Print this page

ቃል ሓዘን

2019-12-23 10:14:50 Written by  ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1520 times
Rate this item
(0 votes)

ዓመት 2019 ኣብ እንዛዝመሉ ዘለና እዋን፡ ህይወት ብጻይና ተጋዳላይ ገብረመድህን ዘገርግሽ ሹምሓላል፡ እውን  ከም ዝዛመት ብመሪር ሓዘን ተረዲእና። ብጻይና ገብረመድህን፡ ኣብ ብሕማም ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ዓሪፉ።

ተጋዳላይ ገብረመድህን ሹምሓላል፡ ካብ 60ታት ኣትሒዙ ብረት ዓጢቑ እናተቓለሰ እንከሎ፡ ካብ ኣካላቱ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣዒንቱ ዝኸፈለ  ተባዕ ተቓላሳይ እዩ። ኣብ ስደት እውን እንተዀነ  ስንክልናኡ ከይዓገቶ፡ ዓይነ ስዉር ከይኑ ናይ ሙዚቃ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ፡ ወናም ኣርቲስት ኰይኑ ድማ  ንህዝቡ ዘገለገለ ሕቡን ኤርትራዊ እዩ። ሞያኡ ንፍትሒን ንዲሞክራስን ኮታ ንምሉእ ኣካላዊን ኣእሙራውን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፡  ወፍይዎ።

ኣብ ውድባውን ህዝባውን ኣጋጣሚታት፡ ኣብ መላእ ኣመሪካን ካናዳን ጥራይ ዘይኰነ ምስቶም ዘይሕለሉ ወናማት ብጾቱ ክሳብ ኤውሮጳ  እናገሸ  ፈስቲቫላትን ጉባኤታትን ብሙዚቓ ዘአንገደ  ምዑት ተቓልሳይ እዩ።

ብጻይ ሸምሓላል ህይወትካ ብመላኡ ምእንቲ’ቲ ክቡርን ቅዱስን ዕላማ ከፊልካዮ። ምስ ስንክላናኻ  ስድራቤትካ ኣሚቕካ፡ ብጾትካ ኣሐጒስካ ሓሊፍካዮ ኢኻሞ ንሕና ሰዲህኤ ብጾትካ ብኣኻ ሕቡናት ኢና። ተመስገን።  ጻማ ገድልኻ ድማ ካብ ኣምላኽ ተቐበል።

ነፍስካ መንግስተ ሰማያት  የዋርሳ።

ስድራ ቤትካን መላኣ ቤተሰብካን ፈተውትኻን ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ክንዲ፡ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

Last modified on Monday, 23 December 2019 11:18