Print this page

ምስ ፍልልያትና’ውን ብሓባር ምቅላስ!

2019-08-30 06:46:31 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1610 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምምሕዳር ህግዲፍን ዘሎ ፍልልይን ሓድነትን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ጨቋንን ነቲ ጭቆና ኣወጉዱ ራህዋ ከረጋግጽ ዝቃለስ ወገንን ዘሎ ተጻራሪ ዝምድና እዩ ኢልካ ምስፋሩ ዝከኣል እዩ። እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን መሰረታዊ ከምዘይኮነ እንሰማማዓሉ ናይ ኣተሓሳስባታት ፍልልይ ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ናይ ምዃና ምስጢር ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ብዙሕነት እዩ።

ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኤርትራውነትና፡ ንሉኣላውነት ሃገርናን ህዝብናን ዘለና ክብርን ምእዙዝነትን፥ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘለና ኣቀባብላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓትን ናይ ጭቆና መሓውሩን ክውገድ፡ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ፍልልይ የብልናን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ኣብቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትክኡ እንጐዓዘሉ ጐደና ንፈላለየሎም ጉዳያት ኣለዉ። ብእምነት  ኩልና፡ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓት ዝዓሰላ ክትከውን ኣብ ዝብል’ኳ ናይ ሓባር ተረድኦ እንተሃለወና፡ ናይዚ ድሕሪ ህግዲፍ ንብህጎ ስርዓት ዝርዝር ትሕዝቶ ብሓባር ከይንቃለስ ዝዕንቅፉ ንኡሳን ፍልልያት ኣለዉና። እዞም ንኡሳን ፍልልያት፡ ኣከኣኢሉ ብሓባር ክወፍር ልባዊ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ንዘለዎ ኣጸገምቲ ኣይኮኑን። ብውሽጡ ብሓባር ንምቅላስ ዘይተቐረበ ወገን ግና፡ ነቶም ንኡሳን ፍልልያት ኣዕብዩ መፈላለይቲ ክገብሮም ይኽእል እዩ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል።

እቲ ካብ ዝብሰር 58 ዓመት ዝገበረ ዝተናወሐ ቃልስና ምእንቲ ሉኣላዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምዕራፍት እዩ ሓሊፉ። ካብቲ ምዕራፍት ዝተተግበረ ኣሎ። ንመጻኢ እንትግብሮ’ውን ኣብ ቅድሜና ኣሎ። መጻኢ ቃልስና ብውሕዱ ህግደፍ ናይ ምውጋድን፡ ኣብ ዑናታቱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምህናጽን ምዕራፋት ዝሓቁፍ’ዩ ክንብሎ ንኽእል። ንተመሳሳልነትን ፍልልይን ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዙሕ ፍልልይ ኣይረኣይን። ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ግና ብሓባር ምቅላስ’ኳ ዘይከልኡ እንተኾኑ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ፍልልይ ይንጸባረቑ እዮም። እዚ ክልቲኡ ምዕራፋት ኣብ ሓድሕዱ ኣዝዩ ዝጸላለው እምበር ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ እንተዘየዕዊትና ነጢርና ካለኣይ ምዕራፍ ከነዕውት ኣይንኽእልን። ኮታ ምዕዋት እቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ” ዝማእከሉ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ንምዕዋት እቲ ምህናጽ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝማእከሉ ካለኣይም ምዕራፍ ቅድመ-ኩነት እዩ። ብንጹር ኣገላልጻ ህግዲፍ ኣብ ዘይተወገደላ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን ዘውሕስ ስርዓት ምትካል ስለ ዘይከኣል።

እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትና ንርእዮ ዘለና ምምስሳልን ምፍልላይን፡ ኣባና ዝተጀመረ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ብብዙሕነት ዝወቀባ ሃገራት ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ኣብቲ ዘመሳስለካ ኣትኪልካ፡ ነቲ ፍልልይታካ ከኣ ኣከኣኢልካ ምዕዋት ዝከኣል ምዃኑ እውን ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ተመስኪሩ እዩ። ስለዚ ንመስርሕ ፍልልያዊ ሓድነት ንሕና እንተዘይክኣልናዮ፡ ስለ ዘይከኣል ዘይኮነ፡ ናይ ምክእኣል ዓቕምና ስለ ዘይበቐዖ እዩ ክኸውን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ዘሕብን ኣይኮነን። ዘሕብን ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ መዳይዚ ዘመዝገብናዮ፡ ናይ ግዜ፡ ንዋትን ህይወትን ዋጋ  ቀሊል ኣይነበረን። ሕጂ ነዚ ዝሓለፈ ክሳራ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣኽሳሪ ተመኩሮ  ከምዘይድገም ምግባሩ ግና ዝከኣልን ኣብ ዝባና  ዘሎ ሓላፍነትን እዩ።

ኣብዚ መዳይዚ ምእንቲ ከነድምዕ ክንዝንገዖም ዘይግበኣና ሓያሎ መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዉ። ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እዚ ብዙሕነት ዝወልዶ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዝህሉ ከሎ ጌና ምርዳእ የድልየና። ነዚ ፍልልያት ክንፈርሖ ወይ ካብኡ ክንሃድ ዘይኮነ፡ ከም ጸጋ ወሲድና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ክንእመን ናይ ግድን እዩ። ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ክንመሃረሉ እምበር ክንደግሞ ከም ዘይግበኣና ናተይ ኢልና ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ። ማለት ነቲ “ንታሪኽን ሕሉፍን ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ ናቱ እሱራት ክንከውን ኣይግበናን” ዝብል ብግብሪ ክንስቆረና ይግባእ። ኣብ ሎሚ እንዳነበርና፡ ንጽባሕ ረሲዕና ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ክንሓስብ እንተኾይና ግና ከምቲ “ዝገበረኒ ክገብር ዓዲ ነየጋብር” ዝበሃል፡ ግዳይ ሕነ ምፍድዳይን መፍቶ ህግዲፍን ክንከውን ኢና። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ሰልፍታትን ውድባትን ነናትና “ዕላማና” ኢልና እንቃለሰሉ ኣተሓሳስባ’ኳ እንተሃለወና ንናይ ካለኦት ሓሳብ እውን ቦታ ክንህብ ይግበኣና። ሓሳብና ክንህብ ጥራይ ዘይኮነ ክንቅበል’ውን ሓላፍነትና እዩ። ናይ ካለኦት እንተዘይሰሚዕና ናትና ሓሳብ ክስማዕ ውሕስነት የብሉን። “እታ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ከኣ ድርቅናን ዘይኣካብን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስርዓተ-ዲሞክራሲ ንዘቑሙ መሰረታውያን ኣዕኑድ ምእዙዛት ምዃን ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶ፡ ናትና ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ተሰሪዕና ንቃለስ ዘለና ሓላፍነት ኣዝዩ ውሱን እዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ መጻኢት ሓዳስ ኤርትራ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። ዕላማ ቃልስና ክጠቓለል እንከሎ እውን ናይ ህዝቢ ወሳንነትን ልዕልናን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ዝረኽበሉ ስርዓት ምትካል እዩ። ስለዚ ኣብቲ ጽባሕ ብሕጋዊ ኣገባብ ብናጻ እንወዳደረሉን ህዝብና ብመንገዲ ሕገ-መንግስቱ ኣቢሉ ዝውስኖ ጉዳያት ኣቲና፡ ሎሚ መፈላለይ ዛዕባታት ምጽሕታር ንቃልስና ንድሕሪት ካብ ምጉታት ሓሊፉ ካልእ ዋጋ የብሉን። ሎሚ ኣብ ጉዳይ መሰል ብሄራት፡ ኣብ ሕቶ ሸሪዓ፡ ጉዳይ መሬት፡ ምምሕዳር ብዙሕነት፡ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ኣመላልሳ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ኣብ ኤርትራ ፍልልይ እንተልዩና፡ ነዚ ፍልልያት ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንደክምን ቀዳማይ ምዕራፍ ቃስና ከነደናጉን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንድኡ ከም ነጥበ-ፍልልይ ሒዝናዮ ናብቲ ጽባሕ ናይ መወዳእታ ልኡላውን ቀያድን ውሳነ ዝውስን ህዝቢ እንተቕረብናዮ እዩ ዝሕሸና። ስለዚ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብቲ ዘሰማምዓና ኣትኪልና ንቃለስ። ኣብዚ እንተኣድሚዕናን እቲ ብሓባር ምቅላስ እንተ ኣኽሲቡናን፡ ሎሚ ንፈላለየሉ ዛዕባ ጽባሕ ናብ እንሰማማዓሉ ናይ ምምዕባል ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ፍልልያትና መሰረታዊ እንተዘይኮኑ፡ ከምዚ ናይ ቀረባ ተመኩሮ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃን፡ ፍልልያትና ዕሚቕ ኮይኑ ልኡላዊ ውሳነ ህዝቢ ዘድልዮ እንተኾይኑ ከኣ፡ ኣብቲ ንሰማማዓሉ ብንኡስ ፕሮግራም ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተሓጋገዝና ናብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብና እነካይዶ ናጻን ሕጋውን ናይ ኣተሓሳስባ ውድድር ክንበጽሕ ክንበቅዕ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 30 August 2019 08:48