Print this page

እቲ ናይ ቀደምዶ ይምለስ ይኸውን?

2019-10-02 12:15:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1895 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርናን ህዝብናን ነቲ ኩሉ ናይ ባዕዳውያን መግዛእትን ከፋፋሊ ሽርሕን በጣጢሱ ናጽነቱ ተጐናጺፉ። “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምረቓ” ኮይንዎ ግና እነሆ በዚ ጨቋን መዝማዝን ስርዓት ይሳቐን ይዋረድን ኣሎ። ከምቲ ንባዕዳውያን ዝጸራረጎም ነዚ ሓመድ ድፋጭኡ ዘስሕኖ ዘሎ ምልካዊ  ስርዓት ከኣ ክናገፍ ምዃኑ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ።

እወ! ኣብ ኤርትራ ኩሉ ሕብረተሰብ እዩ ተሃስዩ። እዚ ሃስያ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝያዳ ተሃስዩ ዝበሃሎ የለን። ምኽንያትቱ እቲ ዝተሃሰየ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝኾነ። እዚ መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ክሕዝ ክብል ብናይ ፈላሊኻ ግዛእ ተጠቒሙ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ጽዒሩ ኢዩ። ንኹሉ ድማ በብተራ  ንኣብነት ቅድም ነስላም ኣሲሩን ቀቲሉን፥ ደሓር ንኣመንቲ ጅሆቫ፥ ጸኒሑ ድማ ንተዋህዶ ቤተክርስታን፥ ድሒሩ ድማ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝፈጸሞ ተግባር ህያው ናይ ፈላሊኻ ግዛ ምስክር እዩ። በዚ ዝኣክል ህዝቢ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ ገልን ኣብ ወጻኢ፥ ገለንከ ከኣ ኣብ ውሽጡ ይነብር ኣሎ።

እዚ ኩነት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ዝነበሮን ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰርሓሉን ዝራኸበሉን ዝነበረ ምስቲ ናይ ሎሚ ፈጺሙ ዘመሳሰል ኣይኮነን ዘሎ። መንእሰይ ወለዶ ታሪኽ ቀዳሞት ወለዱን ሃገሩን ኣብ ዘጥፈኣሉ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ብፍላይ  ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ጐዲእዎ እዩ። በዚ ዝኣክል ”እምበርዶ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበሮ ክምለስ’ዩ?”  ዘብል እዩ። ብዙሓት ሰባት ዋእ ቀደም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንድዩ ነይሩ፡ ከመይሉ ደኣ ናብኡ ክምለስ ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ።

ልክዕ እዩ ኣብቲ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዋን ምስቲ ኩሉ ጭቆናኡን ስቓዩን ኤርትራውያን ከመይ ብሓባር ተኸባቢሮም ይነብሩ ከምዝነበሩ ንምብራህ ዝኣክል እዩ፡ እቲ ናይ ቀደም ይምለስዶ ይኸውን ዘብል ዘሎ። “እቲ ናይ ቀደም ከመይ ዲዩ ነይሩ?” እወ እቲ ቀደም ከምዚ ሎሚ ከይኮነን ናይ ካልኦት ባህልን ልምድን ከይተወረሰን እንከሎ ህዝብና እስላማዩ ክርስትያኑ ብሓባር ተፋቒሩ ይናበር ነይሩ። ኩሎም ድማ ክደናገጹን፥ ክተሓጋገዙን፥ ባህሊ ሓድሕድ እናኣኽበሩን እዮም ዘሐለፍዎ። ንኣብነት ኣብ መርዓ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ናይ ክርስትያን ገዝሚ ዝበሃል ኣሎ። ብፍላይ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ሰንሒት ኣዝዩ ዝውቱር ነይሩ፡ ምኽንያቱ ደቂ ሰንሒት ኣብ እምነት ይፈላለዩ እምበር ኣሕዋት እዮም። በዚ ዝኣክል በዘይካ እታ ዕማመት እስላምን ክርስትያንን ክትፈልዮም ኣይትኽእልን ኢ። ኣብቲ ናይ ገዝሚ ጉዳይ ክንምለስ፥ ማለት እቲ ኣቦ ጓል ንጓሉ ከግዝም እንከሎ ክዳን እንዳቦ፥ እንዳኖ፥ እናበሉ ኣብ መወዳእታ ክዳን ቤተክርስትያን ክዳን መስጊድ ኢሎም ከይጠቐሱ ፈጺሞም ኣይሓልፉን ነይሮም።

ናይ እስላምን ክርስትያንን መርዓ ኣብ ዝግበረሉ  ኩሉ ግዜ እቲ ዳስ ኣብ ክልተ ይምቀል። እዚ ኣገባብ እዚ ክሳብ ሎሚ ውን ኣሎ። ሓደ ግዜ ኣቦይ ብላታ ጃብር በዓል ዓሊግድር በዓል ዝናን ታሪኽን ዝኾኑ ሰብኣይ ኣብ ተሰነይ፡ ኣብ መርዓ ናይ ሓደ ክርስቲያን ተዓዲሞም ከይዶም። ከምዚ  ዝተገልጸ ድማ እቲ ዳስ ነስላማይን ክርስትያንን ዝተመቕለ ነይሩ። ሽዑ ወዮ ተቐባል ኣጋይሽ ንዘዝመጸ ናብቲ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ ዳስ የናብሮም። ኣቦይ ብላታ ጃብር ምስ መጹ፡ “በዚኣ በዚኣ ብላታ” እናበለ ናብቲ ናይ እስላም ዳስ ይመርሖም። ኣቦይ ብላታ ጃብር ድማ “ኣብቲ እየ ዝኸይድ” በልዎ። ተቐባል ኣጋይሽ ድማ “ብላታ እቲስ ናይ ክርስቲያን እዩ ኢሉ መለሰሎም” ንሶም ከኣ “ዋእ! እታ ዝተሓርደት ላምከ ክርስትያን ምዃና ብምንታይ ተረጋግጸለይ” ኢሎም  ተመሊሶም ነቲ ተቐባል ኣጋይሽ ይሓትዎ። ተቐባል ኣጋይሽ ግን መልሲ ኣይረኸበን። ሽዑ ኣቦይ ብላታ ጃብር ነዓ በል ካብቶም ኣሕዋተይ ክርስትያን ብምኽንያት ብዝብላዕን ዝስተን ክፍለ ኣይኮንኩን እሞ ናብቶም ኣሕዋተይ ክርስትያን ደኣ ውሰደኒ በልዎ።

እዚ ንምንታይ ኢየ ዘምጽኦ ዘሎኹ እቲ ህዝብናስ ሎሚኸ ከምቲ ናይ ቀደምዶ ይመልስ ይኸውን ዝብል ሕቶ ንምምላስ እየ። ቀዳሞት ወለድና እምበኣር ካብ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ስልጣንን ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርምን ከምኡ እውን ኣቦና ብላታ ጃብር ዝኣመሰሉ ለባማት ዝነበርዋ ሃገር፥ ብክርስቲያንን እስላምን ተፈላልዮም ኣይፈልጡን ነይሮም። ስለዚ “ከምቶም ዝሓለፉ ለባማት ወለድና ዝሓለፍዎ ግዜዶ ይምለስ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ንነፍሲ ወከፍ እስላማይን ክርስትያንን ዝምልከት እዩ።

ኤርትራ ጽባሕ ኤርትራ ካብዚ ዘሳቕያ ዘሎ መላኺ ስርዓት ተናጊፋ ህዝባዊ መንግስቲ ክትተክል እያ። ሽዑ ጉዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ከምበቲ ኣቦይ ጃብር ክልተ ዳስ ኣብ ዝነበሮም መርዓ  ኣሕዋት ኢና ዝብልዎን ዝለገስዎ ምኽባርን መ ዝለገስዎን ምኽርን ክክውን ክስረሓሉ ይግባእ። እቲ ናይ ዓለማዊ ንዓለማውያን፥ እቲ መንፈሳዊ ድማ ንመንፈሳውያን ገዲፍና፥ እቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብ ንሓድሕዱ ከይተኣታተወን እናተሓባበረን ዓለማዊ  ምጉዓዝ ዘኽእል ሕግዝኣተ- ሕጊ ምውሓስ ።ብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።

Last modified on Wednesday, 02 October 2019 14:19