Print this page

ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ! ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

2020-04-05 18:56:22 Written by    ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1635 times
Rate this item
(0 votes)

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብዘይተሓስበ ቅልጣፈ ተላቢዑ ዘሎ፣ ብኮቪድ19 ዝፍለጥ ሕማም፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ሂወት ደቂሰባት ኣውሪዲዎ ዘሎ ቅዝፈትን ኣብ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሃገራት ኣስዒብዎ ዘሎ ክሳራታታትን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ጸባብ ቁሸት ተሳጊራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ክፍለዓለም ናብ ክፍለዓለም ብዘሰንብድ ፍጥነት ብምልባዑ፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ን203 ሃገራትን ግዝኣታትን ዓለም ለቢዱ፡ 42,528 ህይወት ከኣ ወሲዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ክቡር ህዝብና በዚ መልእኽቲ’ዚ ኣቢልና፣ ኩነታትካ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ኣውዲቑና ምህላዉ ብምሕባር፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምብዳህ ዝከኣለና ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልካ። 

ሃገርና ኤርትራውን፡ ከም ኩለን ሃገራት፡ ካብዚ ሕማቕ ማዕበል' ከተምልጥ ኣይኮነትን። ብዛዕባ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ቁጽሪ ዜጋታት ድሮ 15 በጺሑ ኣሎ። እዚ ቁጽሪ' ክሳብ ሕጂ ብመርመራ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ግን ካብኡ ዝበዝሐ ክኸውን ከምዝኽእል፣ ካብ ተርእዮ ናይ’ተን በዚ መድረኽ ዝሓለፋ ሃገራት ክግመት ይከኣል ኢዩ። ኣብ መጻኢ እዋን እናሰፍሐ ከምዝኸይድ'ውን ባህሪ ናይዚ ሕማም' ዝሕብሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ቁጠባዊን ተክኖሎጅያዊን ምዕባሌ ሃገረ ኤርትራ ትሑት ብምዃኑ፡ ዘመናዊ ናይ ኢንተርነትን ናይ ተለፎንን መራኸቢታት ኣጸቢቑ ድኹም ኢዩ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታት ንምምሕልላፍን ስሉጥ ረዲኤት ንምርካብን ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ዜጋታት ብብዝሒ ዝእከብሉን ዝነብርሉን፡ ከም ናይ ትምህርትን መዓለሚን መደበር ሳዋን፡ ብኣማእታት ዝቁጸሩ ኣብያተ ማእሰርትን፡ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ19  ዝተቓልዑ ቦታታት እዮም። መነባብሮ ሰራዊትን "ሃገራዊ ኣገልግሎትን" እውን ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ሕማም' ዝተሳጥሐ ኢዩ። 

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይዝርጋሕ ንምዕጋት ዝሕግዙ፡ ከም ሳሙና፡ ጓንቲ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝኣመስሉ ኣገደስቲ ናይ ጽርየት ሃለኽቲ ኣቕሑ ኣብ ዕደጋ ኣይርከቡን። ኣይግበሮ'ምበር እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሃገርና እንተተዘርጊሑ ንምግጣሙ ዘድሊ ዓቐንን ዓይነትን ናይ ሰብን መሳርሒታትን ዓቕሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ  

እቲ ለበዳ ከየሰፋሕፍሕ ንምክልኻል ክውሰድ ዝግባእ ተበግሶታት ዝያዳ ክብርትዕ ኣለዎ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ኣብ እንተታት ዝምርኰስ ሳዕቤናት ንምብዳህ ድማ ዘድሊ ምቅርራባት ኣቐዲሙ ክማላእ ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት፦   

  • ካብዚ ተላባዒ ሕማም ገንዘባዊ መኽሰብ ንምርካብን፡ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ሃለዋት ንምግጣም ዘርእዮ ተወፋይነት ንምምዝማዝን፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ወፈራ፡ ህዝብና ሕጂውን ከይግራህን፡ ክጥንቀቕን፡ እናተሓሳሰብና፡ ማዕረ ሓደጋ ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምንቅስቓስ ጥራሕ ከካይድ ነተባብዕ፤
  • እዚ ንእሱራትን ኣሰርቶምን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኤርትራውያን እሱራት ብቐጥታ ዘንጸልላዎም ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ፡ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፡ ኣብ ሳዋን ግዴታዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ተለቒቆም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ቃልስታት ክካየድ ንጽውዕ፤
  • ኣብ ባንክታት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከተውጽኡ ኣይትኽእሉን ብማለት ተኣሲሩ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራውያን፡ ብመሰረት ድሌት ዋናታቱ ክፍታሕ፣ ናይ ወርቂ፡ ናይ ፖታሽ፡ ናይ ወደባት እቶት፡ ከምኡውን ካብ ሃገራት ዓረብ ብሚልዮናት ዝተለገሰ ሓገዛት፡ ናብ ምክልኻል ናይዚ ተላባዒ ሕማም ንኽውዕል ህዝብን ሰራዊትን ተጽዕኖታቱ ከበርትዕ ንጠልብ፤
  • ናይ ጥዕና ክኢላታትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውህሃድ፡ ነቲ ለበዳ ክከታተሉን ክቆጻጸሩን ዘኽእል ባይታ ከንጽፉ፡ ነዚ ሕማም ብዝምልከት ጽዑቕ ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልዉን ከተግብርዎን፡ ከምኡውን ሓባራዊ ናይ ህጹጽ መኸተ ወፍሪ ከካይዱ ንጽውዕ፤
  • ሓካይምን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ነቲ እንተታት ብትብዓት ንምብዳህ ዘድልዮም ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብቲ ዝለዓለ መከላኸልን መሳርሕን ኣቐዲሙ ንኽዳሎ መደባት ብምስራዕ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ክነጥፉሉ ነተባብዕ። ኣብ ተሞክሮ ሃገራት ይረአ ከምዘሎ፡ ነዚ ለበዳ' ንምግጣም ዝሓተት ዓቕምን ሃብትን ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ክኢላታት፡ እምነቶምን ፖሊቲካዊ ዝንባሌታቶምን ብዘየገድስ፡ ክተሓባበሩን ተሞክሮ ክለዋወጡን ነተባብዕ፤

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፡ እዚ ተላባዒ ሕማም ክሳብ ክንደይ ኣሰንባዲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ማዕሪኡ ከኣ ህዝብና፡ ዝግባኦ ጥንቃቐታት ከዘውትር እናጸዋዕና፡  ክቡር ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ሓደጋታታት ናይዚ ለበዳ፡ ነዚውን ከም’ቶም ኣቐዲምካ ዝገጠምካዮም ሽግራት፡ ብሓድነት፡ ብትብዓትን ተወፋይነትን፡ ክትሰግሮ ከም ዝኾንካ ንተኣማመን ኢና። ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ጐድንኻ ምህላውና ድማ ነረጋግጸልካ።

እዚ ዶባትን ደረታትን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናውን ብብርቱዕ ሻቕሎት ከቢብዎ ከምዘሎ እናተገንዘብና፡ ነዚ ጽንኩር ኩነታት፡ ብጽንዓት፡ ሓድነቱ ኣትሪሩን ጥንቃቐ ተሓንጊጡን ከም  ዝምክቶ እምነትና እዩ። ብወገንና ከኣ ንኩሎም እቶም ስደተኛታትና ኣዕቊቦም ዘለዉ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣድላዪ ቆላሕታን ምክልኻልን ንከበርክቱ፡ ኩሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከም እነካይድ ነረጋግጽ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ!

ኤርትራ ብነጻነታ ተኸቢራ ንዘልኣለም ትንበር!

 

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)                                
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)                      
  4. ውድብ ሓድነት ሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)   
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) 

 

Last modified on Sunday, 05 April 2020 21:02