Print this page

ህዝቢ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈላልዩ ዝጸልኦ የብሉን

2019-10-30 08:58:43 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1585 times
Rate this item
(0 votes)

ኣህዛብ ናይ ዝተፈላለያ ጎረባብቲ ሃገራት በቶም ኣብ ስልጣን ዝመጹ ዘገራጭውዎም እንተዘይኮይኑ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጽልእን ቅርሕንትን የብሎምን። የግዳስ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብናይ መገሃጫ፥ መሬት ዝርከብ ምግርጫዋት ይበዝሕ ካብ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት።

ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን እንተመጺእና፥ ኣህዛብ ሰለስቲኡ ሃገራት መንግስቲ ምስ መንግስቲ ይገራጮ እምበር ክሳብ ሕጂ ኣህዛብ እዚ ቦታታት እዚ ተገራጭዩ ኣይፈልጥን።  ልክዕ እዩ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊ ክልተ ተዳወብቲ ጎረባብቲ ሃገራት ሕቶ ዶብ፥ ከምኡ እውን ኣፍደገ ባሕሪ፥ እንተልዩ ግርጭት ክፍጠርን ቀንዲ ጠንቂ  ውግእ ዘልዕል ኢዩ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ምንም ግርጭት ወይ እውን ውግእ ኣይተራእየን። ምኽንያቱ ንውግእ ዘልዕል ናይ ዶብ ሕቶ ይኹን ኣፍደገ ባሕሪ የለን።

ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ግን፥ ሓደ ኤርትራ ብጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ዝብል እምነት ከም ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ዝቘጽራ ህዝቢ ኣሎ። ካልኣይ ድማ ብሰንኪ እዚ እቲ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኣፍደገ ባሕሪ ንደገ መእተውን ምውጽእን ክትስእን ተገይሩ ብዝብል ምስምስ ናብ  ግርጭታት ከእቱ ይኽእል እዩ። ምናልባት ኤርትራ እቲ ዕድል ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ እንተዘይነበራ  ውግእ ዘልዕል ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። እንተኾነ ግን ሕማቕ ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፥ እቶም ንባድመ ኣብ ትሕቲ ወያኔ ክትመሓደር ዘፍቀዱ ኩሎም መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር፥ እቲ ረፈረንዱም  ወይ ህዝባዊ ወኸሳ ክካየድ ከሎ ኣቐዲሞም ዶብና ይፈለጥ ወያኔ ድማ ካብ ባድመ ትውጻእ ክብሉ ዝግበኦም ክንሱ ብጉርሒ ሰጊሮማ። ነዛ ጉዳይ እዚኣ ግን ስለምንታይ ከምዝሰገርዋ ዝተሓሳስብ እዩ።

ድሕሪ እቲ ውግእ እቲ  ዝተኻየደ ስምምዕ ምስ ወያኔ ዘይኮነስ ኣብ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢዩ ዝነበረ። እዚ ኩሉ ሕልኽልኻትን ማሕለኻታትን ግን ‘ነቲ ፋስ መን ሰረቖ’ ዝዓይነቱ እናኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሎሚ ድሌት መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶብ እንታይ ከም ምዃኑ ዝተነጸረ የለን። ምኽንያቱ ኢሰያስ በቲ ዘውጽኦ ቃላት ማለት ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ክብል ከሎ፡ ነቲ ዶብ ክሕንጸጽ ድሌት ከምዘይብሉ እዩ ዝእምት። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ውዕል ኣልጀርያ ከተግብሮ እምበር፥ ንኤርትራ ዝምልከት ክትዛረብ ከላ ንናይ ዶብ ምሕንጻጽ ትደልዮ ኣይመስልን። እዚ ናይ ክልቲኦም ዶክተር ደብረጽዮንን ዶክተር ኣብይን ቁርቁስ ንኢሰያስ መን ከሰበ ዝኸይድ ኣገባብ ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ነቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ። ብቐንዱ ነቲ ምሕንጻጽ ዶብ ስርዓት ኢሰያስ ዘይተበገሰሉ እኳ ይኹን እምበር፥ እቲ ምድንጓይ ምሕንጻጽ ዶብ ጽባሕ ዘወልዶ ሽግር ኣይፍለጥን እዩ። እዚ ማለት ዶክተር ኣብዪ ነቲ ዶብ በቲ ውዕል ኣልጀርያ ንምትግባር ተሰማሚዐ ክብል ከሎ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ  ድማ ዶክተር ደብረጽዮን የለን ህዝቢ ዘይተሓወሶ ክኸውን ኣይክእልን ብምባል ጭርጭር ዓበደ ይጸወት ከምዘሎ ነስተብህል። ቀጥታ ትርጉሙ ንሕና ዘይተሰማማዕናሉ ኣይከውንን ኢዩ ካብ ምባል ካልእ ትርጉም የብሉን።  ስለዚ ጉዳይ ዶብ ከም ሓደ ዓቢ መፈራርሂ ካርታ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ኢሰያስ ብወገኑ ጉዳይ ዶብ ረሲዑ ንጉዳይ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተዘይኮነ ንመላእ ሃገራት ኣፍርቃ እዩ ዝሓስብ እንዳበለ እዩ ዝሃድም ዘሎ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ ዶክተር ኣብዪ  ውዕል ኣልጀርያ ከተግብር’ኳ ቃል እንተኣተወ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ የለን ህዝቢ ዘይተሓወሶ ብምባል ክትግበር ኣይተኻእለን።  እዚ እውን ዶክተር ኣብዪዶ ዶክተር ደብረጽዮን ኢልና ክንመቓቕሎ ዘይኮነስ እቲ ቀንዲ ቀሪም ወይ ዋና ነዚ ጉዳይ እዚ ብዓብይኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ በዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ንጉዳይ ዶብ ዝፈትሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቕሚ የብሉን፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ ውን ከምኡ እዩ ስለዚ ዝተደጐለ ጓህሪ ኮይኑ ኢዩ ክተርፍ።

በዚ ዝኣክል ህዝቢ ኤርትራ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዛመድ እምበኣር፡ ፈልዩ ዝጸልእ ወይ ዝድግፍ ኣይኮነን። እዚ ማለት ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ ይኹን ቅርሕንቲ ስለዘይብሉ ከም ጎረባብቲ ሃገራት መጠን ናይ ምድጋፍን፥ ብሰላም ናይ ምንባርን ድሌቱ ዕዙዝ ኢዩ። ካብዚ ነቒልና ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ኮነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፈላሊና ናብ ሓዲኡ ክንዘዙን ብኡ መሰረት ድማ ነቲ ህዝቢ ንድግፎን ንነጽጎን ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ከመይሲ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃኑ።

Last modified on Wednesday, 30 October 2019 10:01