Print this page

ኢሰያስ ዝፍጽሞ ዲዩ ጎዳኢና ወይ ታምራት ነገራ  ዝበሎ

2020-01-13 08:22:55 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2066 times
Rate this item
(0 votes)

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፥ ተቓወምትን ደገፍትን ኣብ ክንዲ ንጉዳይና መዕለቢ ዝኸውን ንሓስብ፥ ደድሕሪ ተረኽቦ ብምኻድ ሓንሳብ ክንሕጎስ ወይ ድማ ክንጉህን ክንቁዝምን ንርከብ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ብጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ነቲ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ  እኳ እንተዘይተባህለ፥ ኣብ ገለ ገለ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ሓሳብ ኢዩ ገሊጹ። ልክዕ ኢዩ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በቲ እዚ ጋዜጠኛ ዝገለጾ ይሰማማዕ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክንደይ ለባማትን መስትውዓልትን ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን።

ታምራት ነገራ ነታ ዝበላ እቲ ብድሕሪ ሕጂ ተወጢኑ ዘሎን ክውጠን ዘለዎን ሓቂ እኳ ኢዩ ተዛሪቡ መኣስ ሓሲዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኦሮሞ ወይ እውን ኣብ ኣምሓራ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ነዛ ታምራት ነገራ ዝበላ ቅድሚ ሎሚ ዘይተባህለ መኣስ ኮይኑ። ንኣብነት ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዝበሎ”ንኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክንጽዕር እምበር፥ ብሓይሊ ክመልሳ ኢየ ዝብል እንተልዩ እነሀ ብረትኩም ዓጢቕኩም ተዋግኡ” ኢዩ ዝበለ። እዚ ድማ ቀጥታ ትርጉሙ ብሽፋኑ ተኸዲኑ ዘይተገልጸ እንተዘይኮይኑ እቲ ታምራት ደርጒሑ ዝፈመዎ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ክልል መንግስቲ እውን እንተኾነ፥ ኣብ ክንዲ ምስቲ ጸረ ሰላም ዝኾነ ዲክታቶር ኢሰያስ ምትህልላኽ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተርሕዩን ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ዝነብረሉ ሃዋህው ንኽፍጠር እቲ ዶብ በቲ ስምምዕ ምሕንጻጽ ዓወት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት ምኾነ ነይሩ። ልክዕ ኢዩ፥ እቲ ኣብ ኣስመራ ነጊሱ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ቀንዲ ተሓታትን ናይ ሃገር ክሕደትን ይፍጽም ምህላው ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እታ “ብጌም ኦቨር” ዝገለጻ መርኣያ ናይ ዶብ ብይን ንኸይትትግበር  ዘሎ ድሌቱ እትገልጽ ምዃና ብሩህ እዩ። ነዛ ነጥቢ እዚኣ እምበኣር መንግስቲ ክልል ትግራይ በቲ እቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝደልዮ ንኸይጸድቀሉ እታ ዶብ ምሕንጻጽ ኣገድስነት ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነትስ ንሓዋሩ እውን ምስ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ዓቢ ምትእምማን እትፈጥር እያ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ፥ እቲ ብኣልጀሪስ ዝተበየነ ቀያድን ይግባይ ዘይበሃሎ ብይን ንኸይትግበር፥ ኤርትራ ከይተጥቀዓና ብምባል ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብቲ ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜትር መሬት ኤርትራ  ብዘይምውጽኦም፥ መንእሰያት ካብታ ሃገር ንምውጻእን ኣብ ፈቕዶ ጎረባብቲ ሃገራት ከርተት ንኽብሉን ንድሌት ኢሰያስ ንምምላእ ዓቢ እጃም ኣለዎ።

እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ድማ፥ ዋላ እኳ እቲ ኣብ መንጎ ኢሰያስን ዶክተር ኣብዪን ዝተኻየደ ናይ ሰላም ስምምዕ፥ እቲ ወያኔ ካብቲ ኢህወደግ ዝነበሮ ስልጣን ምስ ነከየ ዝተረኽበ ናይ ሰላም ተስፋ  ንኸይትግበር ብሰልስቲኦም ሸነኻት ነናቶም ናይ ፖለቲካዊ ዕዳጋኦም ይጥቀምሉ ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ዕዮ ገዛና ምስራሕ ስለዝሰኣንና፥ ደድሕሪ ካልኦት እሞ ድማ ንጽቡቕና ዘይምነዩ ዝዛረብዎ ነቋምት ኣብ ክንዲ እቲ ናብ ከምኡ ዘእትወና ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ንብድህ። ኩልና ኤርትራውያን እምበኣር፥ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ንሓልን ክነድሕኖ እውን ሓቀኛ ዝኾነ ድሌት ኣሎናዶ የብልናን ተመራሚርና ንጸላእትና መልሓሶም ዝዓጽፍሉ ኣገባብ ክነናዲ ክሳብ ሕጂ ኣይከኣልናን ዘሎና። ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝተባህለ ምስላ፥ ታምራት ነገራ የለብመና እዩ ዘሎ። እቲ ዘለብመና ዘሎ ጉዳይ ድማ፥ ኤርትራውያን ደኺሞም ኢዮም ድሕሪ ደጊም ብረት ኣልዒልና ተዓጢቕና እንቃለሶ ኤርትራዊ ሓይሊ የለን እዩ ዝብለና ዘሎ። ንሕና ነዚ ታምራት ዝብሎ ዘሎ ካብ ምንታይ ነቒሉ ኮን ይኸውን ኢልና ክንመራመርን ንዓኡ ዝምክት ተግባር ክንፍጽምን ኢዩ ዝግባእ። ናይቲ ታምራት ዝበሎ እሞ ንግደፎ፥  እቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ኣብ ኤርትራውያን ፍልልያት፥  ሓድነቱ ዘይደልደለ ህዝቢ ድኹም ምዃኑ መኣስ ሓሶት ኮይኑ። እቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ደገ ኰንና ሓንሳብ ብዝሓለፈ ጉድለታት ክንቁዝም፥ ሓንሳብ ብኣውራጃይዶ ብሄረይ ኢልና ተበታቲንናስ ቁምነገር ክንገብር ንኽእልዶ? ታምራት ነዚ እዩ ዝሕብረና ዘሎ እሞ ደጊም ንዓኡ ግብራዊ መልሲ እምበር ጽሑፋዊ መልሲ ኣይኮነን ዘድልዮ። እቲ ግብራዊ መልሲ ድማ ንሕና ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓሳብ ተዓጢቕና ሓድነትና ምስ እንደልድል እዩ።

እቲ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንኽስደድ ቀንዲ እቲ እኩይ ምሕደራ ስርዓት ኢሰያስ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ነቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ዝተበየነ ብይን ንምትግባር ዝቃወም ሓይሊ ናብታ ታምራት ነገራ ዝብላ፥ ኤርትራ መንእሰያት የብላን ናብ ምባል ዘብጽሐ ነጥቢ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ሎሚ ስርዓት መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራውያን ተዛሚድናን ተዋስብናን ቋንቋና ሓደ ተመሳሳሊ ባህልን ዘሎና እንተበለ “ዓሳስ ነታ ትብላዕ እምበር እታ መጻወድያ ኣይርእን” ዝብል ምስላ ከይንኸውን ሓደራ።  ሓያሎ ኢትዮጵያውያን እኮ ነቲ ትግርኛ ተዛራቢ ኣብ ክልተ ንኽምቀል ዝገበርዎ ምኒሊክ ንኤርትራ ስለዝሸጥዋ እዮም እኳ ዝብሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ  ነቲ ናይ ታምራት ነገራ ዝበሎ ዘራጉድ እዩ። ብሓጺሩ ካብቶም ኤርትራ ናጻ ወጺኣ ኢሎም ኣስናኖም ዝሕርቅሙን ዘይተዋሕጠሎምን ዝብልዎ ገዲፍና፥ ንሕና እቶም ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከተና ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እንታይ ክንገብር ኣሎና ደኣ ክንሓስብን ነቶም ትማሊ ረግጽትናን ጨቘንትናን ዝነበሩ ዝበልዎ ግብራዊ ብድሆ ክነካይድ ይግባእ።

Last modified on Monday, 13 January 2020 09:25