Print this page

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዶቸ ቨለ ነጺጉ

2019-10-24 13:06:01 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2422 times
Rate this item
(0 votes)

ዶቸ ቨሌ ህንጻ Image copyright MARIUS BECKER

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መደበር ዜና ጀርመን፡ ዶቸ ቨለ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ኣብ ጽሑፉ ንፕረዚደንት ኢሳያይስን መንግስቱ ዝነቐፈ ሓላፊ ክፈሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ ሉድገር ሻዶምስኪ "ኣብ ናጻ መደበር ሚድያ ብዝለዓለ ሞያዊ ጋዜጠኝነት ዝሰርሕ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

"ናጽነት ፕረስ፡ ደሞክራሲ ብግቡእ ንኽሰርሕ መተካእታ ዘይብሉን ኣድላይ እዩ" ክብል'ውን ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተጸወዐ ኣምባሳደር ሃገሩ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኣምባሰደር ጀርመን ጸዊዑ፡ ነቲ ማዕከን ዜና ዶቸ ቬለ ዘቃለሖ "ልጓም-ኣልቦ ጎስጓስ" ዝበሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።

ብዛዕባ'ቲ "ፍንፉን" ዝበሎ ጸብጻብ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ "መብርህን/መኣረምታን" ካብቲ ኣምባሳደር ከም ዝጠልብ'ውን ኣቶ የማነ ብትዊተሩ ወሲኹ ገሊጹ። መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጀርመን ድማ፡ ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ዝወጸ'ዩ።

ዶቸ ቬለ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል መደበር ዜና እዩ። እቲ መደበር ዜና ይኹን መንግስቲ ጀርመን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን።

መንግስቲ ጀርመን፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሽ ብምሕታቱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።

ንምዃኑ ደቸ ቬለ እንታይ ኢሉ'ዩ ጽሒፉ?

ኣብ ዶቸ ቨለ ሓላፊ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ፡ ሉድገር ሻዶምስኪ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መደበር ዜና ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ "ኣብ ግጉይ ኢድ ወዲቑ" ክብል ገሊጽዎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሻዶምስኪ ኣብ ጽሕፉ፡ "ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓቢ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ" ድሕሪ ምባል፤ "እቲ ዝተባህለ ሰላም ፈንተት ኣብ ዘይበለሉ፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸጋናይ መንእሰይ ምሽላሙ ግጉይ ምርጫ እዩ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሸለመሉ ሰላም "ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝሰፈረ ሰላም'ዩ" ክብል ብምቃፍ፡ እቲ ብኽንደይ ዳንኬራ ዝተኸፍተ ዶባት፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምዕጻዉ ናይዚ ኣብነት'ዩ ክብል ይምጉት።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ በረራታት'ውን፡ እቲ ብምኽፋት ዶባት ክረብሕ ዝኽእል ህዝቢ ዘይኮነ፡ ነቶም "ላህመት" (ኢሊትስ) ዘገልግል ጥራይ'ዩ ክብል ጽሒፉ።

እቲ "ምኒኑ ውልቀመላኺ" ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ'ውን ተኻፋሊ ናይቲ ሽልማት ብዘይምዃኑ ባህ ኣይበሎን ኢሉ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከመሓላለፍኡ ተሰሚዖም።

እቲ ብሞት ወላዲኡ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ዝሰደደ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ሽልማት ስዒቡ፤ ወግዓዊ ናይ 'እንኳዕ ድስ በለካ' መግለጺ ክህብ ኣይተሰምዐን።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን ብመንገዲ ትዊተር ዮሃና ኢሉ ነይሩ።

ሉጀር ሻዶምስኪ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘምጸኦ ለውጢ እንተነኣዶኳ፡ እዚ'ውን እንተኾነ ፤ ዝገደደ ዓሌታዊ ጎንጽታትን ምቅትታልን ዝዓሰሎ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳደር ብሪጣንያ ብምጽዋዕ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ከም ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዜና ምሕባሩ ዝዝከር'ዩ።

Last modified on Thursday, 24 October 2019 15:11