Print this page

ዘየሕመና ዲዩ ኮይኑ ወይ ዘይርደኣና?

2020-02-08 10:31:13 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1583 times
Rate this item
(0 votes)

ደቂ ሃገረይ ኤርትራ፡  ሃገርና ኣብ ቀንዲ ክሳዳዊ ቦታ ተደኲና ብምርካባ ቆላሕታ መላእ ዓለምና ኣትያ ትርከብ። ነዚ ካብ ነዊሕ  ዓመታት ኣትሒዙ ንሃብታን ነቲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣኣን እምበር ንህዝቢ ዝሓሊ መግዛእቲ ኣይነበረን። በስንኪ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ይኹን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ሃብታ ንምጉሕጓሕ ወይ ነቲ ህዝቢ ተደንቁር ወይ  ነቲ ህዝቢ ተጽንት ወይ ድማ ብዓሌት ብሃይማኖት ብኣውራጃ ትኸፋፍል። መግዛእቲ ከበሃል ከሎ ባዕዳዊ ይኹን ወዲ ሃገር ንኹለን እዩ ዝጥቀም።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መጀመርያ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ሓዳስ ውልዶ ሃገር ብምንባራ ግና ነቲ ግዝያዊ መንግስትነት ምቕባልና ቅኑዕ እምበር ጌጋ ኣይነበረን። ዝተጋገናዮ ነጥቢ እንተነበረ ግን እቶም ገባብል ልጓም ስለዘይገበርናሎምን በቲ ግብሪ ዘይብሉ ናይ ዘተስፉ ቃላት ብምምብርካኽናን እዩ። እቲ ትማሊ ንሃገርና ኤርትራ ሲንጋፖር ክገብራ ኢየ ክብል ከሎ፥ ህዝቢ ብተስፋ ሃንቀው ክብል ነይሩ ለካስ ንምጥፋእ መንእሰይ ኤርትራ ምዃኑ ተጋሂዱ። ናይ እቶም ኮለነላት፥ ጀነራላትን ካልኦት ሰብ መዓርግ ሕልና ድማ ቀንዲ ተግበርቲ እቲ እከይ ስራሓት ኢዮም ነይሮምን ኣለውን። ብፍላ ድማ እቶም ሚንስትራት ዝበሃሉ ስሉባት ልቢ፡  ሃገርና ናብ ጥፍኣት ገጻ ዘሕምብብ ውሳኔታት እናተዓዘቡ  ህዝብና እናተሳቐየ ከምዘይረኣዩ ምጽቃጦም  እዩ። ሃገርና ኤርትራ ሲንጋፖር ክትከውንስ ይተረፍ፡ ነቲ ዝነበረ ምዕብልናኣ’ኳ ክትዕቅብ ኣይከኣለን።  

ሃገርና ኣብ ክንዲ ትህነጽ እናባደመት፥ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ትስጉም እናንቆልቆለት፥ ኣብ ክንዲ ትብልጽግ እናደኸየት፥ መንእሰይ ከይመሃር እናኣደንቆረ ትጎዓዝ ዘላ ሃገርሲ እምበርዶ ንዕዘባ ኣሎና። ካብዚ ሓሊፉ ነንዝተወልዱ ዕሸላት ኣብ ወግሐ ጸብሐ ዝጽሕተር ውግኣት ብምእታው መንእሰይ እንዳጽነተ ዓይንና ሰም ኣቢልና ኣእዛና ውን ሓቲምና ንርኡይ ዝኾነ ከምዘይተገብረ ክንደፍን ከሎና ኣየሕዝነናንዶ። እዝስ ይትረፍ ደቅና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክርሸኑን፥ ክምቑሑን፥ ሃገሮም ጠንጢኖም ከርተት ዝብሉ ዘለዉኸ እንታይ ኮይኖም እዮም ኢልና ብደቅናኸ ዘይምሕሳብናን ምስትንታናን እንታይ ስለዝተረኽበ ኮን ይኸውን።

ኣብቲ ቀደም ወለድና ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ እኩይ ምሕደራ ክዝክሩ ከለዉ  ”ግዝኣት ቱርኪ” ብዝብል ኢዮም ዝገልጽዎ ነይሮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዝኣት ግን ንበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ውን እንተኾነ መዳርግቲ የብሉን። ወረ! ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዝበለ ጽልኢ ኣለዎ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዘጋፍዖን ብኣፉ ዝሕዞን።  ከምነዚ ናይ ኤርትራ ኣየብልዕ ኣየምህር፥ ክቐትል እምበር ዘይምሕር፥ ሰብ ክጭነቕን ክሳቐን ደስ ዝብሎ ስርዓት እሞ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ።

ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘደንጹን ናይ ዕለት 07-02-2020 መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት እዩ። ትማል ዶብ እንተዘይተሓንጸጸ ኢሉ ዘራፍ ዝብል ዝነበረ፥ ብዶብ ክንሓስብ ዘይኮነ ብኪኖ ዶብ ኢና ክንሓስብ ብምባል ጉስይዎ ሓሊፉ። ሎሚ ከኣ ንጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዝሳቐዮን ዝዋረዶን ዘሎ ገዲፉ ጎረባብትና ከይረሃወን ሰላም ከይረኸባ ኤርትራ ውን ኣይርህዋን እዩ ብምባል ዳርጋ ኤርትራስ ክትፍለ ኣይነበራን ካብ ዝብል ዘይፍለ ገለጻ ምግላጹ እዩ። ኩነታት ሃገሩን ህዝቡን ኣብ መዓሙቚ ረቕሪቑ ፍታሕ ዘይብሉን፥ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ቅዋም ዘይብሉን ዕላዊ መንግስቲ ዘይኮነንሲ ብዛዕባ ሽግር ኢትዮጵያን ሱዳንን ክፈትሑ እንታይ ክኽተሉ ከምዘለዎም ምሂሩን መምርሒ ሂቡን። 

እዚ ስርዓት እዚ ክሳብ ክንድዚ ዲዩ ንህዝቢ ንዒቑ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራኸ ኣብ ደገ ዘሎና ይኹን ኣብ ውሽጢ፡ ነዚ ኩሉ ስቓይን መከራን ከም መዓርን ጸባን ዲና ቆጺርናዮ ወይ ዘይሕመናን ዘይርደኣናን እዩ ኮይኑ። በዚ ንሕስያ ዘይብሉ መላኺ ስርዓት ንዕስራን ትሽዓተን ዓመታት ዝኣክል ዓመት መጸ ናይ ሓሶትን፥ ምድንጋርን ኣጉል ተስፋ ክዝህቦ ዝጸነሐ ዲና “ሎምዘበንስ ክሓልፈልና እዩ” እናበልና ንጥበር። ነዚ ኩሉ ግፍዒኸ ብደሓን ካብኡ ኣይኽፋእ ዲና ክንሓልፎ። ካብዚ ዝኸፍእ ብትዕግስቲ ክንጽበ ማለት ድዩ። ኤርትራዊ  ስደተኛ ሃገር ከምዘይብሉ ክሳቐን ክእሰርን ክቕተልን ከሎ ዝሓተሉ መንግስቲ ዘየለ እንታይ መንግስቲ ክበሃል ይከኣል። ወረ! እንታይ ዓዚሙና ኢዩ ካብዚ ንላዕሊ መከራን ኣደራዕን ፍትሒ ኣልቦን ኣሽካዕላልን ክሳብ መኣስ ኢና እንጽመሞ ዶስ ዘይሕመና ወይ ዘይርደኣና ኢዩ ኮይኑ?

  

Last modified on Saturday, 08 February 2020 11:33