ናይ ሱዳን ከኣ ናይ ህዝባውያን ማሕበራት ወከልቲ
Sudanese Professionals Association, No to Oppression against Women Initiative, MANSAM, the Sudan Revolutionary Front, the National Consensus Forces, Sudan Call, the Unionist Gathering, and the Sudanese resistance committees, created in January 2019 during the 2018–19 Sudanese protests
ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ናይ ኩሉ ዓይነት ምሁራት ስለ ዘለዎም ንመን ኣብ ስራሕ የዋፍሩ ሽግር የብሎምን። ስልጣኖም ከኣ ቅዋም ምስ ቆመ የብቅዕ።
ንዓ ተለዓል ሰራሕተኛ ንዓ ተለዓል መንእሰይ ንዒ ተለዓሊ ጓል ኣንስተይቲ ንዓ ተለዓል ተመሃራይ ንዓ ተለዓል ምሁር ንዓ ተለዓል ሓረስታይ ወዘተ…… ክጽውዑ ዝኽእሉ ህዝባያን ማሕበራት ኢዮም፡ እቲ ጽቡቅ ከኣ ኣብዘን ማሕበራት ናይ ኣውርጃ ዓሌት ሃይማኖት ወዘተ…… ፍልልይ የለን፡ ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምጥርናፍ እውን ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቍፍ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ሓንቲ ማሕበር ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ማሕበር ናይ መንእስያት፡ ዝተፈላለያ ናይ ሞያ ማሕበራት፡ ሓንቲ ማሕበር ናይ ዜና ክህልዋ እቲ ምዕቡል ኣካይዳ ህዝባዊ ናዕቢ ኢዩ።
ነፍስ ወከፍ ሰብ ቅድም ንመሰሉ ኢዩ ዝሓስብ፡ ኣባል ፓርቲ ኮይኑ እውን እታ ፓርቲ ዋላ ትመረጽ መሰሉ ክትሕልወሉ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ከም ኣብነት ሰራሕተኛ ኮይኑ ንመሰሉ ብማሕበር ሰራሕተኛ ጥራሕ ኢዩ ዝወሓሰሉ። ስለዚ ህዝባውያን ማሕበራት ጽላል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኢየን። ኣባል ውድብ ሰልፊ ኩን ኣይትኹን እቲ መኣዲ ንኹሉ ኢዩ። ክእለት ኣሎካ ክእለትካ ኣበርክት፡ ኣቶም ክእለት ዘይብሎምን ሓገዝ ዘድልዮም ምምሃርን ምሕጋዝን ከኣ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንምድላው ኢዩ እቲ ቁምነገሩ።
ካልእ ኣገባብ ናይ ምቅላስ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ሓይሊ ዕማማት ቆይሙ ካብ ውሽጦም ወከልቲ ይምረጹ፡ ገለ ኣብነታት ንምሃብ ክእለትካ እንታይ ኢዩ ክትሰርሕ ክትምህርዶ ክትመሃር ክትለኣኽ ፡
ህግደፍ ካብ ቆልዑ ጀሚሮም ክሳብ ሽማግለታት ብማእለያ ዘይብሉ ሓሶት ወይ ከኣ ብምፍርራሕ ኢዮም ዝቃለሱ ነዚ ህዝብና ኣረዲእና እንተኣሕዲግናዮም ውግእ ኢዩ ንርእሱ፡ ግን ማዕሪኦም በቲ ናይታ ዘለኻዮ ሃገር ቋንቋ እውን ንመንእሰያት ከተረድእ ኣሎካ።
ተስፋይ ባይረ
ሕዳር 2019
ክንዕወት ኢና