Print this page

ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ መራሒ

2020-02-24 04:51:04 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1759 times
Rate this item
(0 votes)

ኩልና ከም እንፈልጦ፥ ብዙሕ ዓይነት መንግስቲ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ዓይነታት መንግስቲ ድማ ኣብ ኣገባብ ኣመጻጽኣኡን ኣመሓድራኡን ዘፈላለ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ንኽሓጽረና ምእንቲ ኣብ ክልተ መቒልና እንተረኣናዮ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሱ ድማ ብህዝቢ ዝተመርጸን፥ ብኢደወነኑ መንግስትነት ዝሓዘን ኢልና ክንከፍሎ ንኽእል።

በቲ ህዝቢ ኣሚኑ ዘጽደቖ ወይ ዝሓንጸጾ ቅዋም መሰረት፡ ኣብ ምዱብ ግዜ ምርጫ ብምክያድ ዝምረጽ መንግስቲ ብባህሪኡ ኣገልጋሊ ህዝቢ እዩ። በዚ መልክዕ ዝቐውም መንግስቲ ተሓታትነቱ ነቲ ዝመረጾ ህዝቢ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ንሃገር ዝምልከት ውሳኔ ክወስድ ከሎ’ወን በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ ኣቢሉ ይኹን ወይ ህዝባዊ ወኸሳ ብምግባር እዩ ዘሰላስሎ እምበር ብኢደ ወነኑ ክውስን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ብግቡእ ምስዘየካይድ እቲ ህዝቢ ክውርዶ ምሉእ ሓላፍነት ኣለዎ። በዚ ኣገባብ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ነተን ኩንትራቱ ብዘይ ኣድልዎን ፍትሒ ከየጒደለን ንህዝቢ ብማዕረ ዘደላድል መስርሕ ክኽተል እዩ ዝጽዕር።

ልክዕ እዩ ኣብቲ መስርሕ ገለ ገለ ጉድለታት ኣይርከብን ማለት ኣይኮነን። ጉድለታት ክርከብ ንቡር እዩ። እዚ ኣብ ምምሕዳራዊ መስርሕ ዝርከብ ጉድለት በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ ኣቢሉ ቁጽጽር ስለዝግበረሉ፥ ብመሰረት እቲ ቅዋም መቕጻዕቱ ይቕበል። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት ንህዝቢ ዘገልግል፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቱን ጠቕሙን ኣይዛዙን እዩ። ምኽንያቱ ንቀጻሊ ግዜ ንኽምረጽን፥ ስሙ ድማ ንኸይከፍእን ብማለት ኣብ ነፍሱ ሕልናዊ ወቐሳ ዘሕድር እዩ።

እቲ ካብዚ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፍልይ ዝበለ ምልካዊ ስርዓተ መንግስቲ ብመሰረቱ እቲ ቀዳምነታቱ ንናይ ዝናኡን ስልጣኑን እምበር ሓላይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ንረብሓኡን ጠቕሙን እንተዘይኮይኑ ናይ ካልእ ሽግርን፥ ስቓይን ፈጺሙ ኣይግደስን እዩ። ምናልባት ተመሓይሹ እንተተባህለ ነቶም ውሑዳት ዝጥቀመሎም ተማእዘዝቱን ኣምለኽቱን ወይ ኣገልገልቱ ሓለፋታት ይገብር።

ከምዚ ናይ ኢሳያስ ዓይነት ምልኪ፡ ምናልባት ኣብ ዓለም ኣይተራእየን እንተተባህለ ምጋናን ኣይኮነን። ብሓጺሩ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ነታ ሃገር ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ከም ኣብነት ኣስመራ ካልኣይቲ ሮማ (ሰኮንዶ ሮማ ) ትበሃል ከምዘይነበረት ሎሚ ጎዱፍ ኮይና ትሕቲ እተን ብድሕሪኣ ዝጥጥዓ ዘለዋ ሀገራት ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ። ህዝቢ እሞ ከኣ ግደፎ ካብቲ ዝነበሮ ፍልጠትን ምሃዝነትን ሓርኮትኮትን ናብ ደረጃ ተጸባይ ክቕየር ዝተረፎ የብሉን።

መንእሰይ ኤርትራ ይኹን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ሃገር ከምዘይብሉ ዝከላኸለሉን መሰሉ ዝሕልወሉን መንግስቲ ፈጺሙ የብሉን። ስርዓት ኢሳያስ ንመንእሰያት ኤርትራ ክንዲ ሓብሒቡ ዘማዕብሎም ኣደንቊሩ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡሉ እዩ ድሌቱ። ሃገሮም ጠንጢኖማ እንተዘይወጺኦም ውን ስራሕ-ኣልቦ ገይሩ ከም ዝሳቐዩን ባራዩ ኮይኖም ክነብሩ ድሌቱ እዩ ። ነዚ ሽግርን መከራን ኣደራዕን ዓቕሊ ክኢሎም ኣብ ሃገሮም እንተነበሩ ድማ ዘየድሊ ጎንጺ ፈጢሩ ኣብ ኲናት የእትዎም።

ናይዚ ምልክታት እቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፥ እታ ሓዊ መወልዒት ክትኮኖ ዘይተድሊ ጌም ኢዝ ኦቨር (game over) ዝበላ ክሳብ ሕጂ እናሓየኻ፥ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክመልስ ምዃኑ ሓቢሩ። ትርጉም ናይዚ ከኣ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ኣትዩ ውዒሉ ሓዲሩ ህውከት ንምፍጣር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ወያኔ ድማ ጣልቃ ምስ ዝእቱ ኢዱ ክንቆርጻ ኢና፥ ኣብኣ ትደኻ ዝዓይነቱ መደረ ውን ተሰሚዑ። ካብዚ ቃላትዚ ንላዕሊ ኲናት ምእዋጅ ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ ይመስል።

ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ናይ ጥይት ድምጺ ክስማዕ ኣይነፍቕድን። ሎሚ ድምጺ ጥይት ዘይኮነስ ድምጺ ሰላም ዝዝመረሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝወጸ ብይን ዶብ ኣብ ተግባር ክውዕልን፥ ኣብቲ ንኤርትራ ዝተዋህበ መሬት ናይ ኢትዮጵያውያን ምስፋር ከኣ ነቲ ሓዊ በንዚን ምንስናስ እዩ ዘስምዕ። ስለዚ እዚ ብጉዳይ ዶብ ዝለዓል ምትህልላኻት ብሰላም ደው ክብልን ንህይወት መጻኢ መንእሰያት ክልቲኡ ሃገራት ክንሓስብን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ዝጠፍእ እቲ ምስኪን ድኻ መንእሰይ እምበር እቶም ተበለጽትን ስልጣኖም እምበር ጉዳይ ህዝቢ ዘይግድሶም ኣይኮኑን። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘሪጉ ንዘልኣለም ኣብ ተፋነን ዘንብረና መህለቒ ህዝብናን ስለ ዝኸውን ናብ ምርግጋእን ቅሳነትን ዝወስድ መንገዲ ክንሕዝ ይግበኣና።

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 24 February 2020 05:52