Print this page

ድሌትን ቕሩብነትን እንተልዩ፡ መዋጸኦ ኣሎ

2019-10-26 08:46:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1740 times
Rate this item
(1 Vote)

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራናን ህዝባን ተዳዕኒኑ (ተጻዒኑ) ዘሎ መከራ እንዝርዝረሉ እዋን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክብደት መግዛእትን ጥልመት ህግዲፍ ዝወለድዎ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ነቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝባን ብማዕዶ ንዝዕዘብዎ ደለይቲ ጽቡቕ ወገናት እውን ንጹር ስለ ዝኾነ። ሎሚ ኣፎም መሊኦም “ኤርትራ ዓዲ ደሓን እያ” ዝብሉ ወገናት እንተልዮም፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ዘይተረድኡ ወይ ድማ ምስ ህግዲፍ ተጸጊዖም  ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ዝዕንገሉ ውሑዳት ወገናት እዮም። ምናልባት እውን ንሰላምን ርግኣትን “ድምጺ ጥይት ብምስማዕን ዘይምስማዕን” ጥራይ ስለ ዝመዝንዎ ይኾኑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራውያን ብዛዕባ ዘሎ፡ ተወዳደሪ ዘየብሉ ጸገምን ወጽዓን ግንዛበ ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ናይ ዲሞክራሲ ተሓለቕትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ኣሰኪፍዎም “ዓገብ” ካብ ዝብሉ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኩነታት ከጽንዕ ጽዒሩ ኣይተፈቕደሉን። ብመንገዱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ከመሓይሽን ብገበን ስልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናብ ፍትሒ ከቕርብን፡ ተደጋጋሚ  መጸዋዕታን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። እቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝግበኦ ዓለም ለኻዊ ትካል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምጽቃጡ ከኣ ዘተዓዛዝብ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል ሬድዮ ዶቸወለ (ሬድዮ ጀርመን” ኩነታት ኤርትራ ዕሩይ ከምዘየለ ኣቃሊሑ። እዚ ብኻለኦት ማዕከናት ዜና እውን ክሰዓብ ዝግበኦ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ምናልባት ክሳብ ሎሚ ኣይተፈለጥኩን ክብል ግዲ ጸኒሑ፡ እቲ ክዉን ሓቂ ምስ ተነግሮ ቀጭቀጭ ኢልዎ ከዕለብጥ ከም ዝጀመረ ብማዕከናት ዜናኡ ተኸታቲልናዮ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ጀርመን በዚ ሬድዮኡ ሒዝዎ ዘሎ “ዓገብ” ናይ ምባል መንገዲ ክቕጽልን ንህግዲፍ ዝህቦ ነገራዊ ሓገዝ ኣበይ ይውዕል ከምዘሎ ክከታተልን ንምሕጸኖ። ካለኦት ሃገራት’ውን ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዓይነን ከንቁሓ ነተባብዕ።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ ጐልጐል ከም ዝወገሖ ዝብኢ” ጉዱ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝምልከቶ ብሩህ ምስ ኮነ፡ የዕለብጥ እዩ ዘሎ። ንሓንሳብ ናብ ኢትዮጵያ ይጽጋዕ። ንሓንሳብ ድማ “ኣብ ጐደናታት መቐለ ሸናዕ ክብል ቃሕ ይብለኒ ኣሎ” ይብል። ንሓንሳብ ከኣ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣርሓ፡ ዓራቕን መሃርን ክኸውን ይደሊ። እቶም ህርፋኑ እንታይ ምዃኑ ዝተረድኡ መተዓልልቱ ከኣ መወዳእታኡ ምእንቲ ክርእዩ ክዕዘብዎ ጸኒሖም።  ሎሚ ግና እቲ ሓቂ ኣብ ስምዒት ዘይኮነስ፡ ኣብ ብግብሪ ዝረአ መርተዖ ምሓዝ ምዃኑ ምስ ተረድአ፡ እሞ ንዓኡ ከምዘይበቅዕ ምስ ተገንዘበ፡ ከምቲ ኣመሉ ካብ ዞባውን ዓለም ለኻውን መድረኻት እንዳበኾረ፡ ናብታ ክጽግሞ እንከሎ ዝሕበኣላ ዓዲ ሃሉ ዝተሸጐጠ ይመስል። “ርኣዩኒ ርኣዩኒ፡ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ይወልድ” ማላት ከኣ ከምዚ እዩ።

ኣንቱም ወተሃደራዊ ኮነ ሰቪላዊ ሰብ መዚ  ኤርትራውያን፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህልዋት ክንስኹም ናብ ዘይህሉዋት ለዊጡ፡ ስማዊ ስልጣን ሂቡ እንዳቐያየረ ዘኳድደኩም ዘሎ፡ ኣስተብህሉ። ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ትርጉም ዘየብሉ፡ ሚኒስተር፡ ኣንበሳድር፡ ዲረክተር ወይ ጀነራል ኮለኔል፡ መጀር ዝብል ስማዊ መዓርግ ለቢስኩም፡ ምስኡ ተመሳሲልኩም ህዝብኹም ረሲዕኩም ከምዘለኹም ኣይትዘንግዑ። ካብ ኣዚርካ ምሕሳብ ወጺእኩም “ከብድኻ ኣብ ምላእ” ጥራይ ተጸሚድኩም  ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እስኪ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ጽሞና ትንፋስኩም ውሒጥኩም፡ ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ኣገናዚብኩም ሕሰቡ። እቲ ግዝያዊ በዚ ዝተጠቕሰ መዓርጋት ተሓቢእኩም ትረኽብዎ ዘለኹም ረብሓስ ደሓን፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ንመን ተገልግሉ ከም ዘለኹምከ ሓሲብኩምሉዶ ትፈልጡ? ንስኻትኩም እትብልዎን ትሓስብዎን እንድዒ፡ ንሕና ግና ንህዝቢ ክሒድኩም፡ ቀቢርኩምዎም ናይ ዝመጻእኩም ጀጋኑ ስዉኣት ሕድሪ ረሲዕኩም፡ ረብሓ ኣዕሽይኩም፡ ኣብ ናይ ምምሽኻን ዓለም ትነብሩ ከም ዘለኹም ኢና እንርዳእ።  ኣብ ኣካይዳኹም ካብዚ ዝተፈልየ ኣረዳድእ እንተልይኩም ከኣ ሃየ ብግብሪ “ኣነ ንህዝበይ” በሉ። ዝፈዘዘ ዓይንኹም ይከፈት። ዝተለጉመ ልሳንኩም ሓቂ ይዛረብ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ዋጋ ቃልሲ ህዝብና ከባኽን ኮነ ኢሉ ከም ዘንቀደ፡ ኣብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሸሉ ሎሚ ምድጋሙ ብዘሕንኽ ቃላት ተለፋሊፉ። ህልዊ ኩነታት ህዝብና ክለዓል እንከሎ ከኣ “ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ” ብምዃን ጥልመቱ ኣርእዩና እዩ። እቶም ነዚ ጠላም ተግባራት መራሒ ህግዲፍ ብዓይንና ዝረኣናን ብእዝንና ዝሰማዕናንከ፡ ክንድቲ ዋጋ ስዉኣትና ብላሽ ከይተርፍ ክንጐዮ ዝግበኣናዶ ንጐዪ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን? ነንነብስና ወይ ንነንቲ ተወዲብናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካልን ምንቅስቓስን ክንሓተሉ ኣብ ዝገበኣና ወሳኒ መድረኽ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ውድባት ወይ ኣብ ሰልፍታት፡ ከምኡ እውን ኣብ ከም “ይኣክል” ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳት ንሃሉ፡ ሎሚ ናይ ዘይምዕዋት ዕንቅፋትና እንታይ ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኢና። ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ሕጽረትና ክንከዋውሎ እንተዘይደሊና፡ ካብ ዓይኒ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምዃኑ ካብ እነነጽር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ድሕሪ ምውጋዱ ንህግዲፍ ተኪኡ ዝትከል ስርዓት፡ ብዙሕነታዊ፡  ሕገመንግስታዊ፡ ወሰንነት ህዝቢ ዝቕበል፡ ብምርጫ ዝድይበን ዝወርድን መንግስቲ ንክኸውን ንቃለሰሉ ዘለና እዩ። እዚ ናይ ኩልና ድሌት እዩ። እዚ ናይ ኩላትና ድሌትን ባህግን ብናይ ኩልና ውሁድ ጻዕሪ እንተዘይኮይኑ፡  ባዕሉ ዝገሃድ ኣይኮነን። ስለዚ ስርዓት ህግዲፍ ናይ ምውጋድ  ውሁድ ቅሩብነት ኣለና ማለት፡ እዚ ዕማምዚ  ብናይ ኩልና ውህሉል ዓቕሚ እምበር፡ ብውልቀ ሰብ፡ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ከምዘይዕወት ንፈልጥ ኢና። ነዚ እንርዳእ ክነሰና፡ ህግዲፍ ኣብ “ኣፈርክቡ” ኣብ ዝሃለወሉ ህሞት፡ ብሓባር ክንስጉምን ድምጽና ከነስምዕን ዘይምብቃዕና ነብሱ ዝኸኣለ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ካብዚ መውጸኦ ንምርካብ ሓቢርና ንውፈር ንብል ዘለና።

Last modified on Saturday, 26 October 2019 10:49