Print this page

ቂም፡ ሕነ-ምፍዳይ፡ ምድንጋርን ኢድ ምትእትታውን ዝሕላገቱ ቃለ-መሓትት ፕ/ኢሳያስ ኣፍወርቂ (ሳልሳይ ክፋል)

2020-02-19 10:20:40 Written by  ብብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1966 times
Rate this item
(0 votes)

ፕረሲደንት ንዝገበሮ ሸትሕታሕ መፈወሲ ክምህዝ ፈቲኑ፡-

ብጋዜጠኛታት ኤሪ-ቲቪ ንኢሳያስ ካብ ዝቐርብሉ ሕቶታት ሓደ ከም’ዚ ዝስዕብ ዝብል ነበረ። ክቡር ፕረሲደንት ካብ’ዚ ከይወጻእና ተራ ወይ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ እዋን ሰለስተ ወለዶታት ማለት 80 ዓመታት ከመይ ተንብቦ? ኣብ መጻኢ’ኸ ከመይ’ዩ ክኸውን?

እዚ ሕቶ’ዚ ንምንታይ ኢዩ መጺኡ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና። እዚ ሕቶ’ዚ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ንምቕታል ተባሂሉ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝተመርጸ ሕቶ ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ኣብ እዋን ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ ይኹን ድሕሪኡ ዝፈጸሞ ጌጋታት ወይ ሸታሕታሓት ንምእራም ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ልሙድ ጸላእቲ እናፈጠርካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ፖሊሲኡ ንምትግባር ኢዩ ነይሩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ባህርዳር፡ ኣዋሳን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ኣይከሰርናን፡ ኵሉ ዝኸሰርናዮ መሊስናዮ ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ኣህዛብ ኢዮም ኢሉ ዝሓሰብ እቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ፡ ኣብዪ ወካልየይ ኢኻ፡ ምርሓና ኣነ ከኣ ክኽተለካ ኢየ፡ እዚ ንቐልዓለም ኢለ ዘይኰንኩስ ብልበይ ኢየ ….ወዘተ ክብል ከምዝተሰምዐ ዝዝከር ኢዩ። ብድሕር’ዚ እውን፡ ዕድል ናይ ሰለስተ ወለዶታት ብዘይምኽንያት ኢዩ ባኺኑ ዝብል: ነቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝገበርናዮ ተጋድሎን ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ከም ምብኻን ወይ ዘይምኽኑይ ገይሩ ዝገልጽ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ ጥለመቱ ኣግሂዱልና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ናይ ጥልመት መግለጺታት ምስ ሰምዐ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ፡ ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ናይ’ቲ ስርዓት፡ ነዲሩ ኢዩ ተላዒሉ። ቆፍኡ ከምዝተተንከፈ ንህቢ ይኣክል ኢሉ ተቓውሞኡ ገሊጹ። እቲ ዓው ኢሉ ክዛረብ ዘይክእል ድማ ብልቡ ካብ’ቲ ስርዓት ርሒቑ። ንጌጋታት ናይ ኢሳያስ ክኸላኸል ዝፈተነ ገለ ብጥቕሚ ይኹን ብጽልኢ ናይ ተቓወምቲ ዝተዘርዐ ውሑድ ቍጽሪ ነበረ።

በዚ ኵነታት’ዚ ዝተሰናበደ ፕረሲደንት ኢሳያስ ነቲ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንናይ እንግሊዝ ናይ ምምቕቓል ፖሊሲ ስጊርዎ፣ ናይ ሰውራ ኤርትራ ናይ ቀቢላ ምፍልላይን ናይ ሕድሕድ ውግእን ተመኲርዎ፣ ኣንጻር ደርጊ ዘካየዶ መኸተ ኣትሪርዎ፣ ኣብ ዝሓልፈ 20 ዓመታት ዝኸፍአ ተጻብኦታት (ካብ ህወሓት ማለት’ዩ) መጺእዎ ኢሉ። እዚ ኵሉ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዝሓለፎ ጸገማትን ከም’ቲ ሓዊ ንሓጺን ዘትብዖ ድማ ንሓድነቱ ከምዘደልደሎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ጠንቂ ናይ ሓደጋታትና ኢትዮጵያ ኢያ ነይራ ብምባል፡ ነቲ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣይከሰርናን ወዘተ እናበለ ዝደጋግሞ ዝነበረ ቃል ክዓጽፍ ወይ ንጌጋታቱ ክፍውስ ወይ በቲ ናቱ ኣገላልጻ ከኒናታት ከናዲ ሃሰውሰው ክብል ተራእዩ።

እዚ ብሓደ ሸነኽ ንሸታሕታሑ ንምፍዋስ ዝገበሮ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ጸላኢ እናፈጠረ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኢዩ ፈቲኑ። ኣብኡ ጥራሕ እውን ኣይተሓጽረን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ እዚ ስነ-ሓሳብ ከልግስ ኣለዎ፡ እዚ ውድብ ክዳኸም ኣለዎ …ወዘተ ክሳብ ምባል እውን በጺሑ ኢዩ።

ጸላእቲ ምፍጣርን ኢድ ምትእትታውንን፡-

ኣብ መጻኢ’ ከመይ ክኽውን’ዩ ንዝብል ካልኣይ ኣካል ናይ’ቲ ሕቶ፡ ክምልስ ከሎ ከኣ፡

“እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ርኣዮ። እቲ ምትፍናን ኣብ ኤትኒክ’ዩ። እዚ ከኣ ናብ ዝደቐቐ ምክፍፋል ክሳብ ናብ እንዳታት’ዩ ዝኸይድ። ስለ’ዚ ነቲ ዝመረዘ ፖለቲካን ኣተሓሳስባኡን (ንወያነ ማለቱ ኢዩ) ክትኣልዮ ክትክእል ኣሎካ። ምርጫ ይካየድ ኣይካየድ ዝብል ሕቶ ኣድላዪ ኣይኰነን። ንምትፍናን ዘምርሕ ኢዩ። ኣብ ግዜኡ ይካየድ ኢልካ ምዝራብ ትርጕም የብሉን። ናብ ሓድሽ መገዲ ዝወስደካ ምርጫ ኣብኡ ምስራሕ። ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዝወረሰቶ ባህሊ ክትወጽእ ክትክእል ኣለዋ” ኢሉ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ንወያነ ክገልጽ እንከሎ፡ “…ናይ ኢትዮጵያ ስምዒት ዘይብልካ” ብምባል ካብ ኢትዮጵያውያን ንላዕሊ ኢትዮጵያዊ ክኽወን ፈቲኑ። እዚ ኣብ ክንዲ ኢትዮጵያውያን ኰይኑ፡ ክሳብ ሓድሽ ስርዓት ምምራጽ ዘብጽሖ ድፍረት ዓይኑ ዘፍጠጠ ናይ ምትእትታዉ ስራሕ ኢዩ። ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ንዕቐት እውን ዝገልጽ ኢዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ምርጫ የድልዮ’ዶ ኣየድልዮን? ኤትኒካዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ድዩ ዝደሊ ወይስ ምእኩል መንግስቲ፡ ናይ ብልጽግና ፓርቲ ድዩ ዝደሊ ካልእ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ መሰል ደኣ’ምበር፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከመርጸሎም ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ወይ መሰል የብሉን።

“ንሕና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ምዕባለታት ኢድና ኣጣሚርና ክንርእዮ የብልናን። ከይዱ ከይዱ እቲ ጸገም ንዓና ኢዩ ዝጸልወና። ስለ’ዚ ብምሕዝነት (ምስ ብልጽግና ፓርቲ ማለት ኢዩ) ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ለውጢ ክንሰርሓሉ ኣሎና። ብዓቕምና ኣበርክቶ ክንገብረሉ ክንክእል ኣሎና። ንሕና ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘቦ ስለዘይንኽእል፡ actively engage (ንጡፍ ተሳታፍነት) ክንገብር ኣሎና። ከምኡ ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና” ክብል ድማ ሕንኽ ከይበለ ወሲኹሉ። ኣስዒቡ፡ “እቶም ነዚ ኵናት ከካውስዎ ዝጸንሑ ዝጠፈሹ ናይ ግዳም ሓይልታት ሕጂ ሰላም፡ ርግኣት መጺኡ ኢሎም ባህ ኢልዎም ደቂሶም ክሓድሩ ኢዮም ኢልና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ብዘይካ’ዚ ካልኦት ናይ ዞባ ሓይልታት ኣለዉ። ናይ ሽበራ ሓይልታት ኣሎ” ብምባል ብዙሓት ጸላእቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ገይሩ ብምቕራብ ናይ ውግእ መልኸት ክነፍሕ ተራእዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ኢሳያስን ስርዓቱን ካልኦት ጸላእቲ የብሉን። ብሰንኪ ገስረጥ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት እውን እንተዀነ ከም’ዚ ሎሚ ከፊእዎ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ብድኽነት፡ ድንቍርና፡ ሕማምን ስደትን ይሳቐ ኣሎ። ናይ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምስራሕ፡ ምምሃር፡ ምሕካም ፡ንብረት ምውናን፡ ሃብቲ ምፍራይ መሰል ተሓሪምዎ ሃገሩ ገዲፍ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ዝረኽበሉ ቦታታት ይፈልስ ኣሎ። ሓላፍነት ናይ’ዚ ፍልሰት’ዚ ብዘይካኡ ካልእ ዝስከሞ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ኢሳያስ ኣብ ዝውልዖ ውግኣት ዘእቱ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ምትእኽኻብ፡ ምስ ጐረባብትኻ ብምክብባርን ብምትሕብባርን ምንባር ኢዩ ዝደሊ። ውግእን ወረ ውግእን ኣየድልዮን ኢዩ።

ራብዓይ ክፋል ክቕጽል ኢዩ…….

Last modified on Wednesday, 19 February 2020 11:24