Print this page

ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሸወደን ተኻይዱ

2019-12-03 09:20:52 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1600 times
Rate this item
(1 Vote)

ናይ ክልተ መዓልታት  ብጉዳይ  ምስዋር ቆልዑት ኣብ ኤውሮጳን ፡ ጉዳይ ስደት ትሕቲ ዕድመ ፡ ግዱድ ዕስክርና ፡ ጉዳይ ዘይሕዊ ነጋዶ ኣሳጋገርቲ ንግዲ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰባት ዝድህስስ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሸወደን ተኻይዱ።

ካብ ዕለት 30 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ሓደ ታሕሳስ ዝቀጸለ  ሰሚናር ብሓልዮትን ተበግሶ ማሕበር  ኣህጉራዊ ህዝባዊ ላዕለዋይ ቤት ትምህርትን ( Internationella Folkhögskolan ) ብምትሕብባር  ABF ( SDP Sweden)  ሰልፊ ሳይን( Partido SAIN ) ካብ ስፐይን , ሆመነት(  Homenet  Sout Asia ) ደቡብ ነይሩ።  ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣባላት ሰዲህኤ ሓው ጸሃየ ቀለታ ሓው ባይረ ገብረዎልድን ተሳቲፎም  ንህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን  ኤርትራ  ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ  ግህሰት ግፍዕን ዓዘባን ግዱድ ዕስክርናን ሓቢሮም። ክልተ ኣጋይሽ ካብ ስፐይን ዝመጹ  ስደተኛታት ኣፍሪካ ቆልዑት ብነጋዶ ማፊያ ሰፍሕ ዕዳጋ ናይ ምንዝርና ከም ዘሎ እስፓንያ ኣፍደገ ንዕዳጋ ባሮት ቆልዑት ማዃና ብሰነዳት መጽናዕትን ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።

30 ሰሚናር 2

 ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ባሕቲ ታሕሳስ ሓው ጸሃየ ቀለታ ልክዕ ሃለዋት ጨካን ምሕደራ ዉልቀ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ፡ ቅዋም ኣልቦ ፡ ባይቶ ኣልቦ ፡ ዲምክራስያዊ  ምርጫ ኣልቦ ፡ ብመንግስቲ ዝውነና እንኮ ቲቪ ፡ እንኮ ጋዜጣ ፡ ናጻ ምዝራብን ምጽሓፍን ኣልቦ ሃገር፡ ዩንቨርሲቲ ኣልቦ ፡ ብግልባጡ  ልዕሊ 360 ቤት ማእሰቲ  ዘሎዋ ንጽልቲ ሃገር ምዃና ሓቢሩ። ብዝያዳ ዝተጥቅዑ መንእሰያት ጥሕቲ ዕደመ ኣደዳ ስደትን ግዱድ ዕስክርናን ርኽስቲ  ሳዋ ምኻኖም፡  ወለዲ ኣልቦ ቆልዑት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብስእልታት ዝተሰነየ  ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ሲዒቡ ናይ ታይላንድ፡ ናይ ፓኪስታን ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን ዝተጋጠመ ብሓቂ ኣደንጻዊ ኩነታት በብሓደ  ብስእልታት ዝተሰነየ ኣቅሪቦም።  ብሃለውት ህዝብናን ሃገርና ዝተገረሙ  ሓያሎ ሕቶታት ኣቅሪቦም ብፍላይ እቶም ካብ ስፐይን ዝመጹ  ክልተ ማሕበራት ጉዳይ እዚ ኣሰቃቂ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ በፍጹም ወረ የለን ኣይንፈልጦን ኢና። እዚ ኣሰካፊ ሃለውት ከኣ ዓለም ክፈልጦ ስለ ዘሎዎ ንስፐይን መጺእኩ ክትገልጹን  ምስ ጋዜጠኛታ ከነራኽበኩምን  ንኽእል ኢና ኢሎም ፡ ዓለም ግና ስለምታይ ጸማም እዝኒ ይገብር ምባል ነቂፎም ኩሉ እቲ ስእልታትን  ወሲዳም ክንዕድመኩም ኢና ኢሎም ተፋንዮምና።

30 ሰሚናር 3

Last modified on Tuesday, 03 December 2019 10:59