Print this page

 “ኣብይ ወዲ ሽዋ፡ ንኢሱ ሽዊድዋ”

2019-10-27 08:38:23 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1768 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ሎሚ ዓመት ንመበል ሚእቲ ግዜ ዝወሃብ ዘሎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ “ንእገለ ወይ ንእገለን እገለን ብጽምዲ ተዋሂቡ” ተባሂሉ ብማዕከናት ዜና ክንገር ኢና ንሰምዕ ኔርና እምበር፡ ከምዚ ሎሚ ኣባና ኣዛራቢ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ሎሚ ዘበን ግና ኣብ ጉረቤትና ስለ ዝተዋህበ የዛርበና ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዘዛርበና ከኣ ከም ሓደ ምኽንያት መውሃቢ እቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት፡ ካብ ኣድማዕነቱ ኣዛራብነቱ ዝበዝሕ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ምዃኑ፡ በቲ ብውሳነኡ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ ዘሎ ሸላሚ ኣካል ስለ ዝተገለጸ እዩ።

እቲ ብናይ ሎሚ ዓመት ተግባሩ ብጻዕቂ ዝንቀፍ ዘሎ፡ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዝውሰን ኣካል፡ ናይ 2019 ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ከም ዝሃበ ምኽንያቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብቲ ናብዚ ዘብጸሖ እቶም ቀዳሚይ ሚንስተር ነቲ ብደረጃ ዓለም “ኣይሰላም ኣይውግእ” ብኣገላልጻ እዞም ኖበል ዝሽለሙ ዘለዉ መራሒ ከኣ “ሞት ዘይነበሮ ውግእ” ዝተባህለ ብድፍረት ጥሒሶም ምስ ኤርትራ ሰላም ስለ ዘውረዱ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ፡ እሱራት ስለ ዝፈትሑ፡ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ስለ ዘስፍሑ፡ ተኣጊደን ዝጸንሓ ማሕበራዊ ሚድያታት ስለ ዝፈትሑ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ናብ ውልቃዊ ዋንነት ክመሓላለፍ ስለ ዘፍቀዱ ,,,,,,, ወዘተ ከም ተወሳኺ ንሽልማት ዘብቀዖም ምዃኑ ክዝርዘር ጸኒሑ። እቲ ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ኣምጺአምዎ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ካብ ኣዘራራቢነት ሓሊፉ መሰሓሓቢ እውን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ንኢትዮጵያውን ክንገድፈሎም ዝሓሸ እዩ። ካብዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ክንመሃርን ክንምኮርን ግና ዝጽላእ ኣይኮነን።

እቲ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ፡ ጉዳይና ግና ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ እስከ ናብኡ ንመለስ። ካብቲ ናይ 1998 ሓቀኛ ጠንቁ ተደፊኑ ብ“ውእግ ባደመ” ተሰይሙ ዝተኻየደ፣ ብመራሒ ህግዲፍ ከም ዝተወለዐ ብዘይሻራውያን ኣጻረይቲ ዝተረጋገጽ፥ ህይወት ከባቢ 100 ሺሕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን  ዝበልዐ፡ ኤርትራ ነዚ ውግእዚ ብምጽሕታራ እቲ ዝወረደ ክሳራታት ተወራሪዱ ንኢትዮጵያ ዝያዳ 10 ሚልዮን ዶላር ክትክሕስ ዝተፈርዳ ንመለስ። ድሕሪዚ ደማዊ ውግእ እቲ ጉዳይ ናብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ፡ ዝተመስረተ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ቀሪቡ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብይን ንመያየጥ እምበር፡ ከም ዘለዎ ኣይትግብርን እየ ስለ ዝበለት፡ ከይተተግበረ ን18 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ጸኒሑ። ነስተውዕል ኣብዚ 18 ናይ ቀንፈዘው ዓመታት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ “እዚ ብይን ከይተተግበረ፡ ዘተን ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስ ዝበሃል ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ብዝብል ናህሪ ወሲኹ፡ ተሓላቒ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሲሉ እንዳገዓረ ኣቕቢጹ ጸኒሑ። እንተኾነ እዚ ልቢ ሓያሎ ኤርትራውያን መሲጡ ዝጸንሐ ገዓሪ ናይ ብሓቁ ኣይነበረን። በዚ መንሃሃሪ ጭረሖ ተሓቢኡ፡ ውሽጠውሽጢ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ውዲት ክኣልም ምስ ጸንሐ፡ ካብ መራሕቲ ተቓዋሚ ውድብ ጉንበት ሸውዓተ ሓደ፡ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ትንክፍ ምስ ኣበሎ ወዮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩረኹረኡ  ዝጸንሐ፡ ዲክታተር ሓሳቡ ዝቐየረሉ ምኽንያትኳ ከይሓበረ፡ ሃንደበት ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዱ። ብዙሓት እንተላይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ፡  ብድሕሪ መጋረጃ ውዲት ክእለም ከም ዝጸንሐ ዘይጠርጠሩ ወገናት  ድንጽይዎም።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ካብ ዘውሃቦም ምኽንያት ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም እዩ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበይ ኣሎ። ወዮ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀንዲ መፋላለይን መሰሓሓብን ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብከ ኣበይ በጺሑ። እምበርከ ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባዶ ተዛሪብምሉ። ነቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ምልዓል ነውርን ምዝራግ ሰላምን እዩ” ዝበሎኸ ንርሰዖ ዲና። ስለዚ ከም ተመኩሮ እቶም ክሳብ ሕጂ ብጉዳይ ሰላም ምርግጋጽ ኖበል ዝተሸለሙ፡ ንሰላም ስለ ዝደረፍዎ ዘይኮኑ፡ ጀሚሮም ክሳብ መወዳእታ ስለ ዘብጽሕዎ ከም ዝተሸለሙ ኢና ንፈልጥ። ዶ/ር ኣብይ ግና “ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ” ክብሉ እምበር፡ በዚ ዕለት’ዚ በዚ ኣገባብዚ ከተግብሮ እየ ክብሉኮ ኣይሰማዕናዮምን። “እቕበሎ እየን ተግቢረዮን” ከኣ ሰፊሕ ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጐንደር፡ ኣዋሳን ጅማን ከይዶም ብሓባር ካብ ምስኣል ሓሊፎም ዝገበርዎ የለን። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናይቲ ብደም ኣእላፍ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ፡ ምዑጉርቲ ምስዓሞም፡ ኣእዳዉ ምጭባጦምን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከይዶም ቁርሲ ቡን ምዕዳሎምን ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ኤርትራ ምውዳቖም ዝነግሮም ቀረብ እንተዝህልዎም ጽቡቕ ነይሩ።

ብዝኾነ እዚ ንዶ/ር ኣብይ ዝተዋህበ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት፡ ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስን ኣብ መንጎኦምን ኣብ ዝተኻየደ ቁማር እቲ ዲክታቶር ዝተሳዕረ ይመስል። ዘይሓንኽ ኢሳይያስ ከም ናይ ማንዴላን ፍረድሪክ ደክለርክን ብሓባር ክስለም ዝዘርገሖ ኣእዳዉ ማይ ዓሚኹ ተሪፉ። ዘገርም እዩ ኢሳይያስ ካብዚ ሽልማት እንተስካፈልስ እንታይ መልክዕኮን መተዋህቦ? ብዝኾነ እዚ ነቲ ኣደታት ኣስመራ ዲክታቶር ኢሳይያስ ምስቲ ኩሉ ንዓኡ ዝነበረን ደገፍ፡ ኣርእይወን ዘይፈልጥ ንዶር ኣብይ ዝለገሶ ሰሓቕ፡ ፍሽኽታን ምልፍላፍን ተዓዚበን “ኣብይ ወዲ ሽዋ ንኢሱ ሸዊድዋ” ዝበላኦ ዘግሃደ ተግባር እዩ ተራእዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ገለ ኢሳይያስ ካብ ንቡር ዝወጸ ክነሱ፡ ምስ ውነኡ ዘሎ ዝመስሎም ኤርትራውያን፡ ከምቲ “ዘይሓፍር ድሙስ ገብረማርያም ስሙ” ዝበሃል፡ ካብቲ ሽልማት ዘይተኻፈለ ኢሎም ዘጉረምርሙ ምህላዎም እዩ። ንሕና ነቲ ኩነታት ከም ዘለዎ እነንብቦ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ፡ ትካላዊ ውሕስነት ዘየብሉ፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ መስከርን መሰጋገሪ ዝሰረቕዎ ገንዘብ ህዝብን  ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ኣብ ዶባት ክልቴኤን ሃገራት ድማ መፍቶ ነጋዶ ኮንትሮባንድ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሓድሽ ዝምድና፡ ከም ምኽንያት መሸለሚ ኮይኑ ምቕራቡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነና። እንተቲ  “ኣብይ ኣሕመድ ወዲ ሽዋ ንኢሱ ሸዊድዋ” ዝብል ምስቲ ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ እግሪ ምሕጻሩ ኣብ ቦታኡ እዩ።

Last modified on Sunday, 27 October 2019 09:41