Print this page

መንግስቲ ኖርወይ 47 ኤርትራውያንን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጠሪዙ

2019-10-01 13:45:06 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1835 times
Rate this item
(0 votes)

ባንዴራ ኖርወይ Image copyright PYMCA

መንግስቲ ኖርወይ ካብ ጥሪ 1 ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 47 ኤርትራውያን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎገ ሓቢሩ።

ካብዞም 47 ኤርትራውያን እቶም ክልተ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ናብ ካልኦት ክቅበለኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጎጉ ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 96 ገበን ገይሮም ዝበሎም ዝርከብዎም 338 ብሓይሊ ካብ ኖርወይ ከምዝሶጎገ እዩ ዝሕብር።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ዳንኤል ድራገሰት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ጸብጻቡ 2,710 ስደተኛታት ካብ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉን ብምሕባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3,402 ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።

ካብዞም 3,402 ካብ ኖርወይ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ 2 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 10 ኣብ ዝተፋላላያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 35 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነበሩ ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣከ ጸብጻብ ይሕብር።

ብተመሳሳሊ 7 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 9 ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 15 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብጠቕላላ 31 ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ካብዚኦም 31 ኢትዮጵያውያን እቶም 12 ናብ ኢትዮጵያ ክጥረዙ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ናብ ካልኦት ክቕበለኦም ፍቃደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጋገሩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘዳለዎ ጽንብል ተሳቲፎም ንዝበሎም ሰባት፡ ህዝቢ ክሕብር ክጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ክቀርብ ዝጸነሐ ጥርዓን ከኣ፡ ሕቶ ዑቕበኦም ቅቡል ክንሱ ምስ'ቲ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዘቐረብዎ ጥርዓን፡ ዘይሳነ ተግባራት ይገብሩ ኣለዉ ብምባል እዩ።

ድሕሪ እዚ መንግስቲ ኖርወይ ንፈተነ ናይ 150፡ ሕቶ ዑቕባኦም ቅቡል እዩ ዝተብሃለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ዳግም ክርአ ዝጽውዕ እማመ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኖርወይ፡ ኣስታት 25 ሽሕ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ከም ዘለው የመልክት።

እዞም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ምስቶም ኣብ ጽንብል ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትሕሓዝ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ግን ዝተገልጸ ነገር የለን።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49890343

 

Last modified on Tuesday, 01 October 2019 15:49