Print this page

ቊጽሪ ስዉኣታን ብዝሒ ህዝባን ዘይትፈልጥ ነጻ ሃገር መን’ያ?

2020-06-16 17:04:08 Written by  ወልደየሱስ ዓማር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2458 times
Rate this item
(0 votes)

ብዝኽሪ ስዉኣትና ዝያዳ እነስተንትነሉ ሰሙናት ስለ ዝኾነ፡ ንጽሑፋትናን መደረታትናን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ስዉኣትና ብዝብላ ቃላት ክንጅምር ግድን ኢዩ። እቲ ዝኽርን ክብርን ናይ ኲሎም ጀጋኑ ስዉኣት ኤርትራ ዘይግድሶ ስርዓት ኣስመራ’ኳ ብተግባራቱን ጥልመታቱን ከይሓነኸ ዝዝምረለን ቃላት ኢየን።

Martyries 1

ክትገልጾ ዘጸግም ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ፊን ብዝብሎ ክጐዓዝ ባይታ ኣደልዲሉ ስለ ዝጸንሔ፡ ሃገር ነጻ ኰይና ካብ እትብሃል 29 ዓመታት ሓሊፉስ፡ እታ ኣልቦ ሕግን ፍትሕን ዝገበራ ሃገረ ኤርትራ፡ ጌና ቊጽሪ ስዉኣታን ብዝሒ ዜጋታታን ከይፈለጠት ትነብር ኣላ። እዚ ሓደ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ መስደምማት ነጻ ሃገረ ኤርትራ’ዩ።

ውልቀ-መላኺ ሃገርና ፊን ኢሉዎ “20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ትኹን” ምስ በለ ኰይና። ዘግለለ ኣግሊሉ፡ “እቶም ስዉኣትና” 65,000 ኢዮም” ምስ በለ ከምኡ ዀይኑ። ድሕሪ’ቲ ባዕሉ ዝኣጐዶ ውግእ 1998-2000 ከኣ “ገለ 19,000 ስዉኣት ጥራይ” ኢዮም እተሰውኡ ኢሉ ምስ ኣቃለለ፡ መን ክእርሞ! መን ዓገብ ክብሎ! ከምዚ ኢልካ ንነዊሕ ዓመታት ምቕጻል፡ ከም ህዝቢ ዘየሕንኸና ጒዕዞ ኣይኮነን።

ቊጽሪ ስዉኣት ኤርትራ?

እታ ሎሚ ብቛንቋ እንግሊዝ “ማርቲር” እትብል ቃል ብግሪኽ "ምስክር" ካብ ዝብል ትርጉም ዘሎዋ ቃል ዝመጸት ምዃና ይግለጽ። ብዓረብ ከኣ ሸሂድ (ሻህድ) ብተመሳሳሊ ምስክር ዝብል ትርጉም ኣሎዋ። ሰማዕታት ዝብል'ውን ካብኡ ዝርሕቕ ኣይመስልን። ብግእዝ ሰማዕት/ሰማዕቲ (ዝሰምዑ፡ ዝረኣዩ ዝመስከሩ) ኰይኑ ይስማዓኒ። ብሓጺሩ ሰማዕት/ሸሂድ/martyr ምዃን፡ ጽኑዕ ምስክር ኰንካ ንእተኣምነሉ ዕላማ ደው ምባልን ዝመጸ እንተመጸ ምእንትኡ ዋጋ ምኽፋልን የስምዕ። ንኤርትራ ብዝምልከት ከኣ፡ እቶም ነዚ ናይ ዕላማ ምስክርነት ደው ዝበሉን ከዐውትዎ ዘድሊ ዋጋ ዝኸፈሉን፡ ብዘይ ሌላን-ጒለላን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ዝግብኦም ስዉኣት ሃገርና ኢዮም።

ኣብቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ጒዕዞ ዝወደቑ ስዉኣትናኸ መነመን ኢዮም? ብዝሖምከ? እዚ ካብቲ ጌና ዘይተመለሸ ሕቶታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብ1941 ዝጀመረ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ጒዕዞ  ኤርትራ እንሆ 80 ዓመት ክኾኖ ገለ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ይርከብ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ዓመታት እቲ ከኣ ምእንቲ ወይ’ውን ብምኽንያት ሃገራዊ ዕላማ ዋጋ ዝኸፈሉ/ዝኸፈላ ዜጋታት ናይዛ ከቢድ ዋጋ እተኸፍለላ ሃገር ኢዮም። እሞኸ ብዝሒ ሰማእታትና እቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፊን ኢልዎ ዝሓበሮ ኣስታት 85,000 ጥራይ ድዩ? ብዘይካ’ቶም ብረት ዓጢቖም እተቓለሱን ዝወደቑን ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ሓርነትን ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማ በጃ ዝሓለፉ ምህላዎም ህዝብና ኣጸቢቑ ይፈልጥ። ኣብ ከባቢ መስዋእቲ ዓብደልቃድር ከቢረ ይኹን ብድሕሪኡ ክንደይ ንሃገራዊ ዕላማ ክምስክሩ/ክጣበቑ ዘይወደቑ!! ኣብ ኣሃዛትን ኣተሓሳስባን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘየልዉ፡ ማለት ዕጡቓጥ ህዝባዊ ምሊሻን፡ ገባር ኣለይቲ ሰውራን፡ ብጒጉይ ኣተኣላልያ ውድባት ኤርትራ እተሃስዩን፡ በብመዓልቲ በዚ ህልዊ ስርዓት ዝቕዘፉ ዘሎዉን ዜጋታትና ስዉኣት ሃገረ ኤርትራ ኢዮም።  

ንዓና ንኤርትራውያን ዝኾነት መዓልቲ፡ መዓልቲ ስዉኣት ኢያ ክንብል  ንኽእል። ግን ከኣ ንዓመታዊ ኣበዓዕላ ክጥዕም ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክትምረጽ የድሊ። ህዝቢ ክርድኦ ዝኽእል ፍሉይ ድሕረ-ባይታን ትርጉምን ክህልዋ ከኣ ይምረጽ። 20 ሰነ ክብርቲ መዓልቲ ስዉኣትና ምዃና ንግዚኡ ዘጣዕስ ኣይኰነን። ክትጅመር እንከላ ክነብራ ዝግብኦ ትርጉም ከም ዘይሓዘት ግን ርዱእ ኢዩ -- እንትርፎ ኢሳያስ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ህዝቢ ኣኪቡ ናይ መጀመርያ ኣግላሊ መደረኡ እናሃበ “መዓልቲ ስዉኣትና ትኹን”  ምባሉ!!      

ንኣብነት ክዀነና፡ መዓልቲ ስዉኣት ናይ’ታ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ኣብ መዓልቲ መስዋእቲ ናይ ቃልሲ መራሒኣ ዝነበረ ዶክቶር ጆን ጋራንግ ይብዓል። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ከኣ ብኣጋጣሚ እቶም 30,000 ዝግመቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዳይ ዝኾኑ ሰላማውያን ኣቢላ ንዂሎም ስዉኣታ ትዝክር።

ኤርትራኸ ንዂሎም ናይ እተናውሔ ቃልሲ ስዉኣታ ብመዓልቲ መስዋእቲ ጅግና ፈላዊ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣቢላ  እንተተብዕሎ ኣይመመልክዓላንዶ? ወይ’ውን ንዓንጋሊ ሰውራ ዝነበረ ንተቓላሳይ “ሓፋሽ” ህዝባ ከይተረፈ ምእንቲ ከተኽብር፡ ካብቲ ኣስካሕካሒ ጅምላዊ ህልቂታት/massacres እተፈጸመሉ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ረቚሓ ንዂሎም ሰማእታታ ክትዝክር ዝያዳ ትርጉም ኣይምሃበንዶ? 

ስዉኣት ናይ እተናውሔ ቃልስና እጡቓትን ዘይዕጡቓትን ምንባሮም ምቕባል የድሊ። ስዉኣትና 85,000 ጥራይ ነይሮም ኢልካ ንኣበሃህላ ውልቀ-መላኺ ምኽታል ከኣ ቅኑዕ ኣይመስልን። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ብመጽናዕቲ ዝድገፍ ኣሃዝ ሃሰስ ዘይምባልና እውን ከም ህዝቢ ዘየሕምየና ኣይኮነን።

ብዝሒ ስዉኣት ኤርትራ ከባቢ እቲ ብስርዓት ህግደፍ እተጠቕሰ ኣሃዝ ጥራይ ከምዘይኮኑ ዝእምት ሓበረታታት ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት ብ1992 ኣብ ተሓትመ መጽሓፍ ከም ዘስፈርኩዎ፡ ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ብሰነ 1978 ክዛረብ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሽዑ 50,000 ዝኾኑ ሲቪላውያን ብሰንኪ ውግእ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ናይ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበረ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ 1975 ክሳዕ 1983 ከባቢ 280,000 ንጹሃን ሲቪላውያን ኣብ ኤርትራ መይቶም ኢሉ መስኪሩ። ናይ ወጻእተኛታት ትዕዝብቲ እውን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ፍሉጥ ሰሙናዊ መጽሔት ዓዲ እንግልሊዝ (The  Economist): ኣብ ናይ20 ጥቅምቲ 1990 ሕታሙ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ  ኤርትራ ክሳዕ 500,000 ዝኾኑ ዜጋታት ብሰንኪ ውግእ ከም ዝሞቱ ገሚቱ። ድሒራ ሓንቲ እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ (ሚቸላ ሮንግ - Michela Wrong) ብ2005 ኣብ ዘሕተመቶ መጽሓፍ (I Didn’t Do it for You)፡ 200,000 ዝኾኑ ሰላማውያን ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ኤርትራ መይቶም ኢላ።

ብዝኾነ፡ ናይ እተናውሔ ቃልስና ታሪኽ ብምልኣት ምእንቲ ክምዝገብ፡ ቊጽሪ ስዉኣትና ብሕጂ’ውን እንተኾነ ክንፈልጥ መጽናዕቲ ምክያድ ከድልየና ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ሽዑ ጥራይ ከኣ’ዩ ነቲ ዘየዕግብ ኣሃዛት ኢሳያስን ስርዓቱን እንእርሞ።

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ?

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንሕተት እውን ቅኑዕ መልሲ ከምዝይብልና ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 29 ዓመታት “ነጻ” ህላዌና ነዚ ቀሊል ሕቶ’ዚ ክንምልሽ ዘይምኽኣልና ዘየሕዝን ኣይኰነን።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ብ2016 ኣብ ዘሕተሞ Understanding Eritrea ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘስደምም “ምስጢራት” ዝርዓት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ዜጋታት ኤርትራ ካብ 3.2 ሚልዮን ክሳዕ 6.5 ሚልዮን ኣቢሎም ይኾኑ እንተዘይበልካ ካልእ መልሲ ከምዘይብላን  እውን ብኣስተንክሮ ጠቒሱ።

ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ እውን ንጹር ኣሃዝ ከይሓዘ ንብዝሒ ህዝብና ከም ድላዩ ክገላበጠሉ ይርኤ። ንኣብነት ብ12-13 መጋቢት 2019፡ ተስፋሚካኤል ገርሃቱን ኣደም ዑስማንን እተባህሉ ክልተ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ 18 ዝኣባላታ ፍልይቲ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ከተማ ክጅኔቫ ተረኺቦም ሕቶታት “ይምልሹ” ነበሩ። ኣብቲ መልስታት ልኡኻት ህግደፍ፡ ሓዲኦም ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.2 ሚልዮን ኢዩ እናበለ፡ እቲ ካልኣዩ ከኣ 3.4 ሚልዮን ኢዩ ኢሉ።  ጽንሕ ኢሎም ካብቲ ኣዳልዮምዎ ዝጸንሑ (ግን ንሽማግለ ኣይንዕድሎን ዝበሉዎ) ጽሑፍ እናገላበጡ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.8 ሚልዮን ምዃኑ ዝገልጽ ሓዲሽ ኣሃዝ ኣንበቡ።

እቲ ኩሉ መልስታቶም ኣስደሚምዎ ዝነበሩ ኣባላት ሽማግለ ቅኑዕ መልሲ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ፈሊጦም ብቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ መብርሂ ኣይሓተትዎምን። ምኽንያቱ፡ ካብቲ ድሮ ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻባት ብዓል ኣንባሳዶር ተስፋሚካኤል ገርሃቱ፡ ኣብ ኤርትራስ 11 ቤት ማእሰርቲ ጥራይ ከምዘሎ፤ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘይብላ፤ ካብ 1991 ክሳዕ 2019 ብመንግስቲ ኤርትራ እተቐትለ ሰብ ከምዘየሎ፤ ንፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ብ2007 ዝኣሰርዎ ባዕሎም ሰበ-ስልጣን ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን እንበር መንግስቲ ከምዘይኰነት … ወዘተ ክብሉ ስለ ዝጸንሑ፡ ቅኑዕ መልሲ ዘይብሎም ምዃኖም እታ ሽማግለ ጽቡቕ ገይራ ተረዲኣቶምን ተዓዚባቶምን።

እቲ ብ1931 እተገብረ ቈጸራ ህዝቢ (census): ብዝሒ ተቐማጦ ኤርትራ 600,000 ምንባሮም ኣረጋጊጹ። ድሒሩ ብ1950 ከኣ ህዝቢ ኤርትራ 1 ሚልዮን ምዃኑ ብገምጋም ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ተበጺሑ። በቲ ዓመት’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ 18 ሚልዮን ዝነበረ ሎሚ 114 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ -- ማለት ካብቲ ናይ 1950 ብዝሑ ብ6.3 ረቢሑ (18 x 6.3) ማለት ኢዩ። ተመሳሳልነት መነባብሮ  ህዝቢ ናይ ህልቲኡ ሃገራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህዝቢ ኤርትራ 1 x 6.3= 6.3 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል ካብ ዘብል ምኽንያታት ሓደ’ዩ። ከምኡ’ውን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብከባቢ 2.5% ከም ዝበዝሕ ይንገር። ሓደ ብ2.5% ኣብ ዓመት እናወሰኸ ዝኸይድ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ከባቢ 25 ዓመታት ዕጽፊ ይኸውን። በዚ መዐቀኒ’ዚ’ውን፡ ብ1975 ህዝቢ ኤርትራ 2 ሚልዮን፣ ብ2000 ከባቢ 4 ሚልሊዮን ብ2025 ከኣ 8 ሚልሊዮን ክበጽሕ ይኽእል ኢልካ ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን።

ቅድሚ 50 ዓመታት፡ ማለት ኣብቲ ብ1971 ብኢሳያስን ንኡስ ጭፍርኡን እተዳለወ “ንሕናን ዕላማን” ዘርእስቱ ማኒፈስቶ ሰልፊ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ 3 ሚልዮን ኢዩ ተባሂሉ ነይሩ። ካብ ርእይቶኡ “ፈልከት” ዘይብል ውልቀ-መላኺ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከኣ ነቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዘቐመጦ ኣሃዝ ነኺስዎ ክነብር ዝወሰነ ይመስል።

እሞ ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ’ዩ? ስዉኣት ኤርትራኸ ክንደይን መነ-መንን ኢዮም? እዚ ካብቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ከለዉ ክንምልሾ ዘይንኽእል ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ኢዩ። ክንምልሾም እንኽእለሉ ባይታ ክርከብ፣ ዳግማይ ዓወት ክጭበጥ፣ ሕጂ’ውን እተዓጻጸፈ ቃልሲን በብዓይነቱ መስዋእትነትን የድሊ ኣሎ። 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!

ሰነ 2020                                                                                                         

Martyries 2

Last modified on Tuesday, 16 June 2020 19:26