Print this page

ህዝብናሲ ናይ ኢዱ ኣይረኸበን

2019-09-25 20:42:58 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1742 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ፡  ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈላለየ መልከዓት ብዘለዎ ፈተናታት ክሓልፍ ዝጸንሐን ዘሎን ራህዋን ቅሳነትን ዝምነ ግና  ዘይረሃዎ ህዝቢ እዩ። ሃገሩ ብኣቀማምጣኣ ተበሃጊት፡ ብተፈጥሮኣዊ ሃብታ ርብሕቲ፡ ንሱ ከኣ ጻዕረኛን ብጽፍሩ ክነብር ዝኽእልን ኢድ ካለኦት ዘይጽበ ህዝቢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር ንካለኦት ዘይጐድእ ክትንከፍ እንከሎ ንመሰሉ ድሕር ዘይብል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ኤርትራ መሰልካ ተቓሊስካ እተረጋግጾ እምበር ክትኮበልካ እትጽበዮ ከምዘይኮነ ኣሚኑ ከሎ ጋና ኣብ ቃልሲ ዝተሰልፈ ህዝቢ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣቐዲሙ ክርህዎ ዝተቓለሰ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ጻምኡ ዘይረኸበ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ግና ድማ ውጽኢቱ ዘሕብን ምዃኑ ብምርዳእን ኣብቲ መስርሕ ዕድላትን ብደሆታትን ከም ዘጋጥም ተረዲኡን ዝወሰነ ህዝቢ እዩ። ናብ መስርሕ ቃልሲ ክኣትው እንከሎ ኣብ መሪር መስርሕ ናይ ምንባር ህርፋን ነይርዎ ዘይኮነ፡ ካልእ መሰሉ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ ዝመረጾ እዩ። ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኤርትራን ህዝባን ብምግዛእ፡ ረብሓኦም ከረጋግጹ ምስ ወሰኑ፡ ነዚ ሕልሞም ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንተተኻኢሉ ብዘይመሰረታዊ መጠበሪ ኣዕሽኻ እንተዘይኮነ ከኣ ኣንበርኪኽካ ምሓዙ ጥራይ ምዃኑ ወጢኖም እዮም ኣትየምዎ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓሸወን ኣይተንበርከኸን፡ ብኣንጻሩ ሓቂ ኣንጻር ሸፈጥ ዘለዋ ልዕልና ብዘመስከረ ኣገባብ ድሕሪ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕን ናይ ውሽጥን ግዳምን ውዲታትን ተዓዊቱ፡ ኣኽሊል ናጽነት ደፊኡ ልኣላውነቱ ከኣ ደሪቡ።

እንተኾነ ንናጽነት ኣረጋጊጽዋ እምበር ፍሪኣስ ኣየስተማቐረን። ወጽዓ ሓይልታት መግዛእቲ ዝተጸበዮ እዩ ነይሩ። እዚ ድሕሪ ናጽነቱ እምነት ብዘንበረሎም ጠላማት ምስተጨውየ ዘጋጠሞ መከራ ግና ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ዝያዳ መሪርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ክቃለስ እንከሎ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኩሉ ብሰንኪ መግዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ ሕሰም ተቐንጢጡ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ንምውናን እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና ብመልክዕ እምበር ብትሕዝቶስ ድሕሪ ስዕረት ገዛእቲ እውን እቲ ወጽዓ ገዲዱ እምበር ኣይተወገደን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደጊምስ ግዜ ነዊሑ ቃልሲ’ውን መሪሩ ኢሉ ኣይተንበርከኸን። እነሆ ከኣ ዝተፈላለዩ ጸገማት እንዳተበራረይሉ፡ ክንድቲ ንናጽነት ዘካየዶ ናይ 30 ዓመታት ዝገማገም  ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተጸሚዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ምጽማድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ብዙሕን ክቡርን እዩ። ናይ ንዋትስ ይትረፍ እሞ፡ እልቢ ዘየብሉ ክቡር ህይወት ከፊሉ። ምእንቲ መሰሉ ክብል ተመቚሑን ተሰዲዱን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ክሳብ ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሱ ስንብራት መሊሱ ዝጐድእ እምበር ቁስሉ ዘሕዊ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ። ንመስዋእቲ ደቁ፡ ብጽቡቕ ህይወት ደቆም ኣብ ክንዲ ዘደዓዕስ፡ ዕድል ናይቶም ደቂ ስዉኣት’ውን ጸልማት ምዃኑ ይርኢ ኣሎ። ብመስዋእቲ ደቀን ኣብ ቃልሲ “ኣደ ስዉእ” ተባሂለን ተሓቢነን፡ ብሞት ደቂደቀን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝሓዝና ዘለዋ ኤርትራውያን ኣደታት ውሑዳት ኣይኮናን።

ናይዚ ኩሉ ጸገምን መረረን ቀንዲ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ኣይኮነንዶ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ህግዲፍ እውን ኣፍ ኣውጺኡ’ኳ “ኣነ እየ ተሓታቲ” እንተዘይበለ ብውሽጡስ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። እቶም ዝተረፍና ንብዓት ህዝብና ክንሕብስን ኣብ ቃልሲ ከነሳትፎ ዝወሰናኸ፡ ኣብ ክንዲ ኩሉ እቲ ሓጥያት ናብቲ “ኮነ ኢሉ” ኣንጻር ህዝቢ ዘንቀደ ጉጅለ ምድርባይ “ንሕናኸ ክንድቲ ክንኮኖ ዝገበኣናዶ ምስ ህዝብና ኣለና?” ኢልና ነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብዙሕ ዝጐድለና ከምዘሎ ከም ዘመልክት ከኣ ፍሉጥ እዩ። ድሌትና ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይፍለ ውድባት ንኹን ሰልፍታት ከምኡ’ውን ማሕበራት እቲ ራህዋ ከም እንደልዮ ፍሉጥ እዩ። “እሞ ግብርናኸ ምስቲ ድሌትናዶ የሳኒ?” ኣብ ዝብል ግና ኣዘራራቢ እዩ። ገለን ብጉርሒ ገለን ብገርሂ ድሌትናን ግብርናን ከምዘየሳኒ ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ከምቲ እትደልዮን ንህዝቢ እትኣትዎ ቃልን ክትበቅዕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብደሆ እዚ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳተደራበና እንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ኩልና “ናትና” ኢልና ዓትዒትና ክንሕዞን ብሓላፍነታዊ ቃልሲ ክንሰግሮን ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።

ሎሚ ህዝብና ከምቲ “ዝቐበጸን ዝነቐጸን ኩሉ ሓደ” ዝበሃል፡ ካብ ህግዲፍ ቀቢጹ እዩ። ብኣንጻሩ ኣባና ኣብቶም ምእንቲ መሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና እምነቱ ኣንቢሩ፡ ድኽመታትና ኣለሊና ጻማኡ ክንከፍሎ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ “ካብቲ ኮነ ኢሉ ክጐድኣካ ዘንቀደ ዝብድለካ፡ እቲ እምነት ዘንበርካሉ ክደግመካ እንከሎ ይኸፍእ” ዝበሃል፡ ናትና ኣለናልካ እንዳበልና ዘይምህላው ንህዝብና ዝያዳ ከም ዝሃስዮ ፍሉጥ እዩ። ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ህግድፍ፡ ተኣሲሩ፡ ተጨውዩ፡ ደኽዩ፡ ፍትሒ ስኢኑ፡ ኣደዳ ስደት ኮይኑ፡ ኮታ ባዲሙስ ካባና ከኣ ተስፋ ክስእን እንከሎ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል እቲ በደል ተደጋጋሚ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እቲ ማዕረ ባህጊ ህዝብና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ጸገማት እንፈልጦን ክስገር ዝከኣልን ክነሱ ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ።  

Last modified on Wednesday, 25 September 2019 22:45