Print this page

ተናዒቖም ህዝቢ ዘንዓቑ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ

2019-10-07 18:41:13 Written by  ኣባል ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2133 times
Rate this item
(1 Vote)

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ፡ ናጻ ሃገር ዝወነነ፡ ባዕዳዊ መግዝእቲ ኤትዮጵያ ካብ ሃገሩ ምስ ሰጎገ ኢዩ። ቅድሚኡ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ወይ ብሙሉኡ ወይ ብከፊል እናተገዝአ ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ፡ ሙሉእ ኤርትራ ሓደ ማእከላይ መንግስቲ መስሪቱ ክገዝእ ዝኸኣለ መንግስቲ ኢጣልያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ካብዚ እዋን'ዚ ንደሓር ኢያ ድማ ኤርትራ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ከም ውጽኢት ኮሎኒያልዝም ሃገር ክትከውን ዝኽኣለት፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምጻእ ገዛእቲ ከከም ባህሉን ቦታኡን ብሕግታቱ ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ገዛእቲ ግን፡ መለለይ መንነቱ ክድምስስዎ ስለዝነበሮም፡ ከዘውትሮን ከማዕብሎን ኣይገበርዎን። ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቖሪኑ፡ ተመሪሑ ክኸይድ'ምበር ርእሱ ከመሓድር ኣይተፈቕደሉን። ስለዚ ባዕዳውያን ካብቲ ቀንዲ ዝቐተልዎ ትሕዝቶ ሃገር፡ ህዝብና ዝነበሮ ናይ ምምሕዳር ክእለትን ባህልን ኢዩ ኔሩ። ባዕዳውያን ንዝገዝእዎ ህዝቢ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር፡ ዝበልዎ ጥራይ ዝፍጽም ክኸውን ካብቲ ኣውራ ዝሰርሑሉ ጉዳይ ኢዩ። ህዝብና ፋሽስቲ ጣልያን ኣብ ዝወልዖ ኩናት፡ ናይ እቶን ሓዊ ክኸውን ተቐሲቡ ተወሲዱ ግዳይ ሞትን ህልቀትን ኮይኑ ኢዩ። መግዝእቲ ኢትይጵያ ድማ፡ መለለይ መንነት ህዝብና ንዝነበረ ምዕቡል ባህልን ስልጡን ምሕደራን ንክድምሰስ ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ።

ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት፡ እቲ ባዕዳውያን ሒዘሞ ዝነበሩ ስርዓተ ምሕደራ፡ ኣብ ኢድ ደቁ ምስ ኣተወ፡ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ብባዕዳውያን ዝተነፍጎ ርእሱ ናይ ምምራሕ መሰላት ክረኽቦ ሙሉእ እምነት ኢዩ ኔርዎ። ተልእኾን መብጽዓን፡ ናይቶም ናጽነት ሒዞምሉ ዝመጹ ደቁ ውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ መንግስቲ ከነቕዉም ኢና፡ ህዝብና ዝርብሓሉ ስርዓተ-ምሕደራ ክንተከል ኢና ኢዩ ዝበሃል ነይሩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ተጋደልትን፡ እዚ ሓድ-ሕድ ምትእምማን ስለዝነበረ ኢዩ ውን፡ ህዝቢ ነቲ ነጻነታዊ ተጋድሎ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተቓለሰሉ።

ንህዝባዊ ግምባር፡ ብፍላይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህዝቢ መሪሑ ጉዕዞ ሃገራዊ ናጽነት ምዝዛሙ ክብሪ ኣውሂብዎ ኢዩ። ነዚ ካብ ቅኑዕ ሚዛን ዝነቐለ ኣኽብሮት ናይ ህዝቢ ግን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ መዝሚዝዎ። ንግደ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ከናኣእሶ ድማ ተራእዩ። ዲክታቶር ኢሰያስ ከይሓፈረ ነዚ ክብል ተሰሚዑ "ንቀልዓለም ክንብል እንተዘይኮኑ፡ ነዚ ሃገር ናጻ ዝገበሮ በይኑ ህዝባዊ ግምባር ኢዩ" ብምባል ንተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ኣቆናጺቡ።

ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ክቐውም ከሎ፡ እቲ ንመጀመሪያ ዝተሃርመ ውሳኔ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ውሳኔታት ኢዩ። ኤርትራ ብኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝመሓደር መንግስቲ ክህልዋ ዝተውሰነ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ውሳነ'ዚ ቀንዲ ከኽብርዎን ክሕለቕሉን ዝነበሮም ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባርን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብን ኢዮም ነይሮም። ነቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብ 20 ሰነ 1991 "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን" ዝበሎ፡ ንመትከል ምምስራት ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝጻረር ኣባሃህላ ክቃወሙስ ይትረፍ ክነቕፍዎ ውን ኣይከኣሉን። እዚ ዘመልክቶ ድማ፡ ሃገር ምስ ሓዙ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነቶም ፍጹም  ከም ዝደርበዩ ኢዩ።  ንኢሰያስ ሃገር ድላዩ ክገብራ ዘይተመልእ ቸክ ከምዘረከብዎ ኢዩ ድማ ዝቑጸር።

ንዲክታቶር ኢሰያስ፡ ንሰበ-ስልጣናቱን፡ መሳርሕቱን ብናይ ንዕቀት መንገዲ ክሕዞም ዝገበሮ ባዕሎም እቶም ሰበ-ስልጣናት ኢዮም። እቶም ክሳብ ሕጂ ምስኡ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ትካላት ክፍርስ፡ ሓባራዊ ውሳኔታት ክጥሕስ፡ መሳርሕቱ ክኣስር ትም ኢሎም ክርእይዎ እንተኾይኖም፡ ነዚ ኣሰራርሓ'ዚ ከም ንቡር ኣመራርሓ ሃገር ክኸውን ምፍቃዶም ኢዩ ዘመልክት።

በዚ ከኣ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ እቲ ናይ መጀመርያ ንዕቀቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ኢዩ ጀሚርዎን ኣዘውቲርዎን። ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ብዘይ ሓጋውን ትካላውን ኣገባብ ክሰርሕ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ተቐቢለሞ ኢዮም። እቲ ንዕኦም ዘይንቡር ዝኸውን፡ ሕጋዊ ትካላዊ ጠባይ ዘለዎ ኣሰራርሕ ክረአ ከሎ ኢዩ። ብምግራም ኢዮም ድማ፡ "ወዲ ኣፈወርቂ ድኣ እንታይ ሓሲቡ ኢዩ" ብማለት ነታ ሕጋዊት ኣሰራርሓ ይፈርሕዋን ይጠራጠሩላን። እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ስልጣኖም ኣሕሊፎም ከምዝሃቡን፡ ብክንድኡ ድማ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊኦም ንዕቀት ከምዘለዎን ዘገምት ኢዩ። ክሳብ ብጽፍዒት ዝልእኮም ሰብ-ስልጣናት ከምዘለዉ ተደጋጊሙ ዝንገር ኢዩ።

ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ንሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ብክንድዚ ካብ ነዓቐ፡ ንታሕተዎት ኣካላትን ሓመደርቲ ሓፋሽ ህዝብን ክሰምዕን ከኽብርን ከመይ ኣቢልካ ትጽቢት ክግበረሉ። እቶም ለውጢ ክድግፉ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ፡ ሰበ-ስልጣናትን ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ድንን ኢሎም ምኻድ ነቲ ለውጢ ብዓቢ ጎዲእዎ ከምዘሎ ሓቂ ነገር ኢዩ። ነቲ ናይ ኢሰያስ ኣመራርሓ ኣሚኖምሉ ይኸዱ ከምዘየለው፡ ከናፍሮም ክረማጥጡን "ምስ መን ኮንካ'ሞ ክግበር"፡ "ከምዚ ኢልካ ክንበር ኣይክእልን ኢዩ" ክብሉ ይስምዑ ኢዮም።

ህዝብና ሰማዕን ኣማንን ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ነዊሕ መግዛእቲ ዝጸንሐ፡ ርእሱ ናይ ምምሕዳር ርእሰ-ተኣማንነት ገና ዘየጥረየ ህዝቢ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ስለዚ ከኣ ኣብ መራሕቱ ክህልዎ ዝኽእል እምነት ዓቢ ክኽውን ከምዝኽእል ስነ-መጎታዊ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ በደልን፡ ናብራ ህዝቢ ከማሓይሽ ብዘይምኽኣሉን ከም መራሒ ተጸሊኡ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ካለኦት ሰብ-ስልጣናት ዘለዎ ጽልኢ ግን ብክንዲቲ ኣብ ልዕሊ ኢስያስ ዘለዎ ዘይክኸውን ይኽእል። ደሓር ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ኢዩ "ጌርዎ"፡ "ኢልዎ" እናበሉ ሓላፍነት ዝወስድሉ ነገር ስለዘየለ ተጸላእቲ ዘይክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ህዝቢ ተጸላእቲ እንተ ዘይኮይኖም ድማ፡ ንለውጢ ትጽቢት ዝግበረሎም  ክኾኑ ይኽእሉ። ብመራሒኦም ክብሪ ዘይረኸቡ፡ ኩርሲ ስልጣን ንክሕዙ ጥራይ ዝተመደቡ ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ንዘይሕጎስሉ ናብራ ንክነብሩ ብዋጋ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታ መሪጾም ምቕጻሎም፡ ከም ዝኸፍአ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኢዮም።

ስለዚ፡ ከምቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኮይኖም፡ ክሓምዩን ከዕዘምዝሙን ኣብ ክንዲ ዝውዕሉ፡ ዘለዎም ቦታን ሓላፍነትን ንምኽሓስ ዝተበደለ ህዝቢ ከውዕልዎ እዋኑ ሎሚ ኢዩ።

Last modified on Monday, 07 October 2019 20:45