Print this page

ኤርትራውነትን መንነትን እንክሳንዩ

2020-05-21 09:22:27 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1554 times
Rate this item
(0 votes)

ኢርትራ ከም ኩለን ብኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝሓለፋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካለኣይ ውግእ ዓለም እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ዝወነነት ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ ዝተዓጥቀትን ብክልተ ወደባትን ብልዕሊ 300 ደሴታትን ዝመልከዐትን ሃገር እያ። እንተኾነ ብሰንኪቲ ክሳዳዊ ተበሃግነታ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ተንኮላትን ውዲታትን ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብቐጥታ ከም ሃገር ክትቀውም ዕድል ኣይረኸበትን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ መሪር ቀጻሊ ቃልሲ ተኸፊልዋ ብ1991 ናጻ ወጺኣ። ብ1993 ድማ ብመንገዲ ናይ ህዝባ ረፈረንደም፡ ካብቲ ዘድመጸ 1,100,260 እቲ 99.83% ብዝሃቦ ድምጺ “እወ ንናጽነት” ልኡላውነታ ኣውሒሳ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ሓፊስ ደምን ረዚን  ኣዕጽምትን ደቃ ዝተኸፍላ፡ ደሓር ግና ብ”ደቅኺ ኢና” ዝብሉ ጐሓላሉ ዝተጠልመት እያ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዛዕባና ተሓቲትና ክንምልስ እንከለና፡  ነቲ ብሓፈሻ ኣብ ዝሐለፈ ወለዶታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቃልሲ ሃገር ንምውሓስ ኣዝዩ ዝደልደለ ጥራይ ርዒምና “ኤርትራዊ እየ” ኢልና ጠጠው ኣይንብልን። መንነትና ብብሩህን ብዝርዝርን ምእንቲ ክንገልጽ፡ ከከም ዕምቆት ናይቲ ዝቐርበና ሕቶ፡ ተወሳኺ ናይ መንነት መብርሂ ኣለና። በዚ መሰረት ነቲ ኤርትራውነት፡ ስምና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልናን ብሄርናን ብምድራብ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እውን ዝተወለድናሉ ኤርትራዊ ኣከባቢ ወሲኽና ነቲ መልሲ ነራጉዶ። ብኸምዚ ከኣ ብዛዕባና ኣድቂቑ ክፈልጥ ንዝደሊ ኣካል ግቡእ ስእሊ ንክሕዝ ነኽእሎ።

ኤርትራውነትን እዞም ዝተዘርዘሩ ናይ መንነት ብዙሕነት መግለጽታትን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ረጊጹ ክኸይድ ዝተሃላለኹን ዝወዳደሩን ዘይኮኑ፡ ተደጋገፍትን ተመላላእትን እዮም። ናይዞም ክልተ ተመላላእቲ፡ ኤርትራውነትን መንነትን ምምጥጣንን ምክብባርን ክጐድል እንከሎ፡ እቲ ውጽኢት ዘቕስን ኣይኮነን። ኤርትራውነት ዝያዳ ዓብሊሉ፡ ነዞም ናይ ብዙሕነት መንነት መግለጽታት እንተ ዓምጢርዎም፡ ብዙሕነታዊ መሰላት ተሃስዮም ጭቆና ይብርኽ። እዚ ምብኳር መሰላት ከኣ ኣብ ክንዲ ሰላምን ህድኣትን ጭቆናን ዘይምትእምማንን የስዕብ። ብኣንጻሩ እዞም ናይ መንነት መግለጺ መሰላት ካብ ኤርትራዊ ናይ ምክእኣል ኣምር ወጻኢ ከይዶም፡ ዝያዳ እንተዘይበረኽና፡ ክብሉ እንከለዉ ሃገርነት ኣብ ሓደጋ ይወድቕ እሞ ምብትታን የንጸላሉ። ናይዞም ክልተ መለለይታት ሃገርነትን መንነትን ምምጥጣን፡ ምክእኣልን ምስናይን፡ ከምቲ ወለድና “ማይን ከምዘይነጽፍ፡ ዓሳን ከምዘይመውት” ዝብልዎ፡ ድልዱል መሰረት ናይ ሓቢርካ ምንባርን ምምዕባይን ይኾኑ። ኮታ ኤርትራውነት ካብ መንነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ህልውና የብሉን። እቲ መንነታት እውን ኣብ ክሊ ኤርትራውነት ጥራይ እዩ ውሕስነት ዝረክብ።

እዚ ቀሊል ዝመስል ኤርትራውነትን መንነትን ናይ ምስናይ ጉዳይ፡ ናይ ህዝቢ ስምዒት ናብኡ ክመጽእ ዝጽበ ወይ ዘገድድ ዘይኮነ፡ ንሱ ናብ ድሌትን ስምዒትን ናይቲ ህዝቢ ዝቐርብ ውፉይ ምምሕዳርን  መሪሕነትን ናይ ግድን ዝሓትት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጸቢብ ዘኹድድ ስሱዕን ዓምጣርን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ንቑሕ ህዝቢ እውን ኣብዚ መዳይ ብጽሒቱ ኣዝዩ ዓብይ እዩ። መለለይ መንነት ምስ ኤርትራውነት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ እቶም መርኣያ ብዙሕነት ዝኾኑ ተጸላለውቲ ስምዒታት እውን ውሁድን ዝናበብን ዝምድና ክህልዎም ኣድላይ እዩ። ንሃይማኖት፡ ንቋንቋን ንባህልን በበይኖም ቆንጪልካ ብምሓዝ፡ ብዘይቶም ካለኦት ከተዕብዮም ምህቃን ኣጸጋሚ እዩ።

ኤርትራውነት፡ ነቲ ብግቡእ ክንሕዞ እንከለና መሰረት ሓይልናን መመልክዒናን እዩ እንብሎ ብዙሕነትና፡ ጨፋሊቕካ ሓደ ብምግባር ዝመጽእ ኣይኮነን። እዚ ዘየዕውት ምዃኑ ከኣ ካብ ተመኩሮ እቲ ዝዓበደን ዝብሎ እምበር ዝገብሮ ዘይፈልጥ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝዋጠየሉ፡ እንተኾነ ዝኸሰረሉን ዝተቓለዓሉን ጓዕጻጺ ጭረሖ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ ከምቲ ውቁብ ሕብሪ ንምፍጣር ናይ በበይኑ ቀለማት ኣውሃሃዲ ወሓለ ዘድሊ፡ በበዓይነቱ  ሕብረ-ቀለማት ቀሚሩ ባህ ዘብል፡ ኤርትራዊ ብዙሕነትና፡ ሓላፍነት ብዝመለኦ ከነመሓድር ፖለቲካዊ ወሓላሉ ክንከውን ይግበኣና።

ኤርትራዊ ብዙሕነት፡ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገርነት ተሓቒፉ ዝዓቢ እምበር፡ ነቲ ዘይስገር ቀይሕ መስመር ኤርትራዊ ክሊ፡ ብዘፍርስን ዝጥሕስን መልክዑ፡ ከም ናትካ ቋንቋ ዝዛረብ፡ ከም ናትካ ባህሊ ዘዘውትር፡ ከም ናትካ እምነት ዝኽተል ….. ወዘተ እንዳሸተትካ ዶብ ሃገር ሰጊርካ ዝዕንድር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ሃላሊ ስምዒት ዘይድገፈሉ ብሩህ ምኽንያት ንኤርትራዊ ሓድነትን ህልውናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውነትን ብዙሕነታዊ መግለጺ ህዝባን ዘሎ  ክሕለው ዝግበኦ ሚዛንን ምክእኣልን ስለ ዘመዛብል እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኑዊር ኣብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፡ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን፡ ኩናማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ በንዓምር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ካክዋ ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፡ መሳይ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን፡ ሎው ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን፡ ሃውሳ ኣብ ካሜሩን፡ ኒጀርን ናጀርያን ከም ዝነብሩ ረሲዖም፡ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃሃገሮም ዓቂቦም ብምህላዎም ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሓድሓደ ኤርትራውያን ወገና ብዘይቅዱስ ሽርክነት ዶብ ኣፍሪስናን ኤርትራዊ ህልውና ኣጥፊእናን እንተዘይከድና ኢሎም ከውጠጥዩ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነብሩ፡ ኣብቲ ብዶብ ዘይግደብ ዘመሳስሎም መዳያት ከምቲ ኣብ ዝኾነ ኣብ ዶባት ዝሰፍር ህዝቢ ዝረአ ክዛመዱን ክቀራርቡን ቅቡል እዩ። ኣብ ዶባቶም ይንገዱ፡ ይዋሰቡን ካልእ ማሕበራዊ መስተጋብር ይፈጽሙን ምባል ናይ ለባማትን በሃግቲ ስኒትን እዩ መበልናዮ። ካብኡ እንተሓሊፉ ግና እቲ ኣግእዛያንዶ እንታይዶ እንዳተባህለን ብናይ ግዳም ሓይልታት እንዳኮለሰን ዓሌትን ወለዶን እንዳጸብጸበን ናብ ምፍራስ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝደናደንን፡ ነቲ ተሓቢኡ ጸኒሑ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተጋህደ “መዝሙር ንደመር” ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ  መሊሱ ዘጋድድ  ስለ ዝኾነ፡ እግሪ ከይተኸለ ብዓንተቦ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ እዩ።

Last modified on Thursday, 21 May 2020 11:29