Print this page

ቃልስና፡ ናይ ወለዶታት ምቅብባል’ዩ

2020-05-13 08:32:02 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1584 times
Rate this item
(0 votes)

እዚ ሕጂ እውን ቅርቡነቱን ናህሩን ከይቀየረ፡ ንኹሉ ውዲታትን ማሕለኻታትን እንዳጠሓሰ ዝቕጽል ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝበለሐ ኣንፈቱ ኣብ 60ታት እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ በሊሕ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ናይቶም ጀመርቲ ቁጽሪ ውሑድ፡ ነቲ ቃልሲ ኣበይ ከም ዘብጽሕዎ ተረድእኦም ድሩት፡ ዕጥቆም ውሑድን ድሑርን፡ ብኣንጻሩ ጸላኢኦም፡ ብዙሕ፡ ክሳብ ኣፍንጫኡ ዝተዓጥቀን ብዙሓት ናይ ግዳም “ኣጆኻ ኣለናልካብ” በሃልቲ ዝነበርዎን ምንባሩ ፍሉጥን ብዙሓት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ዝቐመርዎን  ሓቂ እዩ።

ምስዚ ኩሉ ሕጽረትን ዘይምምጥጣንን ግና ፡ እቶም ነዚ ኣብ መስርሕ ኣዝዩ ቃልቃል ዝበለ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ንሳቶም ጀሚሮም ንሳቶም ዝውድእዎ ዘይኮነስ፡ ናብ ወለዶታት ዝሰጋገር፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዕዳ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም። ተረድእኦም ከምኡ ስለ ዝነብረ ከኣ፡ ነቲ ሽግ ቃልሲ  ናብ ቀጻሊ ወለዶ  ናይ ምርካብ ድሉዉነት ዝውንኑ ምንባሮም ቀንዲ ናይ ብቕዓቶም መለክዒ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ሳላ ከምኡ ዓይነት ተረድኦ ዝነብሮም ከኣ እቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ሽግ ቃልሲ ኣይቀሃመን። ብዙሓት እንዳተቐባበሉ ሳላ ዝቐጸልዎ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣውሒሱ። እቲ ናይ ሽግ ቃልሲ ምቅብባልን ናይ ተመኩሮ ምርኽኻብን መስርሕ ግና፡ ሰጥ ዝበለ ጐልጐል ኣይነበረን። ብሰንኪ ኮርኳሕ ምንባሩ ከኣ ክቡር ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ። ናይቲ ዘይተዳላይ ዋጋ ዘኽፈለን ናህሪ ቃልሲ ዘደነጐየን ተመኩሮ፡ ናይ ግድን ተሓተቲ ኣለዉዎ። እንተኾነ ናይዚ ተሓታትነት ምጽራይ ሎሚ ቅድሚት ዝመጽእ ዕማም ዘይኮነ፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርትን ክኢላታትን ተገዲፉ፡ ብምሉእ ቀልብና ንቕድሚት ኣብ እነማዕድወሉ ግዜ ኢና ንርከብ ዘለና። ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕ ሕሳባት ምድብላቕ ግና ከምዚ ሓሓሊፉ ከጋጥመና ዝጸንሐ ኣብ ዘይውጻእ ዕንክሊል እዩ ዘንብረና።

መስርሕ ቃልስና፡ ተቓለስቲ እንዳተቐባበሉ ዘቐጸልዎ ናይ ወለዶታት ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሸቶ እውን ሓደ ሸቶ ኣመዝጊብካ ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ብምስጋር ክመሓደር ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ሰንሰለታዊ መስርሕ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይድካ ናይ ጣዕሳ ዝመስል ዘርባዕባዕ ገዲፍካ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለስ ባይታ ደልዲሉ ምርጋጹ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን በሪኽ ህዝባዊ ወሳንነትን ከኣ፡ ጌና ኣብ መስርሕ ዘለዉ፡ ካብ ልኡላውነት ሃገር ኣትሒትካ ዘይረኣዩ ዛዕባታት እዮም። ምኽንያቱ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ፈላሊኻ ዘይረኣዩን እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ጐደሎ ስለ ዝኾኑ።

እቲ ምትኽኻእ ወለዶታት ኣብ ቃልሲ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብፍላይ ጐሊሑ ዝረኣየሉ መሰጋገሪ ምዕራፍት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ድሕሪ ልኡላውነት ኤርትራ ምርግጋጹ፡ እቲ ናብዚ ዝበጽሐ ወለዶ፡ ንቐጻሊ ዕማም ነቲ ቀጻሊ ወለዶ ከረክበሉ ዝግበኦ ጥጡሕ  እዋን ነይሩ። እንተኾነ እቲ ብመስርሕ ሓላፍነት ከረክብ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐላሲኡ ጉጅለ፡ ብስስዐ ስለ ዝዓወረ፡ “ሎሚ እውን ኣነ እየ ዋና” ዝዓይነቱ ምስ መድረኽ ዘይቃዶ ሕማም ስለ ዝሓደሮ ኣይተኻእለን። ከምኡ ብሰንኪ ምዃኑ ከኣ፡ ህዝብናን ሃገርናን በቲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈልዎ እሞ ክሕበንሉ ዝግበኦም ዋጋ፡ ዳርጋ ኣብ ዝጠዓስሉን ዝሓፍርሉን ኩነታት ወዲቖም ኣለዉ።

እቲ ናይ ወለዶታት ናይ ቃልሲ ምርኽኻብ ኩሉ ግዜ ብጽቡቕ ድሌትን ጥጡሕ መንገድን ኣይፍጸምን እዩ። እቲ ከረክብ ዝግበኦ ከም ህግዲፍ ኣብ ተመኩሮና፡ ዘልሓጥሓት ክብል እንከሎ፡ እቲ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሕድርን ሓላፍነትን ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ፡ ብሕዝግድፍ ዘይኮነ፡ ተወዲቡን ስኑ ነኺሱን ናብ “ኣነ እየ በዓል ሕድሪ እሞ ኣረክበኒ” ናይ ምድፋእ ሓላፍነት ኣለዎ። ክንዝንገዖ ዘይግበኣና  እዚ ስንኻ ምንካስ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ነዚ ዋጋ ዝኸፍሎ ከኣ እቲ ናይ ወለዶታት ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ዕዳ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ትውልዳዊ ሓላፍነት ምርካብ በቒዕዎዶሎ ኣይበቐዖን? ባዕሉ ክምልሶ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። እዚ ዕዳዚ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኻልእ ከይተደፍአ ብናቱ ትግሃትን ተበግሶን ክኸፍሎ ዝግበኦ እዩ። ነዚ ክትከፍል ምብቃዕን ዘይምቃዕን ከኣ ነዚ ትውልዲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።

ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ዲግ ኣቢሉ፡ ነቲ ሓላፍነት “ክሳብ ዕለተ-ሞተይ ደኣ ጀሆ ይሕዞ እምበር ኣየረክብን” ከም ዝበለ ብዙሕ መረጋግጽታት ኣለና። ብቑዕ ተረካዊ ኤርትራዊ መንእሰይ ምእንቲ ከይፍጠር፡ ዩኒቨርስትን ካለኦት ትምህርታዊ ትካላትን ምዕጻዉ ጥራይ እኹል መረጋገጺ መኾነ። መንእሰይ መወዳእታ ኣብ ዘየብሉ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል መጸባበቒ ስም ኣብ ዝተዋህቦ፡ ብተግባር ግና ካብ ባርነት ኣብ ዘይፍለ ኣርዑት ምቑራኑ እንተ ወሲኽካሉ ከኣ ስሱዕን ናይ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ”ን ባህርያት ናይቲ ዘይህዝባዊ ስርዓት  ዝያዳ ይበርሃልካ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣንጻሩዚ ተግባራት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸቢብ ጉጅለ፡ ወትሩ ኣብ ወሳኒ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ምስግጋር ወለዶታት ይኣምን። ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንመንእሰይ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራን፡ ናብ ክዉንነት ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ እዋን ቀዳምነታት ኮይኑ ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ። ……… ብዘይካ' መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።” ዝበሎ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ሰፋሕቲ መዳያትን   ዘካይዶ ዘሎ ዲክታተርን ዲክታተርነትን ናይ ምቅላዕ ጻዕሪ ዝነኣድ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ምርካብ  ትውልዳዊ ግቡእ ይጽበዮ ከም ዘሎ  ንኸይዝንግዕ ከኣ ብኣንክሮ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Wednesday, 13 May 2020 10:34