ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ
ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ
ቅዳሕ፡-
ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት
ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት
31 መጋቢት 2020
ጉዳይ፡-
ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ
ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ
ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም
ንሕና፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምዃኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።
ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ፣
እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና ቫይሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን፣ ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባን፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንዓና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን።
ብእምነትና፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ፣ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታዊ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።
ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ፣ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።
በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘይሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላት፣ ብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።
ብምዃኑ እምበኣር “ኮቪድ-19” ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-
ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ
ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።
ኣኽበርትኹም፡-
(ኣቦ-መንበራት፣