሰሉ ዝተቓለሰ ህዝባ መሰሉ ዝተገፈላ፡ ወለዶታት  ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ተገዲዱ ዝራሕረሓ፡ ዘኽታም ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ዕዙዝ ናይ ፍሽለት ምልክት ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ፍሽለት ግና  ናይቲ  ዝኣተዎ ቃሉ ዘየኽበረ ጽባሕ ዝጐሓፍ ጉጅለ ኢሳያስ እምበር፡ ናይ ልኡላዊት ኤርትራን ህዝባን ፍሽለት ከምዘይኮነ ብብሩህ ክፍለጥ ይግበኦ።

ኢሳያስ፡ ንህዝቢ እንዳዓመጸን እንዳጓዕጸጸን፡ ጠላም ኣበሳኡ  ሓቢኡ ከቐጽሎ ዝዓለሞ ትልምታቱ ተመሊሱ ገጸቦ እምበር ኣየዕወቶን። ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ንክሕባእ ዝኾዓቶ በዓትታት፡ ንህዝብናን ሃገርናን ኣኽሲሩ ንኢሳያ’ውን ከምቲ ዝወጠኖ  ኣየቕሰኖን። ንኹሉ በደላቱ ሓቢኡ፡ ከም ብተሓላቕነት ልኡላውነት ኤርትራን ምምልካት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሳል ዘካየዶ ምምጽዳቓት፡ ሎሚ ባዕሉ  ስለ ዝጠንጠኖ ፍሽለትን ክሳራን ደኣ ኣጐልበቦ እምበር ኣየኽሰቦን። በቲ ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠብሎቕሎቕ ዝበሎ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ በደል ኣብ ግምት ንዘየእተወ እገዳ ሕቡራት ሃገራት መሕብኢ ንክገብሮ ብዙሕ ፈቲኑ እዩ።  ብግብሪ ግና እቲ ህዝብን ሃገርን ናይ ምምራሕ ፍሽለቱ እቲ እገዳ ምስተላዕለ እውን ዝያዳኳ ደኣ ገዲድዎ እምበር ኣይተመሓየሸን።

እዚ ዲክታተር ኩሉ ዝኸዶ መንገድታት፡ ናብ ፍሽለት እምበር ናብ ዓዲ ደሓን ዘይመርሖ ምዃኑ ምስ ተረደአ፡ ናብ ዝኸዶ ጠፊእዎ ድሕሪ ምዕንይናይ፡ ንነዊሕ ግዜ ተሓቢኡ ድምጽኻ ናይ ምጥፋእ ሜላ መሪጹ ነይሩ። ክሳብ እውን እቶም ሰማዊ ሚኒስተራቱ መራሒኦም ኣበይ ከም ዝተሓብኣ ጠፊኡዎም መዛግብቲ ተሰኪሞም ንሓንሳብ ናብ ዓዲ ሃሎ ንሓንሳብ ከኣ ናብ ምጽዋዕ ከይዶም ሃሰው ኣብ ዝብሉሉ ደረጃ በጺሖም ነይሮም። ድሕሪዚ ብሃንደበት ብናይ “ንኺድ ጥራይ” በሃልነት ካብቲ ሕዱር ጸረ-ህዝብን ሰላምን ሕማሙ ዘሕዊ ዘይኮነስ፡ ግዝያዊ መዕገሲ ፈውሲ ቃንዛ ዝኾኖ ኣጋጣሚ ረኺቡ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2018 ጀሚሩ፡ ንኹሉቲ ተኸዊልሉ ዝነበረ ናይ ሃገራዊ ልኡላውነትን ተሓላቕነትን ሓጢጡ ደርብዩ፡ ምስቲ ሽዑ ናይ ኢትዮጵያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሕግብግብ ክብል ጀመረ። ኣበይ ከም ዝጸንሐ ዘይፍለጥ ናይ ሰላም ሰባኽነት መንፈስ ወሪርዎ ኣብ ኣድራሻት ኢትዮጵያ ምእንቲ ሰላም ኣፍልቡ ክወቅዕ ጀመረ። እዚ ናይ ሰላም ዝመስል ወደኽደኹ ግና፡ ናይቲ ዲክታተር  ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ እውን ከም ኤርትራ ጥዑይ ምምሕዳርን ሰላምን ዝሓረማ ንክትከውን፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ኣጸቢቕካ ንምጽዳፉ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ (game is over) ዝብል መርዚ ነዝሐ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እየን፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ቃልሲ ዘካየድናሉ ግዜ ከኣ ዝተኸስረ እዩ፡ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ብልቢ ኣብይ ኣሕመድ ንኩልና  ክመርሓና እዩ” ዝሕመረቱ መልእኽቱ  ማዕረማዕረቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈሸለሉ፡  ካብ ብዙሓት ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ስዑራትን  ብ”ኣፍደገ ባሕሪ ስኢንና” ዝጸመሙን ኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣምጺእዋ” ዝብል ናእዳን ኣድናቖትን ተለገሰሉ።

“ለካ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለያ ወያነ’ዩ እምበር፡ ኢሳያስስ ወትሩ ፈታዊ ኢትዮጵያ እዩ” ዝብሉ ከኣ ብዙሓት ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣለዉ። ኣካይዳ እቲ ዲክታተር  እውን ነዚ ዘራጉድ እምበር ነቲ ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ ሓቂ ዘነጽር ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ጐረሓት ኢትዮጵያውያን ግና እቲ “ኣብይ ክመረሓና እዩ” ዝብል፡ ናይ ኢሳያስ ቃላት፡ ብኣንጻሩ “ኣነ እየ ንኢትዮጵያ ክመርሓ” ማለቱ ከይከውን ክጥርጥሩ ይስምዑ እዮም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተደላይነት ምርጫ፡ ምትእትታው ምእኩል ምምሕዳርን ገንዘብ ካብ ባንክ ብመቑነን ምውጻእን ዝኣመሰሉ፡ ካብ ኢስያስ ዝለሓዀ ብዝምስል ኣገባብ ኣብ ኢትዮጵያ ይቀላቐሉ ስለ ዘለዉ። ካብዚ ሓሊፎም ኢሳያስ ሕነ’ቲ ኢትዮጵያ ክመርሕ ተወጣዊጡስ ብ1991ኣብ ለንደን ብነፍስሄር መለስ ዜናዊ ተመኪቱ ዝፈሸሎ  ክፈዲ ሕኒን ይብል ከም ዘሎ ዝእምቱ’ውን ኣለዉ።

ዲክታተር ኢስያስ፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እንተዘይኮይኑ፡ ዝጽበዮ ገደል ኣየስተውዕልን” ዝበሃል፡ ነቲ ንሱ ዝሓልሞ እምበር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ምንባብ ትዕግስቲ የብሉን። በቲ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝጣቓዓሉ ዝነበረ ሻህሪቱ፡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣርሒቑ ንምሕባእ፡ ዓቕሙ ብዘይምፍላጥ፡ ምስ ኢጋድ ዝወዳደር ዞባዊ ትካል ንምፍጣር’ሞ፡ ኣብቲ ዞባ ጐብለል ንምዃን፡ ከምቲ (ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል) ዝበሃል፡ ምስቶም ከምኡ ነናቶም ዘቤታዊ  ዕዮ ከመሓድሩ ዘይበቕዑ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ቅሩብ ኮለል ኢሉ ሕሩጩ ምስ ወደአ፡  ፍሽለቱ ተሰኪሙ እንሆ ከምቲ ኣመሉ መሕብኢ ቦታ ቀይሩ ደሃዩ ኣጥፊኡ። እዚ ከኣ ወዮ ደኣ ኢሳያስ ከይርዳእ ዝተረደአ ኮይኑ እምበር፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይካ ከየድማዕካ ኣብ ደገደገ ከተድምዕ ምፍታን ውጽኢቱ ፍሽለት ምዃኑ ክርዳእ መተገበኦ።

Last modified on Sunday, 21 June 2020 10:29