Print this page

ኤርትራዊ ስብእነት

2019-12-02 22:40:34 Written by  ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1785 times
Rate this item
(0 votes)

ቀደምሲ መፈለጥታ ኤርትራዊ ስብእነት ኢዩ ነይሩ።  ዘርኣይ ደረስ ጠላይን ኣብ ኣደባባይ ሮማ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ክረግጽዋ ምስ ርኣየ ኢዩ (በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክምዘን ዘሎዎ)  ጉራዴ መዚዙ ንጠላይን ዝመልዓሰ። ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝብሃሉ ጀጋኑ ከኣ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ፌስታ` ኣብዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ጀነራል ግራስያኒ ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ነታጕ ደርብዮም ናይ ቅትለት ፈተነ ብምግባር ኤርትራዊ ጅግንነቶም ዘመስከሩ። ቅድሚኡውን እንተዀነ ንውግእ ዓድዋ ዘዐወተ ኣውዓሎም ዝተባህለ ኤርትራዊ ከምዝነበረ ይእመነሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቶም ብልዑል ጅግንነቶም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ብምንባሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ልዑል ፍናን ኢዩ ዝህብ ነይሩ። ብናቶም ጅግንነትን ብህርኩትንኡን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ኢዩ ዝነብር ነይሩ።

ብስነ ሞገተ አንተዀነውን ኤርትራ ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኣፍርያ ኢያ። ከም ብዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ርእሲ ተሰማ ኣስበሮም፣ ሸኽ ዕብደልቃድር ከቢረ፣ ዶ/ር ሎሬንዞ ትእዛዝ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣብ ዓለም ተዛሪቦም ዘስምዑ ዓበይቲ ተማጐቲ ኤርትራውያን ነይሮምና ኢዮም። (ኣብ መርበብ ናይ ሓው አምነቱ ተስፋይ  - emnetu.com - ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ biographies ዝብል ኣረእስቲ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ)።

ስብእነት ኤርትራዊ ብሰብኡት ጥራይ ኣይኰነን ዝንጸባረቕ ዝነበረ። ኣንስቲውን ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ብጊዜ ቁልዕነተይ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝብሃል ብደርፊ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ። ብሸነኽ ምዕራብ ናይቲ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ዓዲ ሓርማዞ ዝብሃል ብዓበይቲ ኣኽራናት ዝተኸበ ቦታ ኣሎ። ሓደ እዋን ዕንጨይቲ ከምጽእ ወፊረስ  ለምለም ትብሃል ጓል ዓደይ ብስግር ሽንጭሮ ኰይና ክትደርፍ ሰሚዐያ። ደርፋ ስለዝሰሓበኒ ከኣ ጽን ኢለ ክሰምዓ ጀሚረ። ዳሕረይሞ ኣብቲ መኒኻ ዝብለካ ዘይነበሮ ሞሮር ዓደይ ኣነውን ናይ ለምለም ደርፊ ብዓውታ እደርፋ ነይረ ኢየ። ገለ ሕጂ ድዝክሮ ክፋል ናይታ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፥ 

ለማ ሓደ ኣንታ ለማ ሓደ ወድኖ`ዶ ስኢንካ ፈዳይ ሕነ - እንዳበለ ይቕጽል።

ለማ ሽፍታ ኢዩ ነይሩ። ሽፍትነቱ ኣብ ሃብታማት ዘተኰረ ስለዝነበረ ምስ ናይ ዓዲ አንግሊዝ `ሮቢን ሁድ` ተመሳሳልነት ነይርዎ። ናይ ሓልሓለ ሕርሻ ብ`እንዳ መረሳኒ ዝብሃሉ ጠላይን ኢዩ ማዕቢሉ። ብግዚኡ ክኣ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ ኣሕምልትን ፍርያት ጸባን ኢዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ሽፍታ ለማ ከብቲ እንዳ መረሳኒ ብሓይሊ ብምውሳድ አንዳዀብኰበ ናብ ጉሕጭዓ ናብ ኣያኹሉ ዝብሃል ጎቦ ገጹ ተመርቂፉ። እንዳ መረሳኒ ኣብ ጐረቤት ሓልሓለ እትርከብ ዓዲ ገዳ ከይዶም ስለዘእወዩ ሰብኡት ዓዲ ብጉያ ኣብ ጸግዒ ጎቦ ኣያኹሉ ኣርኪቦም ውግእ ከፊቶም ንለማ ቀቲሎም ከብቲ አንዳመረሳኒ ሒዞም ተመሊሶም። ሓደ ካብቶም ሰብኡት ኣነ ኢየ ቀታል ለማ ኢሉ ስለዝፈከረ ክኣ ኢዩ እታ ለማ ሓደ - ወድኖ`ዶ ስኢንካ ፈዳይ ሕነ ዝተደርፈት። ለማ፥ ሓው ድኣሉ ዘይነበሮ`ምበር ሓንቲ ኣብ ኣስመራ እንዳስዋ ዝነበራ ሓብቲ ነይራቶ። ሓብቲ ለማ ሆየ ሓወይሲ ፈዳይ ሕነ ስኢኑ ተደሪፉሉ ኢላ ብምሕንሓን ንብረታ ሸይጣ ሕነ ክትፈዲ ሸፊታ። ሽዑ ኸኣ፥

ተጠንቀቑ በልዎም ንጽልማ፣ ምንሽር ዓጢቓላ ሓብቲ ለማ - ዝብል ደርፊ ተጋዊሑ።  እዚ ዝሰምዐ ቀታል ለማ ብዓል ዓዲ ገዳ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ይነብር ነይሩ። 

ኣብ ርሑቕ ከይከድና፣ ንዓለም ዘገረመ ጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ`ውን ተራእዩ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ከይንገር ዝዓፈኖ መስተንክር ጽንዓትን ጅግንነትን ኤርትራውያን ግና ገና ብሕጂ ኢዩ ክውጽእ። ታሪኽ ብዓል በርሀ ጻዕዳ ብዓል ብጻይ ጎይትኣኦም በርሀ፥ ታሪኽ ብዙሓት ጀጋኑ፥ ብቑንጫሉ ኢዩ ተፈሊጡ ዘሎ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሐበኒና ክኸውን ዝግብኦ ዘይናቱ መልክዕ ክውሃቦ እንከሎ ኣዝዩ ኢዩ ዘሕዝን። ቃልሲ ኤርትራ በቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ሻዕብያን ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ህግደፍን ኣይኰነን ክምዘን ዝግብኦ። ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኢዮም ንናጽነት ኤርትራ ኣዐዊቶሞ።

ኣብ ሰብዓታት ንኤውሮጳ ምስ መጻእኩ ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ኖርወይ ዘጋጠመ ነገር ክሳብ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ የስሕቐኒ። ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ፋብሪካ እንዳሰርሐ እንከሎ ምስ ሓደ ወዲ ፓኪስታን ብገለ ነገር ተዃርዮምሲ ወዮ ኤርትራዊ፥ “ወይት! ዩ ሃቭ ትራውዘር ኣይ ሃቭ ትራውዘር - ኣይ ዊል ሾው ዩ”  - ይብል። ጽናሕ መን`ና ብዓል ስራ ምዃኑ ከርእየካ ኢየ ማለቱ ኢዩ። ክርድኦ ዘይክኣለ ወዲ ፓኪስታን - “ስቱፒድ፣ የስ ኣይ ሃቭ ትራውዘርስ - ሶ ዎት?”  ጽሉል፣ እወ ስረ ኣሎኒ- እንታይ`ሞ ኢዩ? ኢሉ ይሓትት። ወዮ ኤርትራዊ ኣነውን ብዓል ስረ ኢየ ኢሉ ዝመለሰሉ መሲልዎ ልዓት ናይ መኾስተር ኣልዒሉ ርእሱ ምስ ተርተሮ ጫው ጫው ኰይኑ ፖሊስ ተጸዊዖም ተኣሲሩ። 

ሕጂ፥ እሞ ሕነ ፍደዩ ወይ ተብኣሱ ዲኻ ክትብል ደሊኻ ኢሉ ድወራዘ ኣይክጠፍእን ኢዩ። ከምዚ ሎሚ ህይወት ወዲ ሰብ መጻወቲ ከይኰነ እንከሎ፣ ቀደም ኣብ ኤርትራና ሰብ ክብረት ስለዝነበሮ ቅትለት ብወረ ሳሕቲ ዝስማዕን ከም ጉድ ዝቑጸርን ኢዩ ነይሩ። ሕጊ ኦሪት ዝዓይነቱ ዝቐተለ ይቀተል ዝብል ከም ቅቡል ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ንምርድኦም ዘጸግሙ ተርእዮታት ኣሎዉ። ሰብኡተን ኣቦታት ደቀን ተኣሲሮም - ዝተቐትሉውን ኣሎዉ - ምስ ቀተልቶም ክደርፋን ክስዕስዓን ዝሓድራ፣ ኣሕዋቶም ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘስካሕክሕ ኩነታት አንዳ ኣሕለፉ ምስ ኣሰርቶም ክሰኽሩ ዝሓድሩ፣ ሰብኣይካ/ሰበይትኻ ኣቦ/ኣደ ደቅኻ ኣብ ዘሳቕየልካ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስርዓት እንዳኣግልገልካ ምንባር ዝኣመስሉ ነገራት ኣዝዮም ዘይንቡራትን ዘይኤርትራውነት ባህርያትን ኢዮም። 

ካልእ ኣሰካፊ ጉዳይውን ኣሎ። ጥቕሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሩህ እኳ እንትዀነ ስረ ዘፍትሕ ጐዳኢ ጐኒስ ይህልዎ ኢዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺእካ ህግደፍ ንሓደ ቤተ ሰበይ ከምዚ ገይሮሞ/ገይሮማ ኢልካ መውጽኢ ሕማምካ ምግባር፥ ኣባል ናይ ሓደ ውድብ ወይ ናይ ሓደ ጉጅለ ኢየ ወዘተ ኢልካ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበርካ ኣምሲልካ ምጅሃር ዝኣመሰሉ ነገራት ዘየተሓሳስቡ ኣይኰኑን። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክኣ ኢየ ስረ የፍትሑ ከይህልዉ ዝብሎም ዘሎኹ።

 ዘረባ ቁንጭል ኣቢሎም ወሲዶም ምስዋር ዝብርሆም ሰባት ኣሎዉ። ስለዚ ኩሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይጠቅምን ኢዩ ማለተይ ከምዘይኰነ ደጋጊመ ከስምረሉ እፈቱ። እኳድኣ፡ ናይ ሕጂ ቃልሲ ኤርትራ ብዘይ ናይ ገሊአን ዘይሕለል ጻዕሪ ንቕድሚት ክስጉም ኣይምኽኣለን ነይሩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘሎኒ። ከምኡ ይኹን እምበር፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ወጺእካ ብምልፍላፍ ዝግብኣካ ጌርካ ወይ ኣድማዒ ስራሕ ጌርካ ማለትግን ኣይኰነን። ነዚኣ ብዘረባ ኣቦይ ቀሺ ከፍሉ ከረድእ ክፍትን። ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ ሓረስታይ ፈታው ስራሕ ስለዝነበሩ ኣብ ታኻ ዝብሃል መሬት ዓዶም ሕርስ ውዒሎም ስለዝደኸሞም ናውቲ ማሕረስ ኣብቲ ግራት ገዲፎም ንገዛ ምስ ኣተዉ ኪዳነ ዝብሃል ወዶም ኣብቲ ናይ ደንበ ንእዲ ግንብው ኢሉ ምስ ወልዱ ዓርኩ ከዕልል ጸኒሑዎም። ብውሽጦም፣ ዓቢ ግራት ዝሕረስ ከምዘለኒ አንዳፈልጠስ ኪዳነ ወደይ ዕላል ተራእይዎ ኢሎም ጕህዮም ነይሮም። `ኣታ ወልዱ ወዲ ሓውይ` ኢሎም ጸዊዖም ኣቓልቦ ወልዱ ምስ ረኸቡ `ኣዴኻ ኣድጊ`ዶ ርኢኹም ክትብል ሰሚዐያ ኪድ ሓግዛ` ይብሉዎ።  ወልዱ ምስ ከደሎም ክኣ፦  ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፥ ኣንታ ኪዳነ ኣብ ጥልያን ተዓስኪርካ ኔርካ ቋንቋ ጥልያን እኽእል ኢየ ኢኻ ትብል ኪዳነ፥ ከመይድኣ እኸእል እወ ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፣ ሕራይ ዝወደይ እሞ ኮሽቶ-ሞሽቶ እንታይ ማለት ኢዩ? ኪዳነ፥ ኣየ ኣቦይ እዝስ ዘረባ ደቂ ሹቕ ኢዩ እምበር ዘረባ ጥልያን ኣይኮነን

ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፥ እዚ ድዩ ድኣ ፍልጠትካ ኪዳነ ወደይ! በል - ኪድ እቲ ናውቲ ማሕረስ ካብ ታኻ ግራትና ኣምጽኣዮ ማለት ኢዩ!

ኪዳነ እንዳስሓቐ ንታኻ ከይዱ ናውቲ ማሕረስ ኣምጽአ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ አንተተባህለ - መልእኽተይ ኵኖ ኮሽቶ-ሞሽቶ (ኵኖ ኣብ ሶፋ ተቐሚጥካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልፍለፋ) እንሆ ጎልጎል - እንሆ ታኻ -  ቃልስና ብተግባር ነሐይል ዝብል መልእኽቲ ኢየ ከመሓላልፍ ደልየ። ኤርትራውያን እኮ ኢና - ኣብ ደምና ተደጕሉ ዘሎ ስብእነት ነውጽኣዮ! ዓወት ንኻልኣይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

የቐንየለይ።

28 ሕዳር 2019

Last modified on Monday, 02 December 2019 23:46