Print this page

ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም

2020-04-30 06:39:36 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1822 times
Rate this item
(0 votes)

ወዲ ሰብ ሕልንኡ ምስ ደኸመ ወይ እውን ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኣብ መርገምን ኣጉል ትጽቢታትን እዩ ዘድህብ።   ተጠርኒፉን ተወሃሂዱን ብሓባር ብምስራሕ፡ ነቲ ዝዕንቅጾ ዘሎ ከልግስ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፥ ትኽ ኢሉ ኣብ ከተኣማምን ዘይክእል ጥርጠራታት ንኽኣቱን ከእቱን እዩ ዝጽዕር። ሓደ ካብ ባህርያት እዚ፥ ንታሪኽ ብምዝንባዕን ግጉይ ሓበረታ ብምሃብን ነቲ ክገብሮ ዝግበኦ  ከም መመኽነይታ ይጥቀመሉ።

ሓደ ሕብረተሰብ  ንፖለቲካዊ ስነፍልጠት ጎስዩ ናቱ ሓሳብ ጥራይ ዝዝርግሕ፥ ኣብ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓበረታ ከጋጥሞ ከሎ እንታይ ክገብር ይኽእል።? እቲ ተገራጫዊ ሓበረታታትከ እንታይ ዝመስል እዩ እውን ነግዛእ ርእሱ ክመምዮዶ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ እዚ ድማ ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ  ሓደ ዝዓይነቱ ርእይቶታት ዘይኮነስ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት እዩ ዝውንን። ነዚ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምስቲ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ሓቅነትን ጭብጥን ዘይብሉ ሓበረታ ምስ ዝውሰኾ ናብ ዘይርጉእ ሃዋህው እዩ ዝነቚቶ። ነቲ ተገራጫዊ ሓበረታታት ድማ በየንን ካበይን ይውንጨፍ ኣሎ መምዩ ነቲ ክስማዕ ዝከኣል ንኸይሰምዕ እውን ዓቐብ ይኾኖ። ኣብ ከምዚ ምጥርጣራት ወይ ድማ ዘይርጉእነት ህሞት  እቲ  ከም መከላኸሊ ዝጥቀመሉ ሽፋን ዝያዳ ናብቲ  ዘደናግር ሓበረታ እዩ ዝቋመት። እዚ ኣደናጋሪ ሓበረታ’ዚ ገሊኡ ነታ ናቱ ሓሳብ  ወይ ድሌቱን ባህጉን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ድማ በኣንጻሩ ክኽውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ እቲ ሓቀኛ  ሓበሬታ ክበርሃሉ ከሎ እዩ ዝያዳ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምትእምማንን ነቲ ዝድለ ዘሎ ሸቶ ንምህራምን ጭቡጥን ግብራውን ስራሓት ከሰላስል ዝኽእል። ንነገራት ውን ብግቡእ መዚኑ ነቲ ድሓርን ቅድምን ዝመጽእ ሳዕቤናትን ተረኽቦታትን ክመምን ከስተውዕልን ዝኽእል።

ሎሚ፡ ካብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኾነ ተረኽቦ ጽጹይ ሓበረታ ከምዘይርከብ’ኳ እንተተፈልጠ፥ ደቂ ሰባት ግና ግምታት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ናቱ  ናይ ሽሕጣንን ምጥባርን ኣገባባት፥  ከምኡ እውን ኣደናግርን ዝንቡዕን ወረ ፈንዩ ነቲ ህዝቢ ኣቕጣጫኡ ንኽስሕት ዘይገብሮ ጻዕሪ የለን። እወ! ኣብዚ ቅንያት እዚ ኢሰያስ መይቱ፥ ትባሂሉ እንደገና ግን ካብ ሞት  ተንሲኡ ዝብል ወረ ድማ  ትሰምዕ። ነዚ እቲ የዋህ ሰብ ተመስገን እንቋዕ ከደልና እዚ ጋኔን ዘይበለ ኣይክህሉን እዩ። ገሊኡ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተግባራት እዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበን ዘስካሕከሐ ከኣ በሉ ሕጅስ ነኣና ዝኸውን ይፍጠረልና ዝብል ከኣ ኣይሰኣንን ይኸውን። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ  ጠቕሞም ምስ እዚ ስርዓት  ዝተኣሳሰር ናይ ሓዘን ምልክትን መሬት ወሓጥንን  ኣብ ዝዓይነቱ ስምዒት ክሽመሙ ምዃኖም ርጉጽ እዩ። ኣብኡ ክሽመሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብህዝቢ ውን ክፍንፈኑ እዮም።

እቲ ኣውራ ዘዛርብን ኩልና ክንሓስበሉ ዝግበኣናን ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ሎሚ፥ ህዝቢ አርትራ በዚ ናይ ተቓዋማይን ደጋፋይን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ኣሎ። እቲ ተቓዋሚ እውን ኣብ ንሓድሕዱ ስኒትን ምትእምማንን ኣብ ዘይብሉ  ዘለናሉ እዋን ትዕድልቲ  ናይ ህዝብናን ሃገርናን እንታይ ከኸውን ወይ ከመይ ክመስል እዩ ዝያዳ ከሕስበና’ዩ ዝግባእ። ኢሰያስ እንተስ ብሞት ወይ እዋን ዕምሪ ስልጣኑ ኣብቂዑ ዝውገደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ግን ንሕና ኤርትራውያን ከብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝረኸብናዮ ኣደራዕ ብጠባሪ መልሓስን፥ ንሕና እምበር ካልኦት ኣየገድስን ካብ ዝብል ሓሳብ ክንወጽእ ኣሎና። ካልኣይ ነጥቢ፡  እቲ ንኹልና ዘርበሓናን፥ ቀሲንና እንነብረሉ ውሑስ ሃለዋትን መሰል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝሕለወሉን ኣገባብ ከመይ ገርና ነጣጥሕ ኣሎና ዝብል ክንሰርሓሉ ኣሎና።

ኣብ ከምዚ ዝተፈላለናሉ እዋን፥ እቲ  ደሓር ዝመጽእ ኣብ ቅድሚት ሰሪዒና ክንዋገ እንተዀና  ግጉይን ኣሉታዊ ውጽኢትን እዩ ከስዕበልና። እዚ መድረኽ እዚ መድረኽ ምክእኣልን ምጽውዋርን፥ ንኩነታት ብግቡእ ምርዳእን ብኡ መሰረት ድማ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣተሓሳስባን ግብሪ ዝስነዮ ኣገባብን ክንክተል  እዩ  ዝዕድመና። ንሱ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ "ሓሸውየ ውድባት ኣየድልን፡ ክኣቱ ዝደሊ ይእቶ" ክበሃል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ውሳኔን  ንሓቢርካን ተኸባቢርካን ዘናብር ናይ ስልጣን ምምቕራሕን  ስነ-ሓሳብ ክንውንን የድሊ። እዚ ማለት፥ ካብ  ዓሌታውን ብሄራውን ስምዒታትን መንነትን  ነቒልና፥  ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ክንብል ሃይማኖት፡ ቋንቋን ስነ-ሓሳብን ከም መሳርሒ ንናይ ስልጣን ምጭባጥ ክንጥቀም ኣይግባእን።  

ኢሰያስ  ይሙት ይሃሉ ነቲ ፍቕሪ ሃገርን  ሃገራውነትን፥ ሕውነትን ምክብባርን  ዝደምሰሰ ምልካዊ ኣተሓሳስባ  ወጊድ ኢልና፥ ኣብ ክንድኡ ንህዝብና ዘሳኒ ቅኑዕ መሕደራ ክንትክኦ ኣሎና። እዚ ምስ እንገብር፥ ሃገርና ብሓባር ክንሃንጽ ዝዕላምኡ ሓሳብ ክነኻዕብትን ፍትሓውያንን  ሕጋውያንን  ካብ ምዃን ሕጂ ውን ኣይንተሃመል። ካብ ኩሉ ድማ ንሕና ናጻ ኣውጺእናያ፡ ንሕና ድማ ነዚ መላኺ ስርዓት ባሕጒግና ደርቢናዮ፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ወጺእና ንሶምዶ ንሕና፡ ዝብል ንጎንኒ ኣቐሚጥና ዝድግፍን ዝቃወምን ዝነበረ፥ ሓቢርና ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ክንሃንጽ  ናይ ኩልና ሓባራዊ ዕማም ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

እወ! ናይ ኢሰያስ ሎሚ ዲዩ  ጽባሕ ሞት ወይ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ዘይተርፍ እዩ። ግንከ ከምቲ "ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም" ዝበሃል ንሱ ጥራይ የልግሰልና ኢልና ክንቀስን ኣይግባእን።  ምኽንያቱ ኩልና ኣብ ትሕቲ ብልሹው ምምሕዳርን ጨቋንን መላኽን ስርዓት እንመሓደር ዝነበርና ብምዃንና፡ ካብቲ ዝነበረ ግፍዕን በደል ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰልን ዝወልዶ ምጥርጣራትን ዘይምትእማን ክህሉ እዩ። ነዚ ንምፍዋስ ወይ እውን ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት ዝፈጸሞ  ዘናግፍ ፍኖተ ካርታ (መርሃ-ገበይ) ኣብ ኣእምሮና ክንቀርጽ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ኢሰያስ ሞይቱ እንደገና ተንሲኡ  እናበልና፡ ኣብ ንሓድሕድና ዘጠራጠርን ምትእምማን ዘስእንን ምፍልላያት ደው ክነብሎ ኣሎና። ካብዚ ብተወስኺ፡ ነቲ ጽባሕ ዝፍጠር  ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ዝጎደሎ ኣካይዳ ምስ እንጎዓዝ ካብቲ መላኺ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ልዕሊኡ  ክንገፍዕን ክንጭቁንን ኢና ማለት እዩ።

Last modified on Thursday, 30 April 2020 08:42