Print this page

ሓድነትና፡ ዲክታተር እንስዕረሉ፡ መሳርሒና

2019-11-28 08:54:42 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1702 times
Rate this item
(0 votes)

ዲክታቶራት ካብ ዝፈርሕዎ ብዙሕ ጉዳያት፡ ናይቲ ዝጭቁንዎ ህዝቢ ሓድነት ቀንዲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ናይ ወጽዓ ወንበሮም ምእንቲ ዕድሚኦም ከናውሑ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦም ዝሰርሕሉ ብዝተጸንዐን ቀጻልን ኣገባብ ናይቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ኣዳኺምካ ምፍልላዩ እዩ።

ዲክታቶራት ሓድነት ህዝቢ ንምብታንን ናይ ሕድሕድ ምትእምማኑ ንምድኻምን ዝመርጽዎ ቀንዲ ሜላ ነቲ ብግቡእ ምምሕዳርን ምጽውዋርን ክተሓዝ እንከሎ ናይ ህዝቢ ዓቕሚ ምንጭን መልክዕን ዝኾነ ብዙሕነት ምምዝማዝ እዩ። ካብቶም መግለጺ ብዙሕነት ህዝብና ዝኾኑ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ጾታ፡ ከባብያዊ ኣሰፋፍራ፡ ዕድመ፡ ናይ ስራሕ ምክፍፋል፡ ገጠርን ከተማን ካልእን እቶም ቀንዲ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ዲክታተራት ሓድነት ህዝቢ ንምልሕላሕን ምድኻምን ዝጥቀምሎም መዳያት እዮም።

ዲክታቶራት ነዚ ቀጻልነቶምን ዘይቀጻልነቶምን ዝውስን ዕማም ብሃንደበት ዝፍጽምዎ ዘይኮነ፡ “ኣይናይ እዩ ብቐሊሉ ተባሊሑ ሓድነት ህዝቢ ዝብትን?” ዝብል ሕቶ ዝምልስ እኩይ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ነዚ ዝበቅዕ በታኒ ዓቕሚ ሰብ ብምምዳብን ርቡሕ ንዋት ብምስላዕን እዩ። ኣብ ኣተገባብራ ከኣ ንሓንሳብ ንሓደ ስምዒት ንበይኑ መዚዞም ሰማይ ኣዕሪጎም ይጥቀሙ። ብድርብ ዝጥቀምሉ ግዜ እውን ኣሎ። በቲ ቅድም ዝሓዝዎ ሜላ ምድማዕ ምስ ሰኣኑ ከኣ እዋናዊ ኩነታት ርእዮም ካልእ መንገዲ ይቕይሱ። ኣብዚ እኩይ ተግባሮም ከምቲ ዝደልይዎ ከድምዑ ዝኽእሉ ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ክነቕሓሉ ክሳብ ዝኽእል ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኣብ ልዕልቲ ምስጢር ሓያልነቱ ዝኾነ ሓድነቱ ዝእለም ተንኮል ምዃኑ ምስተረደአ ግና፡ ወዮ ዲክታተር ውዲታቱ ተቓሊዑ፡ ኣብ ጐልጐል ዝወግሖ ዝብኢ እዩ ዝኸውን። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ኩሉ ብዝበሃል ደረጃ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘሕዝንን ኣብ ቃልሲ ክትሕርን ዝድርኽን ኩነታት ኣስተብሂሉ፡ “ህግዲፍ ንጥፍኣተና ዝተላእከ ጉጅለ እዩ” ክብል ምኽኣሉ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምነት መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ እቶም ካለኦት ኣመንቲ “እዚ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን” ብዝብል ድምጾም ክሓብኡ እዩ ዝጽዕር። እዚ ኣብቲ ህዝቢ ምድግጋፍን ሓድነትን ከይዓኩኽ ካብ ዝብል ዝጥቀሞ ሜላ እዩ። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኢዱ ኣእትዩ ክሳብ ምምዛዝን ምውራድ ፓትርያርክታት ኣብ ዝበጸሓሉ፡ እቲ ካልእ እምነታት ዝስዕብ ህዝቢ ድምጹ ከየስምዕ ጉጅለ ህግዲፍ “ንዓኻትኩም ስለ ዘይምልከት ኣፍኩም ሓዙ” ዝትሕዝቶኡ ስቱር ምልዕዓላት ኣካይዱ። ቀጺሉ ኣብ ጉዳይ ምስልምና ኣትዩ ቤት ትምህርቲ ምዕጻውን ምእሳር ዓገብ ንዝበሉ መራሕትን ሰዓብትን ምስ ኣካየደ፡ ናብቶም ካለኦት ኣመንቲ ዝነዝሖ ተመሳሳሊ ሰላሕታዊ መልእኽቲ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ትካላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ክወርስ እንከሎ እውን ከምኡ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕልሚ ህግዲፍ እዩ። ብግብሪ ግና ሕልሙ ከምቲ ዝደልዮ ኣይተጋህደን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ “ጽባሕ እውን ነዓይ” ብዝብል ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮኑ እቲ መርኣያ ከፋፊልካ ግዛእ ዝኾነ ወጽዓ ናብ ኩሉ ከም ዝልሕም ናይ ግድን ምንባሩ ተረዲኡ ኣንጻርቲ ኣብ ኩለን ሃይማኖታዊ ትካላት ዝተፈጥረ በደል ብሓባር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ብልዑል ድምጺ “ዓገብ” ይብል ኣሎ። እዚ ንዝርደኦ ስርዓት ኢደእግሩ ኣኪቡ ስልጣን ናብ ዋናኡ ህዝቢ ከረክብ ዘጠንቅቕ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝሰኸረ፡ በዘይካቲ ንሱ ዝሓስቦ ብጋህዲ ይኹን ብስዉር ዝንገሮ መልእኽቲ ዝቕበል ኣይኮነን።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብዘይካቲ እዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ብዙሕነትና፡ ጉጅለ ህግዲፍ ሓድነት ህዝብና መፍረሲ ከይጥቀመሉ ክንገብሮ ዝግበኣና ጥንቃቐ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሓድነትና ናይ ምድልዳል ሓላፍነት እውን ኣሎና። ህግደፍ ፖለቲካዊ ኣተሓሳባና ከይሰጥም እውን ካልእ ዝሰርሓሉ እዩ። ገሌና ደገፍቲ ገሌና ተቓወምቲ ተበሃሂልና ክንናቖት ይሰርሕ። ገሌና ህግድፍ መወዳድርቲ ዘየብሉ ዲክታተር ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ ክንብል፡ ገሌና ከኣ ከምቲ ንሱ ክበሃለሉ ዝደልዮ ሃገር ዘምጸአን ሃገር ዝሕሉን ንሱ ስለ ዝኾነ ይንበረልና ደኣ ክንብል ይጽበ። ነቲ ኣንጻር ወጻዒ ፖሊሲ ህግዲፍ ዝቃለስ ዘሎ ኣካል ገሌና ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ገሌና ድማ ናይ ወያነ ልኡኽ ወይ 5ይ መስርዕ ክንብሎ እሞ ኣቕጣጫና ስሒትና  ክንበኣሰሉ ይደልን ይሰርሓሉን።

ሎሚ ግና ህግዲፍ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ተሳዒሩ እዩ። ንህግዲፍ ዝድግፍ፡ ዝንእድ፡ ይንበረልና ዝብል ድምጺ ኣዝዩ ቅሂሙ እዩ። እቲ ኣዝዩ ትሑት ሰብ ከይሰምዖ እንዳፈረሐ ንህግዲፍ ዝንእድ ድምጽታት  ብብሕታዊ ረብሓታትን ሓለፋታት ዘውህብ ስልጣንን ዝተላዕጠጠ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ህግዲፍ ዲክታተርን ጸረ-ህዝብን እዩ፡ ህግዲፍን ናይ ጭቆና መሳርሒ ትካላቱን ይወገዱ፡ ኣብ መቓብሩ ከኣ ሕገ-መንግስታውን ብዙሕነታውን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይተኸል ዝብል ድምጺ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዘለዉሉ ከባብታት ዓለም ይሃምም ኣሎ። እቲ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኣንጻር ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክሳብ ክንደይ ብዙሓት የሳትፍን ብኤርትራዊ ብዙሕነት ይውቅብን ከም ዘሎ ምዕዛብ ይከኣል። ስለዚ ሓድነትና፡ ዲክታተር እንስዕረሉ መሳርሒና ስለ ዝኾነ፡ ኣትኪልና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ናይ ምዕዋትና ቅደመ-ኩነት እዩ።

Last modified on Thursday, 28 November 2019 09:57