Print this page

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ

2020-01-13 19:20:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2039 times
Rate this item
(0 votes)

ሓንቲ ሃገር ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ምርጫ ምክያድ ኣገዳስን ዓቢ ናይ ልምዲ ጸጋን ኢዩ። ምኽንያቱ ሓደ እቲ ህዝቢ ዋላ እኳ ነቲ ብሕጓ ዝካየድ ቁርቁሳትን ፖለቲካዊ ጸወታታትን  ክብድሆን ክበጽሖን እንተዘይከኣለ፥ ዝደለዮ  ንኽመርጽ ድምጹ ናይ ምሃብ  መሰል ይሕሎ ኣሎ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ነቲ ኩነታት ክርደኦን ተመኩሮ ክቐስመሉን ስለዘኽእሎ ምርጫ ምክያድ እወንታዊ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ድማ በቲ ግቡእ መስኖኡ ሓልዩ ክፍጸም የብቀዓዮ።

ኣብዚ ምናልባት ደቂ ሰባት ብዛዕባ ጉዳይ ኣብ ኢዮጵያ ዝካየድ መረጻ፥ ኤርትራውያን እንታይ ኣእተወኩም ዝብል፡ ካብ ኤርትራዊ ወገን ኣይሰኣንን ይኸውን። ይኹን እምበር ከም ጎረበት መጠን ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ክጸልወና ምዃኑ ርዱእ እዩ ዝብል እዩ እቲ ቀዳማይ ቀንዲ ነጥቢ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ እቲ ዘኸይድ መስርሕ ምርጫ ንኣና ንኤርትራውያን ከም ተመኩሮ ክንመሃረሉ ስለ እንኽእል፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ሓደጋታት ክንድሕነሉ እንኽእል ናይ ኣእምሮ ብስለትን ተመኩሮን ኣጥሪና ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ምስ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክከየድ ዝሕሰብ ዘሎ መርጻ፡ ማለት ኢህወደግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣትሒዙ፥ እዚ ናይ ሕጂ ሻድሻይ ግዜኡ እዩ። እዚ ምስታ ጎረበት ሃገር ዝኾነት ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ፥ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይተመርጸ ኢደ ወነናዊ ብግዚያዊ መንግስቲ ኢዩ  ዝመርሕ ዘሎ። ህዝባዊ መረጻን፥ ህዝባዊ መንግስትን ድማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ፈጺሙ  ኣይተኻየደን። እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዝበሃል ውን ሎምስ ኣባላቱ  ዝነበሩ ዳርጋ ዝሃደመ ሃዲሙ ዝተኣስረ ተኣሲሩ ዝሞተ መይቱ እዩ። ስለዚ ግዚያዊ መንግስቲ’ውን ዝበሃል  የለን።

ብዝኾነ እቲ ናይ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረጻታት ኣዝዩ ፍሉይን ኣብ ተሃዋስን ዝኾነ ኩነታት ኢዩ ክካየድ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ እቲ ናይ ኣንበሳ ብጽሒት ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ህወሓት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ይስሓሓብ ኣብ ዘለወሉ ግዜ እዩ። እቲ ካልኣይ እቲ ምርጫ ብሓደ ሰልፊ ዝተዓብለለ ዘይኮነስ ሰልፍታት ንክወዳደራ ተፈቒደውን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ናይ ብሄር ፈደራሊዝምን ናይ ኢትዮጵያዊ ዜግነታውን፥  ኣወዳድባ ዘለዎም ሓይልታት ምዃኖም እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ዝኸይድ ውክልና ብፖሊሲ ወይ ድማ ብመንነት ዝብል ምህላዉ። ራብዓይ እቲ ምርጫ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገና ኣብ ዘይተረጋገአን፥ ጽጥትኡ ሕልው ዘይኮነን፥ ኣብ ንሓድሕዱ ዝቃተተለሉን፥ እቲ ብሄራዊ ፈደራሊዝም ዘስዓቦ ስምዒት ወዲ ብሄረይ ዘይኮንካ ውጸለይ ኣብ ዝብል ሃዋህው ብምህላው ነቲ ምርጫ ምናልባት ኣብ ከቢድ ቅልውላው፡ ከእትዎ ይኽእል ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ስግኣት እዩ። ነዚ ከቢድ ቅልውላው ሰጊሩ ዝወጽእ መሪሕነት ድማ ንሓዋሩ እታ ሃገር ናብ ንቡር ህላዌኣ ንኽትምለስ ከመይ ዝበለ ብድሆታት ከጋጥሞ እዩ ንግዜ ንግደፎ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን  ኣብ ከምዚ ኩነታት፥ እቲ ምርጫ ብሰላማዊ፡ ፍትሓዊ፡ ሸፈጥ ዘይብሉን ብምዕሩይን ኣገባብ ክካየድ ይኽእልዶ ዝብል ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ዘልዕል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ብመልክዕ  ናይ ብሄራት መን ዓብለለ ቁርቁሳት ዘይተርፍ እዩ። ብፍላይ ኣብ ነንሓድሕዶም ብሄራት ዘሎ ሽግራትን ግርጭታትን። እዚ ስለዝኾነ እቲ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ከይክውን ነገሩ ዘስግእ ይመስል። ሓደ እቲ ናይ ሰልፍታት ኣወዳድባ ነቲ ናይ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሉ ዝኽእል ዲዩ ኣይኮነን መልሲ ዘድልዮ ይመስል። እቲ ውክልና ዝብል’ውን ንገዛእ ርእሱ ዓብይ ዋጢጥ ዝስዕብ እዩ። ምኽንያቱ ብፖሊሲ ዲዩ ወይ ብመንነት ክኸውን እቲ ውክልና ዝብል ኣዛራቢ ነጥቢ ኢዩ። ሎሚ ኣብ  ዓለምና ናይ መንነታዊ ውክልና ዝበሃል ኣብ ዲሞክራሲ ብዙሕ ኣይሰርሕን እዩ። እንታይ ደኣ እቲ ፖሊሲ ንመላእ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፥ ሃይማኖቱ፥ ዓሌቱ፥ ኣውራጃኡ፥ መበቆሉ ብዘየገድስ ንኹሉ ብማዕረ ዝዳንን፥ ሕግን ፍትሕን ዘንግስ ራኢ ዘለዎን ውክልና እዩ እቲ ሰላም፡ ፍትሕን ምርግጋእን ዘውሕስ። ካብኡ ብዝተረፈ እቲ ናይ ብሄርነትን፥ ሃይማኖትን፥ ዓሌትን፥ መበቆልን ቅድሚ ሃገራዊ ምስራዕ ኣሉታዊ ውጽኢት ኢዩ ክህልዎ። ምስናይ እዚ ድማ ትማሊ እቲ መንግስቲ ብህወሓት ዝተዓብለለ ኢዩ ነይሩ እናተባህለን፥ ሎሚ ውን ኣብ ከምኡ ዝዓይነቱ ኣቕጣጫ ምጉዓዝን ቅሳነትን ድሕነት ህዝብን ዘውሕስ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ናብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ተመሊስካ ሎሚ ስልጣን ንምጭባጥ ተራና  እዩ ብዝብል ስምዒት ዝኸይድ ቁርቁስ ፈጺሙ ብዲሞክራሲ ክመሓደር  ዘበቅዕ ኣይክኸውንን እዩ።

ስለዚ መስርሕ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ መንነታዊ ውክልና እንተተጓዒዙ በየናይ መለክዒ ኢዩ መንነት ዝቕየስ እውን ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ዋኒን ኢዩ። ብብሄሩ ዲዩ ብሃይማኖቱ ዲዩ ብዓሌቱ ብመበቆሉ በየናይ መለክዒ ኢዩ ክምረጽ ዝብል ኣብ መዘዝ ዘእቱ ኢዩ ክኸውን። ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ምስ ናትና ኩነታት እንተመዛዚናዮ፥ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ብልክዕ ግልባጡ ኣብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ’ውን ምልክቱ ኣሎ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ብሄራዊ ውደባ፥ ሃይማኖታዊ ውደባ፡ ዜግነታዊ ወይ ዕልማናዊ ውደባ ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ከም ኤርትራውያን ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ንሓድነቱን ልኡላውነቱን ዘደልድልን ፖሊሲ እምበር፥ ንብሄረይ፥ ውገነይ፥ ኣውራጃይ ዓሌተይ ሃይማኖተይ ዝብል ኣንፈት ንመትከላት ዲሞክራስን ፍትሕን ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ኣይንስሓት። ጸቢብነት ነቲ ህዝቢ እውን ኣብ ደረጃ ዘይምትእምማን ተነቚቱ፥ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታትን፥ ድሑር ዝንባሌታትን ከምዝጥሕል ኢዩ ዝገብሮ እሞ ካብ ብሕጂ ንሕሰበሉ።

Last modified on Monday, 13 January 2020 20:26