Print this page

ሰራዊት ኤርትራ፡ በዓል ሕድሪ ኢኻ

2020-01-01 10:48:24 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1776 times
Rate this item
(1 Vote)

ኤርትራ ዋናኣ፡ በዓል ብዙሕ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካልእ መግለጺ ብዙሕነትን ህዝባ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ህዝባ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ስራሕ፡ ሓረስታይ፡ ነጋዳይ፡ መጓሰ ሰራሕ መንግስትን ዝተዋፈረ እዩ። ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘምጽእዋ ልኡላዊት ሀገረ-ኤርትራ፡ መጻኢኦም ንምጥጣሕ ብሞያኦም፡ ብጾታኦም ወይ ብዕድሚኦም ተወዲቦም ብዛዕባ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ናይ ሓባር ድምጾም ናይ ምስማዕ መሰል የብሎምን። ምናልባት መንግስቲ ህግዲፍ  መሳርሒ ክኾንዎ፡ ንሱ ብዝመርጾ ሕግን ዕማምን ዝውድቦምን ብናቱ ሰባት ዘምረሖምን፡ ስማዊ ብሳንብኡ ዘተንፍሱ፡ ውዳበታት ይህልዉዎ ይኾኑ። ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ናይዚ ኣብነት እዮም።

ኣብዚ መዳይዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና፡ ዝሓሸ ውዳበን ዕጥቅን ዘለዎ ትካል እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ በዚ ትካልዚ እንዳተሓለወ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሚ ስለ ዘለዎ እዩ። ምስዚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘጋጥሞም ዘሎ ዓማሚ ጸገም ከኣ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ መሳርሒ ንክኾኖ ዘሰልጥኖን ዘዕጠቖን ጉጅለ፡ ንጉዳያት ዝተፈልየ ኣመዛዝና ክህልዎ ባህርያዊ እዩ፡ ዝብል እምነት ስለ ዘለና ኢና፡ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ ዝርደኦ እነዘኻኽሮ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣተናትናን ኣገላልጻን ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ ምናልባት ኣዝዮም ንኡሳት ፍልልያት ይህልዎም ይኸውን። ብዓብይኡ ግና ህልዊ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝቢ ዝተጨውየላን ሕድሪ ስዉኣት ዝተጠልመላን፡ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ፖሊስታት ዝመሓደረላን ብዘይመረጾም ጉሒላታት ዝመሓደረላን፡ ህዝቢ መሰል ሓሳቡ ምግላጽ፡ ምውዳብን ናጽነት እምነትን ዝተነፍገላ፡ ከመዚ ኢልካ ከተዘንትዎ ዘጸግም ሕጽረት ዘይኮነስ ስእነት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝሳዕረረላ፡ ወልቀ-ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ኩሉ መሰል ህዝባ ዝገፈላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ክሓሙ እንከለዉ ዘልዕሎም፡ ክሞቱ እንከለዉ ከኣ ጉድጓድ ኩዒቱ ሓመድ ኣዳም ዘልብሶም መንእሰይ ዝስኣኑላ ሃገር ኮይና ከም ዘላ መላእ ህዝቢ ኮነ ሰራዊት ኤርትራ ዝረዳድእሉ ህልዊ ሓቂ እዩ።

ወዮ ከምቲ ለባማት “መነባብሮይ ኢልካ እንተ ተቐቢልካይ፡ መቓብር እውን ይመዉቕ” ዝብልዎ ኮይኑ እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸልማት እዩ። ነዚ ንዓለም ዘገርም ህይወት ኤርትራውያን ቀይርካ ናብ ንቡር ንምምላሰ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩልና ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘለና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሙያ ዝተዋፈርና ኤርትራውያን እቲ እንብህጎ ለውጢ ንክገሃድ ከነብርክት ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ኢና ዘለና። ኣብዚ መስርሕ ግደ’ቲ  ሰራዊት  ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ግደ ሰራዊት ዕዙዝ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብመሰረቱ እዚ ትካልዚ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ምናልባት እውን ብዝለዓለ ግዳይ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝኾነ እዩ። ብሰንኪ እቲ ግዳይ ምዃኑ፡ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ካብታ ክሃንጻ ዝግበኦ ሃገሩ ይስደድ ምህላዉ ሓደ መረጋገጺ እዩ። ገለ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወገናት ኣብዛ ትማሊ ዘፋነናያ ዓመት 2019 ኣስታት 20 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ዝተሰዱ ይምስክሩ ኣለዉ።

ነቲ ሰራዊት ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክሞ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ንገዛእ ርእሱ ተሓልዩ ቀጻልነቱ ከውሕስ ክበል ብዝኸፍቶ ጸቢብ ዕድል ዝሓሸ ናይ ምውዳብን ተቐራሪብካ ናይ ምልዛብ ጸቢብ ዕድል ኣለዎ። እዚ ክንብል እንከለና ግና ሰራዊት ኤርትራ እውን ኣብ መጻወዲያ ዝተፈላለየ ናይ ስለያ ቀጸላታት ምህላዉ ዘንጊዕና ኣይኮናን። ናተይ ኢሉ ሓላፍነት ወሲዱ እንተ መኪትዎ ግና ክሰግሮ ዝኽእል ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣደታትን ኣቦታትን ናይዚ ሰራዊት ክቡር ህይወት ከፊሎም ልኡላዊት ሃገረ-ኤርትራ ዘውሓሱ፡ እዚ ህልዊ ሰራዊት ከኣ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ስለ እንጽበዮ፡ ናይ ህዝቢ በዓል ዕዳ እዩ። እቲ ዕዳ ግና ገንዘባዊ ወይ ካልእ ነገራዊ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ተወፋይነትን ትብዓትን እዩ።

ናትና ደኣ ምስቲ ናይ ካለኦት ክወዳደር እንከሎ ይገድድ እምበር፡ ከማና ብሰንኪ ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለሙ ሃንጐሊማ መንግስታት ክጭቆኑ ዝጸንሑን ጌና ዝጭቆኑ ዘለዉን ህዝብታት ብዙሓት እዮም። ተመኩሮ ናይቶም ካብ ወጽዓ ወጺኦም፡ ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ህይወት ክምስርቱ ተተይ ዝብሉ ዘለዉ ህዝብታት ምስ እንድህስስ ከኣ፡ ግደ ሰራዊት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ኣዝዩ ዕዙዝ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ተመኩሮዚ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ቅዱስ ቅንእን ኒሕን ክሓድሮ ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ። ባዕሉ እቲ ሰራዊት ርሑቕ ከይከደ፡ ተመኩሮ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያን ካለኦት ሃገራትን ሃሰስ እንተ ኢሉ ነቲ ሓቂ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። እዚ ንሰራዊት ኤርትራ ነሰክሞ ዘለና ዕማም፡ ኣብ ኤርትራ ኣይተፈተነን ማለትና ኣይኮነን። እቲ ብጉጅለ ህግዲፍ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ትርጉም ክወሃቦ ዝተፈተነ፡ ንቕሎ ወዲ ዓልን ብጾቱን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ካለኦት ተፈቲኖም ከይተዘርበሎም ዝቐሃሙ ንቕሎታት ከም ዝነበሩ እውን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮንን።  በዚ ኮነ በቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሰራዊት ነቑሉ ብዘይተዓወተ ተመኩሮታት ክስንብድ ኣይግበኦን። ኣብ ክንዳኡ ካብቲ ዘይተዓወተ ፈተነታት ተማሂሩን ተመኲሩን ኣተሓዛኡ ከጸብቕ’ዩ ዝግበኦ።

ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን መሪሕ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም ዝነበሩ፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ፡ ናይ ሎሚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምንባሮም ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ቅያ ከም ዝሰርሑ ዝንገረሎም፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሎሚ ክልተሳብ ተራእዮም እዮም። ትማሊ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተበዓት ዝነበሩ፡ ሎሚ ናይቶም “ሓደራኹም” እናበልዎም ዝተሰውኡ ሰማእታት ኤርትራን ዝኣተዉዎ ሕድርን ጠሊሞም፡ “ዘበን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ኢሎም፡ ደድሕሪ ረብሓ ዝጐዩ፡ ንዲክታተርን ዲክታተርነትን ዝረዓሙ ኮይኖም ስለ ዘለዉ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት ብኣኣቶም’ዩ ክጅምር ዝግበኦ። ብመንጽር’ዚ ካብቶም ቅድሚ ህዝቢ ከብዶም ዘቐድሙ ቀቢጹ “ኣነስ ምስቲ ሰራሕ ታሪኽ ህዝበይ’የ” ክብል መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝበሃል፡ ነዚ ኣብ ላዕለዋይ መዓርግ ዝደየብን ብጹርራ ዝተዓሸወን፡ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ዘበሳብስ ዘሎ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ደሓር ዝጠዓስ፡ ሎሚ ክደፍሮ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ከቢድ ህዝባዊ ሕድሪ ደጋጊሙ ከስተማቕሮን ከስተብህለሉን ከኣ ኣብ ምጅማር’ዚ ሓድሽ ዓመት ንጽውዖ ኣለና።

Last modified on Wednesday, 01 January 2020 11:50