Print this page

ለውጢ፡ እኩብ ድምር ናይ ብዙሓት ኣበርክቶ’ዩ

2019-12-26 08:45:41 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2280 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ግንባራትን ካለኦት ናይ ምትእኽኻብ መድረኻትን፡ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ብዘራኽቦምን ናይ ሓባር ሸቶ ንምምዝጋብ ብዝንቀዱ ውፉያት ዝቖሙ ትካላት እዮም። እቲ ኣብዚ ጽሑፍ እንግደሰሉ ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ማሕበራት ንዘይፖለቲካዊ ተግባራት እውን ከም ዝቐውም ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኹሎም ዘመሳስሎም ብዘንቀዱ ውልቀሰባት ንናይ  ሓባር ዕማም ዝዓዩ  ምዃኖም እዩ።

እዞም ብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ኣገባባት ዘቑሙ ኣካላት ምእንቲ ናብቲ ዝኣመምዎ ሸቶ ክበጽሑን ቀጻልነት ብዘለዎ ኣገባብ  ክጐዓዙን ዝቕይዶም ፈትዮም ይርሓሰና ዝበልዎ፡ ኣገዳሲ ኣዕኑድ ዝሓቁፍ መጠርነፊ ሕጊ የድልዮም። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፡ ከምቲ “ዋሕስ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ጓጉድ ድፉእ” ዝበሃል፡ ዕላመኦም ኣብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ደረጃ ናይ ምብጽሑ ዕድል ውሑስ ኣይከውንን እዩ።

ኣብ ስጡም ወለቕ ዘለቕ ዘይብል፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ቀጻልነት ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ሓቛፊ ሕጊ፡ ታሕተዎት ኣካላት ብውሳነ ላዕለዎት ኣካላት ይምእዘዙ፡ ውሑዳት ብውሳነ ብዙሓት ይቕየዱ፡ ውሳነ ብዙሓት ይትግበር፡ ርኢቶ ውሑዳት ከኣ ይስማዕ፡ ዝብሉ ኣዕኑድ ይሰፍሩ። ከምኡ እውን ካብ ናይ ሓደ ኣባል ናይዚ ትካላት ጀሚሪካ ከከም ኣቀራርጻ ናይቲ ትካል፡ ናይ ጉጅለ፥ ጨንፈር፡ ዞባ ….. ወዘተ እንዳበልካ ግቡእን መሰልን ናይ ኣባላትን ኣካላትን ይሓቁፍ። ናይ ውሳነታት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕትን ናይ ኣብ ውሳነ ዝሕግዙን ተሳትፎ መሰረታት ዘስፍሑን ለበዋታትን መተሓሳሰብታትን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ቀጻሊ ዋሕዚ ኣድላይነት ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ኣካላት ከኣ ከከምቲ ዝተሰለዓሉ ግቡኡ ይፍጽም፡ ብመሰሉ ከኣ ይጥቀም። ኣብ መንጐ ግቡእን መሰልን ዘሎ ሚዛን ክሕለው ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ግቡእካ ከይፈጸምካ ናይ መሰልካ ተጠቃሚ ጥራይ ክትከውን ምድላይ፡ ካብ “ከይዘራእካ ክትሓፍስ ምምናይ” ዝፍለ ኣይከውንን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ካብ ዘሎ ተረኽቦታት፡ ቅድሚ ብዛዕባኻ ምሕሳብን ምምዛንን ብዛዕባ ካለኦት ክትፈልጥን ክትወራዘን ምህንጣይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ኣባል ሰልፊ ይኹን ውድብ፡ ምናልባት እውን ኣባል ማሕበር ቅድሚ “ኣነሲ እንታይ ንለውጢ ዝሕግዝ ኣበርኪተ?” ኢሉ ምሕሳብ፡ ኣብቲ ኣባል ኮይኑ ዝዋሰኣሉ ትካል እንታይ ለውጢ ከም ዘሎ ክፈልጥ ይሓትት። ኣብ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝረአ ለውጥን ምዕባለን እኩብ ድምር ናይቶም ፈትዮምን ኣሚኖምን ዝዋስኡ ኣባላትን ኣካላትን እምበር፡ እቲ መሪሕነት ዝደርሶ ልበ-ወለድ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ከየበርከትካ ለውጢ ምጽባይ ግና፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምስ “ከይዘራእካ ክትሓፍስ ምምናይ” እዩ ዝቑጸር።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና መሰረታትን ዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣካላትን፡ ብዛዕባቲ ከማእክሎም ሓላፍነት ዘሰክምዎ መሪሕነቶምን ዝምረሓሉ ሕግታትን ኣይቆጻጸሩን ኣይሕተቱን ማለት ኣይኮነን። ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ኣበሃህላ ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ በቲ ቅዋም መሰረት ኣብ ዝተዋህበካ ግቡእን መሰልን ተቢዕካ ክትዋሳእ ናይ ግድን ምዃኑ ንምንጻር እዩ። ኣብ ሓደ ደረጃ ናይቲ ዝተሰለፍካሉ ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝፍጠር ብኩራት፡ ሃስያ ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር’ውን እዩ።  ኩሉ ኣካላት ነናቱ ኣበርክቶ፡ ቦታን ብጽሒትን ዘለዎ እምበር፡ ናይቲ ሓደ ብናይቲ ካልእ ኣስተዋጸኦ ዝትካእ ኣይኮነን። ግደ መሰረት ክበኩር እንከሎ፡ ብኣበርክቶ መሪሕነት ዝዕመም ኣይኮነን። ግደ መሪሕነት ክበኩር እንከሎ እውን ከምኡ ብመሰረት ዝትካእ ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ጥዕና ክረጋገጽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣካላቱ ካብ ቀጻሊ መስርሕ ክበኩር የብሉን።

ዝተወሰኑ ሰልፍታት፡ ውድባት ወይ ማሕበራት  ናይ ዝምስርትዎ ጽላል ወይ ግንባር ጥዕና እውን ብጥዕና ናይቶም ዘቑምዎ ኣባላቱ እዩ ዝውሰን። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣብቲ ዘጽልሎ ጽላል ንቑሕ ተዋሳኢ ንክኸውን ናቱ ዋኒን ወጊኑ ሓጋዚ ሓሳብ ሒዙ ዝስለፍ ክኸውን ይግበኦ። ናቱ ዋኒን ክውግን ዘይበቐዐ ግና ኣብቲ ጽላል ኣይሕግዝን ጥራይ ዘይኮነ ሰከም እዩ ዝኸውን። ካብ ዝተሓተ ኣካል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ጀሚርካ ክሳብ ጽላል ናይ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ኣብ ዘሎ መድረኽ ከኣ፡ ናትካ ኣበርክቶ ከይሓውስካ ብናይ ከለኦት ኣበርክቶ ጥራይ ለውጢ ድዩ ዓወት ክትጽበ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ብውልቂ ናይ ሓደ ሰልፊ  ወይ  ብውድብ ኣባል ክንከውን ክንውስን እንከለና፡ “ክንዲ ዓቕመይ ከበርክት እየ” ካብ ዝብል ውፉይነት እምበር፡ “ናይ ካለኦት ኣበርክቶ ተዓዛባይ ክኸውን እየ” ካብ ዝብል ትህኪት ዝነቅል ክኸውን ኣይግበኦን። ሰልፍና ድዩ ውድብና ምናልባት እውን ማሕበርና ሒዝና ኣብ ሰፊሕ ጽላል ክንጽመድ እንከለና እውን ከምኡ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ንምንኣድ ኮነ ንምንቃፍ፡ ወይ ውጽኢትን ለውጥን ንምጽብጻብ ከም ኣባል ሓደ ትካል ድዩ ከም ኣባል ሓደ ጽላል ከካብ ነብስና ክንጅመር ይግበኣና። ጉዳያት ንምምዛን ኣብ ክንዲ ካባኻ ምጅማር፡ ነቲ ዛዕባ ካባኻ ከተርሕቖ ምፍታን ግና ቅድሚ ኩሉ ንዓኻ ከም ኣባል ሓደ ሰልፎ ኮነ፡ ከም ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣባል ጽላል’ዩ እዩ ዝጐድእ።

ካብዚ ከይረሓቕና ኣብ ኣየናይ ኣገባብ ቃልሲ ከም እተትክል ኣብ ምውሳን ዝርአ ጸገማት እውን ኣሎ። ኣብ ሓደ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንኣብነት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ምድማዕ ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ክንዲ ኣብዚ መዳይ እተድመዓሉ ዓቕሚ ክትድልብ ምጽዓር፡ ዓቕሊ ኣጽቢብካ፡ ናብ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንኣብነት ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ሃተምተም ምባል ይረአ እዩ። ዝመርጽካዮ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዘየስርሕ እንተኾይኑ፡ ኩነታትካ፡ ናይ ህዝብኻ ዝምዒትን ከባብኻን ብጽሞና መዚንካን ኣጽንዕካን’ ናብ ዘሓሸን ዘቃልስን ኣገባብ ምቕያር ብልሓት እምበር ነውሪ ኣይኮነን። ቅድሚ ኩሉ ግና እቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ቃልሲ ድዩ ዘየስርሕ ኮይኑ፡ ወይ ንስኻ ኢኻ ክትሰርሓሉ ዘይበቓዕካ ምንጻር ናይ ግድን የድሊ።

Last modified on Thursday, 26 December 2019 09:48