Print this page

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

2020-03-07 11:45:35 Written by  ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1801 times
Rate this item
(0 votes)

8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ካብ 25 ክሳብ 28 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ተሰላሲሉ፡፡ ውድባዊ ጉባኤና ኣብ ፍሉይ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያዊ ኩነታት ብሓፈሻ፡ ሃገራዊ ኩነታት ድማ ብፍላይ ተኻይዱ። ኣብ ሞንጎ ልዕለ ሓያላን መንግስታት ዓለምና ዝካየድ ውድድርን ምንሕናሕን፡ ካብ'ቲ ዝረሓቐ ናብ ከባቢና ቀሪቡ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘዕርፎ ዘሎ ጽልዋ፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ። ኣሉታዊ ጽልዉኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን መጻኢ ዕድልናን፡ በብእዋኑ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ። ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሕኡ ከማልእን ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ከናውሕ፡ በብእዋኑ ናይ ዞባ ማ/ምብራቕ ጎይቶት እናቐያየረ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ የመን ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ቂምን ቅርሕንትን ዝኣጉድ ተግባራት ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን እዩ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ፡ ካባ ናጽነትን ልዑላውነትን ተጎልቢቡ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ናብ ሓደጋ ብርሰት ከሳጥሖም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ጽባሕ ''ስምምዕ ሰላም'' ጀሚሩ ግን፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ፌደራልን ካልኦት ሓይልታት ትምክሕቲ ኢትዮጵያን ተሻሪኹ፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘሳጥሓሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኩነታት ዓለምና፣ ዞባና፣ ከባቢና ብሓፈሻ፡ ኩነታት ሃገርና ድማ ብፍላይ ከመይ እናበለ ከም ዝመጸ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ገምገመ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ህሉው ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ቁጠባውን ንግዳውን፣ ኣብ ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዓለምና ዝተራእዩ ለውጥታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ከባቢና ድማ ብፍላይ ጽልውኡ ረኣየ፤ ልዕልነት ኣሜሪካ ዳግም ንምሕዳስ ዝዓለመ ወፈራ ፈጢሩዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ብስፍሓት ፈተሸ። ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ከባቢኡን ዝነበራ ልዕልነት ዳግም ንምምላስ ክትብል፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ዘበነ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን ዝሓዘቶ ጎባጥን ዓምጻጽን ፖሊሲ፡ ብኻልእ መልክዕ ክትፍጽም ትደናደን ከምዘላ ዘመላኽት ተርእዮታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ኣስተውዓለ። ምስ'ዛ ልዕለ ሓያል ሃገር'ዚኣ ተሻሪኸን፡ ሃገራዊ ጽልወአን ከዕርፋን ረብሓታተን ከማልኣን ዝደልያ፡ ሓደ-ሓደ መንግስታት ኣዕራብ ድማ፡ ምስ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ተማሓዝየን፡ ዘካይደኦ ዘለዋ ጽዑቕ ምንቅስቓስ፡ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ከባቢና ብዝኸፍአ ዘጋድድ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኣብ ክሊ ብዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብታትና ድማ ብፍላይ፡ ዘዕርፎ ኣሉታዊ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ጉባኤ ተገንዚቡ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኩነታት ስርዓተ ምሕደራ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ፈተሸ። እዚ ዕሉል ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ውልቀ መላኺ፡ ጭርሖ ናጽነትን ልዑላውነት ኤርትራ ተጎልቢቡ፡ ንሕቶ ዶብ ኣመሳሚሱ፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውረዶ፡ ፖሎቲካዊ ዓፈና፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም፣ ምዝራግ ሰላምን ጸጥታን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ክብሪ ህዝብታትና ዘዋርድ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎነት፡ ከም ሳዕቤኑ ዝተራእየ ሰፊሕ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ካብ ሓደ ብናጽነታዊ ተጋድሎና ናብ ስልጣን ዝሓኾረ፡ ሃገር የማሓድር ኣሎኹ ዝብል መራሒ ፈጺሙ ትጽቢት ዘይግበረሉ፡ ካብ'ቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእትና ዝኸፍአ ስርዓተ ምሕደራ ኣተኣታትዩ፡ ህዝብታትና ኣብ ገዛእ'ታ ብጅግንነታዊ ተጋድሎኦምን መስዋእቶምን ናጻ ዝገበሩዋ ሃገሮም ተሾቕሪሮም ርእሶም ኣድኒኖም ክነብሩ ከምዘገደዶም ገምገመ። እዚ ዘይተኣደነ ኣደራዕ ጭቆና'ዚ፡ ክወቕዖ ዝተዋደደ ናይ መወዳእታ ዕላማ ከምዝነበሮ፡ ካብ ጽባሕ ''ስምምዕ ሰላም'' ጀሚሩ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ እናበርሀ ከምዝመጸ ኣረጋገጸ።

ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት፡ ''ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ከይተመልከተ፡ ዘተ ዝባሃል ዘይሕሰብ እዩ'' ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውረዶ፡ ብቃል ክትገልጾ ዝኸብድ ኩሉ-መዳያዊ ዕንወት፡ ርእሱ ኣቕኒዑ ዓገብ ክብል ዝኽእል ዓቕምን ሞራልን ዘለዎ ህዝቢ ከይህሉ ብምግባር፡ ኣብ ጽባሕ ''ስምምዕ ሰላም''፡ ኣብ ሃዋሳን ኣዲስ ኣበባን፡ ኣብ መድረኽ ደይቡ፡ ''ኣይከሰርናን፤ ብዘይ ቃል-ዓለም ንስኻ ክትመርሓና ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ'' ብምባል፡ ጥልመት ጎሲዑ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ዝገበሮ ዑደት፡ ''ሰለስተ ወለዶ ብዘይ ምኽንያት ተራሓሒቕና ጸኒሕና፤ ሰለስተ ወለዶ ከሲርና. . '' ብምባል መዲሩ፤ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ምስ ጋዜጠኛታቱ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ድማ፡ ''. . . ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣማዕዲና ንርእዮ ኣይኮነን፤ ይምልከተና እዩ፤ እዚ ጸቢብ ነዳይ ጃንዳ ወያነ ዕንቅፋት ምፍጣሩ ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ጎድኒ ፌደራል መንግስቲ ደው ኢልና ደገፍ ክንህብ ግድን እዩ''፤ ''እቲ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ከይተጓሓፈ ምርጫ ኣብ እዋኑ ዘየካየድና ምባል ትርጉም የብሉን''፤ . . ወዘተ ብምባል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ብቕሉዕ ኢዱ ከእቱ ምዃኑ ምግላጹ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ዘለዎ ትርጉም ድማ ብፍላይ፡ ብዕምቆት ፈተሸ። እቶም ዶብ ሃገር ምክልኻል ይኹን፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ብዘየማትእ ምምልካት፡ ኣካል ኣምሳል ምውሓስ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዃኑ ኣሚኖም፡ ዝተዋግኡ፡ ሂወቶም ዝሰኣኑ፣ ኣካሎም ዝጎደሉን ኩሉ መዳያዊ ዓቕሞም ዘበርከቱን ህዝብታትና፡ ትጽቢቶም ንጎድኒ ጎስዩ፡ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ዝሕለቐሉ ምዃኑ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ብሰንኪ ናይ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ቅሉዕ ናይ ጥልመት መርገጺ፡ ድጉል ሕልሞም ነብሲ ክዘርእ ዝተዓዘቡ፡ ብነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎና ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ሓይልታት ትምክሕትን ሓደስቲ ሰዓብቶምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት፡ ቀንዲ መማኽርቲ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ኮይኖም፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ዝዳፍኡ ዝተፈላለዩ ስልትታት እናሓንጸጹ ተግባራዊ ክገብሩ ይረኣዩ ምህላዎም ገምገመ። ስለዝኾነ'ውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዝጸንሐ ሓደጋ ብርሰት፡ ብዝኸፍአ መልክዑ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ናብ ዘውድቕ ደረጃ ተሰጋጊሩ ምህላዉ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ኣረጋገጸ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ውጹዓት ህዝብታትና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ይኣክል ዝብል ሃገራዊ ጭርሖ ክብ ኣቢሎም፡ ብዝላዓለ ናህርን ቁጠዐን ክላዓሉ ዝደፍኦም፡ እዚ ስርዓት'ዚ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ ከውረደሎም ዝጸንሐ ኩሉ መዳይ ኣደራዕ ጥራሕ ከይተደረተ፡ ነታ ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩዋ ሃገራዊ ናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ከንቁራ ይደናደን ምህላዉ ብምግንዛቦም ምዃኑ ኣስተውዓለ። ስለዝኾነ'ውን ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ህጹጽ ገድላዊ ዕማምና፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብምፍሻል፡ ቀጻልነትን ድሕንነትን ሃገርናን ህዝብታትናን ምርግጋጽ ምዃኑ ኣስመረሉ። ኩሉ ዓቕምታት ህዝብታትናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን፡ ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ከቕንዕ ከምዘለዎ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ኣስሚሩሉ ሓለፈ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና ልዑል ቱኽረት ሂቡ ዝዘተየሉ፡ ኩነታት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ በብእዋኑ ብዝፍብርኾም ናይ ግዳም ኣጀንዳታትን ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ስልቲታትን ምኽንያት፡ ህዝብታትና ሰፍ ዘይብል ኣደራዕ ኢሳያሳዊ ጭቆና ተጻዒኑዎም እንከሎ፡ ኣቓልቦኦም ናብ ግዳም ብምትኳሩ፡ ንፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ምንባሩ መዚኑ፤ በቲ ካልእ ድማ፡ ኣብ ሞንጎና ዝረኣዩ ዝነበሩ ካልኣዊ ፍልልያት፡ ብልዙብን ዲሞክራስያውን መንገዲ ኣብ ምፍታሕ፡ ዘርኣናዮም ሕጽረታት፡ ኣደዳ ምፍንጫል ስለዘቃልዑና፡ ሕቡኣት ኣጻፍር ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ነዚ ድኹም ጎድኒ'ዚ መዝሚዘን፡ ጥጡሕ መወሳወሲ ረኺበን ምጽነሐን ተገንዘበ። ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ጽንኩር መድረኽ ስንና ነኺስና ምቅላስና፡ ነዚ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ተወሊዑ ዘሎ፡ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ናይ ባዕላትና ኣወንታዊ ተራ ከምዝተጻወትና ዘይከሓድ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ዘርኣናዮ ድኽመት፡ ኣብ ህዝብታትና ኣዕሪፉዎ ዝጸንሐ ቁስሊ፡ ተበለጽቲ ጉጅለታትን ሕቡኣት ልኡኻት ኢሳያስን፡ ክብለጹሉን፡ ንናይ ህዝብታትና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ እጃምና ከይንጻወት፡ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዕንቅፋታት ከምዘጋጠመና ገምገመ። ስለዝኾነ'ውን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ሕሉፍ ድኽመታትና ነቒስና ብምውጻእ፡ ጀሚርናዮ ዘለና ምቅርራብ ብዝያዳ ብምጥንኻር፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብህጹጽ ንምዕጻፍ፡ ኣብ ጎድኒ ናይ ህዝብታትና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ደው ብምባል፡ መሪሕ ተራና እንጻወተሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ ከነካይድ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ጸወዐ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰደግኤ፡ ብሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና፡ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዘንጸላልዉ ዘለዉ ሓደጋታት ብዝርዝርን ብስፍሓትን ዝፈተሸ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ልዑላውነትናን ናጽነትናን ብዘተኣማምን ዓቂብና፡ መጻኢና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምስግጋር ዘለዉና ጽቡቓት ዕድላት ብሰፊሑ ዳህሲሱ እዩ። 8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሓደጋ ናይ ምዕጻፍ ዓቕምና፡ ብቐንዱ ህዝብታትና ኣብ ሃገራዊ ናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ካብ ዘለዎም ነቕ ዘይብል መርገጺ ዝብገስ ምዃኑ ኣቐመጠ። ናይ'ዚ ጭቡጥ ምስክር ድማ፡ እቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት፡ ብገባቲ ኢሳያስን ጉጅልኡን ክወርዶም ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብሉ በደል ተጻዊሮሞ'ኳ እንተጸንሑ፡ ናይ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ናይ ጥልመት መደረ ምስ ተኸታተሉ ግን፡ ዘስመዑዎ መሪር ተቓውሞን ቁጠዐን ይኹን፡ ወሊዖሞ ዘሎዉ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ናይ'ዚ ግብራዊ መግለጺ ምዃኑ ኣረጋገጸ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ እዚ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያን ፌደራል ሓይልታትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ ብፍላይ፡ ዘንጸላለወ ሓደጋ ምዃኑ፡ ብንጹር ኣስተውዓለ። ኣብ ውሽጢ ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኢህወደግ) ዝማዕበለ ሕመቕ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ምፍራስ ዘብጸሖ መስርሕ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐልቀለ ፖሎቲካዊ ቅልውላው እናባኣሰ፡ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ፡ ንጎረባብቲ ዝኾና ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ እናኾነ ምምጽኡ፡ ንኹሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ህሉው ኩነታት፡ ብክልተ ገጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘዕርፍ ምዃኑ ረኣየ። ብሓደ ገጽ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ከም ዝምልከቶ ብምግላጽ፡ ንፌደራላውን ሕገ መንግስታውን ስርዓት ኢትዮጵያ ከፍርስ እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ትግራይ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ክደሃኹ ከምዘለዎ ኣሚኑ፡ ሓገዝ ከበርክት ድሉው ምህላዉ ዘረጋገጸሉ እዋን እዩ። ብተወሳኺ፡ ምስ ኩሎም ሓይልታት ትምክሕቲ ኢትዮጵያ ተዋሃሂዱ፡ ናይ ሃገርና ናጽነትን ልዑላውነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዶ ተዳልዩ ምህላዉ ካብ ዘመሓላለፎም መልእኽታት ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ፌደራል ይኹኑ፡ ነባራት ተረፍ መረፍ ሓይልታት ትምክሕትን ሓደስቲ ሰዓብቶምን፡ ንፌደራላውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣፍሪሶም፡ መሰል ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ኢትዮጵያ ምጉዕጻጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ብምግባር፡ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርእዩ ዝሓልሙ፡ ብተግባር ድማ ተዋፊሮም ዘለዉ እዮም። ናይ ዓለምና ጎባልል ሊበራል ሓይልታትን መሓዙቶም ሓደ-ሓደ ናይ ኣዕራብ መንግስታትን ድማ፡ ብኹሉ ዓቕሞም ዝደጋገፉሉ እዋን እዩ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን፡ ብቐዳምነት ሃገራዊ ናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ንምክልኻልን ንምውሓስን ሓያል ግጥም ከካይዱ ኣብ ዝተገደዱሉ እዋን እዮም። ህዝብታት ኢትዮጵያን ፌደራል ሓይልታትን ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ ብፍላይ፡ ብቓልሶም ዝሃነጹዎ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓቶምን ሕገ መንግስቶምን ካብ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንምድሓን፡ ኣብ ሓያል መኸተ ተጸሚዶም ይርከቡ። ስለዝኾነ'ውን ክልቲኦም ሽነኻት፡ ምእንቲ ነናይ ባዕላቶም ድሕንነትን ቀጻልነትን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕማም፡ ኣብ ሓደ ግንባር ደው ኢሎም ዝርከቡሉ እዋን ምህላዎም ዘየካትዕ ሓቂ ኮይኑ ምህላዉ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ተገንዘበ። በዚ ምኽንያት፡ ህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ልዑላውነቶምን ናጽነቶምን ንምክልኻልን ንምውሓስን፡ ኣብ ዘካይዱዎ ሓያል ግጥም፡ ንበይኖም ከምዘይኮኑ ተገንዚቦም፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዓት ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያን ፌደራል ሓይልታትን ብሓፈሻ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ ብፍላይ ተወሃሂዶም፡ ክቃለሱ ከምዘለዎም 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰደግኤ ኣጽንኦት ሂቡ ኣዘኻኸረ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ክድዓት ኣንፈት፣ ናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታው፣ ናይ ህዝብታትና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ፣ ኩነታት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ውድብና ሰደግኤ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ክኽተሎም ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት ድማ ብፍላይ፡ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ተመልኪቱዎ እዩ፡፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣንጸላልዩዎም ካብ ዝጸንሐ ሓደጋ ብርሰት ዝባኣሰ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ናይ ህዝብታትና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዝበለጸ ዘጠናኽር፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ዘራኽቡዎ ዕላማታት ተቐራሪቡ ክቃለስ ዘብቅዖ፡ ኣብ ሞንጎና ዘለዉ ናይ ርሑቕ ዕላማታት ኣፈላላይ፡ ንእዋናዊ ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮና ዕንቅፋት ብዘይፈጥሩሉ ኣገባብ ክማሓደሩ፡ ብሙሉእ ዕግበት ከምዝቕበሎ ኣረጋገጸ። ናብ'ዚ ደረጃ'ዚ ንምብጻሕ ድማ፡ ኣብ ክሊ'ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ሒዙዎ ዝጸንሐ ቅኑዕ ኣንፈት፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት፡ እጃሙ ከበርክት ወሲኑ ኣሎ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና ብቱኽረት ዝረኣዮ ዓብይ ኣርእስቲ፡ ህሉው ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያ እዩ። ብሰንኪ ጨካን ስርዓተ ምሕደራ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ህዝብታትና ኣብ ገዛእ ሃገሮም ቀሲኖም፣ ሰላም ረኺቦም፣ ናብርኦም እናማሓየሹ ክነብሩላ ዘይክእሉ፡ ምድረ-ሲኦል ኮይናቶም ብምህላዋ፡ ዋሕዚ ስደት ብቓፍላያት ይቕጽል ምህላዉ ተመልከተ። ስዱዳት ወገናትና ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ኩሉ ዓይነት ጸገም ብሓፈሻ፡ ኣብ ምድረ-በዳታት፣ ኣብ ቤት ማእርቲ ሊብያ፣ ሂወት ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ተመልከተ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ በብእዋኑ ዝቕዘፉ ኤርትራውያን፡ ኣስከሬኖም ኣብ መሬት ዓዶም ሓመድ ድበ ዝለብሰሉ ዕድል ከይፍጠር፡ በዚ ሰይጣናዊ ስርዓት'ዚ ተሓሪሙዎም ምጽንሑ፡ ናይ'ቲ ኣብ ህዝብታትና እናወረደ ዝመጸ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ ገለጸ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ከም ስደተኛታት ክነብሩ ዝጸንሑ ወገናትና፡ ክረኽቡዎ ዝጸንሑ ሕውነታዊ ሓልዮትን ክንክንን ከምኡ'ውን ንተማሃሮና ዝወሃብ ናይ ዩኒቨርስቲ ዕድል፡ ወትሩ ብኣድናቖት ዝርእዮን ዘሞጉሶን ምዃኑ ኣረጋገጸ። ይኹን'ምበር ካብ ጽባሕ ''ስምምዕ ሰላም''፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ነባራት ስደተኛታትና፡ ክወርድ ዝጀመረ ጸገም ዳህሰሰ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መዓስከራት ትግራይ ሰፊሮም ዘለዉ ነባራት ስደተኛታት ይኹን ሓደስቲ ዝሰግሩ ወገናትና፡ ዝተፈላለዩ ሸርሕታት ይፍጸም ምህላዉ ርእዩ። እቶም ኣብ ካምፕታት ሰፊሮም ዘለዉ ሕጋውያን ስደተኛታት፡ ተረጋጊኦም ከይነብሩን ንምብታኖምን ዝዓለመ ስልቲታት ክእለም እንከሎ፡ ንሓደስቲ ዝሰግሩ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምምሃዝ፡ መሰል ስደተኛ ከይረኽቡ ኮነ ኢልካ ይስራሕ ምህላዉ ተገንዘበ። 8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ እቶም ኣቐዲሞም ሰጊሮም ከም ስደተኛታት ተመዝጊቦም ዝጸንሑ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝዝንቢ ዘሎ ሸርሕታት፡ ኣብ ክሊ ናይ ስደተኛታት መሰል ተሞርኲሶም፡ ብትብዓትን ብዝተወደበን ኣገባብን ክምክቱዎን ክቃለሱዎን ኣዘኻኸረ። ሓደስቲ ክሰግሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ድማ፡ ክልቲኦም መራሕቲ መንግስታት ናይ ዝበጽሑዎ ምስጢራዊ ስምምዕ ግዳይ ከይኾኑ፡ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሰበ። ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ትካላትን፡ ጸገማት ህዝብታት ኤርትራ ዘተሓሳስቦም መንግስታትን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝእለም ዘሎ ውዲትን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባራትን፡ ናብ ዝኸፍአ ጥርዚ ከይደየበ እንከሎ፡ ዓገብ ክብሉን ክጣበቑሎምን ጸወዐ። ኩላትና ፖሎቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ተሰማዕቲ ውልቀ ሰባት ኤርትራውያን . . ወዘተ፡ ንጉዳይ ስደተኛታትና ኣብ ኢትዮጵያ ቱኽረት ሂብና ክንቃለሰሉ፡ ጥርዓናትና ከነስምዕን፡ 8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰደግኤ ጸዊዑ።

8ይ-ውድባዊ ጉባኤና፡ ብማ/ሽማግለ ዝቐረበሉ ናይ ሰለስተ ዓመታት ጸብጻብ ስራሓት ሰሚዑ ገምገመ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘመዝገብናዮም ኣወንታዊ ጎድኒታት ብምንኣድ፡ ዓቂብና ንምምዕባሎም ክንዓዪ፡ ዝተራእዩ ሕጽረታት ድማ፡ ትምህርቲ ተሓፊሱሎም ንመጻኢ ከይድገሙ ኣተሓሳሰበ። በብኸባቢኡ ክትዕ እናተኻየደሎም ዝጸንሑ ንድፍታት ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮን ሕገ ህንጻን ተመያይጡ፡ ዝእረሙን ዝማሓየሹን ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብምንጻር፡ ኣብ መወዳእታ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽደቐ፤ ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ምስ ሓድሽ ኩነታት እናተኣሳሰረ፡ ምስ ኩሎም መሓዙት ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ብዘተ ከማዕብሎም ዝኽእል ሓፈሻዊ ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን መርሆታት ሓንጸጸ፡፡ ጉባኤተኛ፡ ካብ ብቑዓትን ዝሓሸ ተሞኩሮን ዓቕምን ኣሎዎም ኢሉ ዝሓጸዮም ኣባላት፡ ንመጻኢ 4 ዓመታት፡ ውድብ ዝመርሑ ሙሉኣትን ተጠባበቕትን ኣባላት ማ/ሽማግለ፡ ብምስጢራዊ ኣደማምጻ፡ መረጸ። ኣብ መደምደምታ፡ ኣባላትናን ደገፍትናን፡ ንውጽኢት 8ይ-ውድባዊ ጉባኤና ብዕምቆት ተገንዚቦም፡ ኣብ ምዕዋቶም ክነጥፉ፡ መጸዋዕታ ብምትሕልላፍ ዛዘመ።

  • ፖሎቲካዊ ውሳኔታት 8ይ-ውድባዊ ጉባኤና ንምዕዋት ንቃለስ!!
  • ኩሉ ዓቕምታት ህዝብታትናን ፖሎቲካዊ ሓይልታትናን፡

ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ንምክልኻልን ንምውሓስን ይኽተት!!

  • ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

8ይ-ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ለካቲት 28 - 2020 ዓ.ም.

Last modified on Saturday, 07 March 2020 12:47