Print this page

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንዞባዊ ጉባኤ ይሸባሸብ

2020-01-13 03:06:54 Written by  EPDP Information Office of NA Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1864 times
Rate this item
(0 votes)

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ጉባኤኡ ንምስልሳል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ጉባኤ፡ ዞባ ሽማግለ ሰዲህኤ ዞባዊ ጉባኤ ቅድሚ መፋርቕ 2020 ንኽጋባእ ወሲና። ብኡ መሰረት 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቆይማ። ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ 2020 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣወል ኣኼበኣ ብምክያድ ነፍሳ ናብ ሰለስተ ንኡሳን ሽማግለታት ብምስራዕ ዕቱብ ስራሓታ ተታሒዛቶ ኣላ።

ክንዕወት ኢና   

ክፍሊ ዜና ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

Last modified on Monday, 13 January 2020 04:10