Print this page

ነገር ዝጽሕትር፡ ታምራት ነገራ

2020-01-07 10:58:44 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2277 times
Rate this item
(0 votes)

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን30 ዓመታት ዝተኻየደ፡ ህልኽን ኒሕን ዘይተፈልዮ እሞ ብዓወት ኤርትራ ዝተዛዘመ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ንክልቲኡ ወገናት ብዘሕጉስ ናይ ተዓዋታይን ተዓዋታይን ቅኒት ዘይኮነስ ብስነ-መጎት “ሰዓርን ተሰዓርን” ዝተኻየደ መስርሕ ምንባሩ ንጹር እዩ። ዋላ’ኳ ኤርትራዊ ሃገርነት ሕጋውነት ንምልባስ ብረፈረንደም ክድምደም እንተተገብረ፡ እዚ መስርሕ ንናይቶም ተሰዓርቲ ወገናት ቂምን ተሰዓርነትን ከህደኦ ኣይከኣለን። ከም መርኣያ ናይዚ ዘይምህዳእ ከኣ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን ብውዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ፡ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም፡ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ውዲታት ክኣልሙን ጽውጽዋያት ክጽሕፉን ከም ዝጸንሑን ኩላትና ንዝንገዖ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ግና ናጽነትን ልኡናውነትን ኤርትራ፡ ኣብ ዓውዲ ጅግንነት ኮነ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ  ኣደልዲሉ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡  እዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፈሎ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ክምለስዩ ዝብል ስኽፍታን ስግኣትን ኣይነበሮን። ናይዚ እምነቱ ቀንዲ መሰረትን መተኣማመንን ከኣ ኣብ መላእ ኤርትራውያን ብጉዳይ ኤርትራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ስጡም፡ ንድሕሪት ዘይምለስን ንፋስ ዘየእቱን ናይ ሓባር ዕግበት ኣሎ  ዝብል እምነት እዩ። ምናልባት ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ነቲ ዘይተጋህደ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዝነበረ ልኡላዊት ኤርትራ ዘይቅበል ውዲት፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1991፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት መሪሕነት ውድብ ህግሓኤ፡ “ምስ ኢህወደግ ሓደ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንምስርት ኢና” ዝብል ናይ ጥልመት ምልክት ከም ዝሃበ፡ ብዓንተቦ ተሓቢርዎ ዝንተዝነብር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጣላዒ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ጠቕሊልካ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ምውጋይ ንክበጽሕ ዕድል ኣይመሃቦን።

ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ልኡላውነት ኤርትራ ንምውሓጥ ዘንባህቑ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ዝርካቦም ብጻዋዒት ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም። እዚ ዕድልዚ ካብ ረኸቡ ነቲ ግዜ ክጽበይሉ ዝጸንሑ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምዕጻፍ ህርፋኖም ከንጸባርቕዎ ባህርያዊ እዩ። ብግብሪ እውን ከምኡ ከም ዝገበሩ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ኣዝዩ ኣዛራቢ ዝኸውን ግና፡ ነዚ ኣሪጉ ክነሱ ደጋጊፎም ህይወት ክሰኹዕሉ ዝደልዩ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮሊፉ ጠቅላይ ግዝኣት ክገብራ ዝደናደን ተጠዓሲ ሓሳብ፡ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቀረባ ሰባት እውን የዕኩኹዎ ምህላዎም እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ናይ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ደጋፊ፡ ፖለቲከኛን ተንታኒ ጋዜጠኛን ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኣቶ ታምራት ነገራ፡ “ኢሳያስ ንኤርትራ መንእሰያታ በታቲኑ የዳኽመልና ምህላዉ ነመስግኖ፡ ንኤርትራውነት ኣዳኺምና ወደባታ ክንውንኖ ኢና፡ ብህወሓትን ኢህውደግን ተሸይጠን ዝነበራ ወደባትና ናብ ዋናአን ኢትዮጵያ ክምለሳ እየ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብህወሓትን ኢህወደግን ዝተሰነዐ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበ እዩ፡ ህላወ ኤርትራ ከም ሃገር ብድሌት ኢትዮጵያ እዩ ዝውሰን ….. ወዘተ” ዝሕመረቱ ድፍረትን ዓዘር ቆዘርን ምዝርጋሑ ነቲ ዘሎ ሻቕሎትና መሊሱ ዘዕርጎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ንዕቀት እዩ።

በዚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣበሃህላ ኣቶ ታምራት ነገራ ዝተቖጥዑ ኤርትራውያንን ልኡላውነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዘይኤርትራውያ ወገናትን ናይ ዓገብ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ሓቂ እዩ ኸኣ ኤርትራውያን በዚ ተቖጢዖም ዓገብ ዘይበሉ ደኣ ብምንታይከ ክቑጥዑ። እንተኾነ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና፡ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ከልቢ ይኣቱ” ወይ “ወየ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ህንጡይ ታምራት ነገራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ነገር ንክጽሕትር ሸውሃት ዝኸፈተሉ መን ምዃኑ ነስተውዕል። ኢሳያስ ተጠሊዑ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፥ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉም ናብ ዘየብሉ ክንቅይሮ ኢና፡ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ። ከምዚ ዝብል ዘለኹ ከኣ ብስምዒት ዘይኮነስ ካብ ልበይ እየ፡ ….. ወዘተ” ከም ዝበለ ብእዝንና ሰሚዕና ኢና። ኢስያስ ኣብ ገለ ጽብብ ዝበለ መድረኻት  “ንናጽነት ኤርትራ ኣነ እየ ኣምጺአያ፡ ኣነ ከኣ ከጥፈኣ እየ” ኢሉ ከም ዝተበደዐ እውን፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዕላላት ብሰፊሑ ዝዝረብ እዩ። ብናይዚ ኣይጥዑይ ኣይሕሙም ሰብኣይ ሃተፍተፍ ተተባቢዑ፡ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት  ብጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ከስመዖ ዝጸንሐ ኣሽካዕላላት እውን ንኹላትና ብሩህ እዩ። በመጽርዚ ታምራት ነገራ ኣሰር ኢሳያስን ኣብይን ይስዕብ ከም ዘሎ  ዘይከሓድ እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ታምራታት ክራብሑ ከም ዝኽእሉ ተገንዚብና ክንምምካቱ  ክንዕጠቕ ይግበኣና።

እዚ ዝሕብረና እምበኣር፡ ከምቲ “ዋናኡ ዘሕሰሮ ንብረት ጓና ኣይኽብሮን እዩ” ዝበሃል ኢሳያስ መልክዕን መድረኽን እንዳቐያየረ ይፈጥሮ ብዘሎ ሃጓፋት እንዳኣተዉ ልኡላውነትና ግሂሶም ከም ህዝቢ ከፍርሱና ዝህቅኑ ወገናት ክቀላቐሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብታምራት ነገራ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ካልኦት ከም ዝኽተልዎ ጠርጢርና ክንዳሎ ይግበኣና። ነዚ ንምግታእ እምበኣር፡ ኤርትራ ናይ ህዝባን ናይቲ ምእንኣታ ዋጋ ዝኸፈለ ስዉእ ሓርበኛን እምበር፡ ኢሳያስ ከም ትሕጃ ኣትሒዙ፥ ኣብ ፈቐድኡ፡ ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ናይ እንዳማቱ ባህላዊ ክዳውንት ኣዋርቕን ዝሽለመላን ዝፋተወላን ናይ ግሉ ንብረት ከም ዘይኮነት ከነመስክር ናይ ግድን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድን ዘይስገርን ሓላፍነትና፡ ሓላፍነት ኩልና ኤርትራውያን እዩ። ነዚ ካልእ ክዓመልና ዘይክእል ሓላፍነት ኣቐሚጥና፡ ካብ ኣብይ ጀሚርካ ክሳብ ታምራት ዘለዉ፡ ካብ ተመኩሮም ኤርትራዊ ጽንዓት ዘይተማህሩ ክውሕጡና ንዝደልዩ ሃንጐሊማታት፡ ብመርገምን ምስትምሳልን ጥራይ ልኡላውነት ሃገርና ከነድሕን ኣይንኽእልን ኢና። ብፍላይ ከኣ ክሳብ ሕጂ ንኢሳያስ ክትድግፉ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ወይ ንኤርትራ ከም ሃገር ወይ ንኢሳያስ ከም ተዋጋያይ ብኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም እትመርጽሉ ሳልሳይ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ ወሳኒ ምዕራፍ ምህላውኩም ዘክሩ። ናትና ምርጫ ምዕቃብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን እዩ። ናትኩምከ?

Last modified on Tuesday, 07 January 2020 12:02