Print this page

ዘኣበዮ-ለእንጦንዮስ ኣበዮ-ለመንፈስ-ቅዱስ-!!!

2019-08-11 19:37:13 Written by  ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1586 times
Rate this item
(0 votes)

ከም-ዝፍለጥ ብወገን ኣሥመራ፥  ጥዑም ዜና ካብ ዘይስማዕ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ሕጂ በጺሑ’ውን፥ ሠናይ ዜና ክስማዕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ’ዩ ሕጂ’ውን። ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን ሃገር ዝበታትንን፥ ሓዲሽ ዘራጊቶ ንፋስ ክነፍስ ዝስማዕ ዘሎ። የግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥ እቲ ድሮ ተጻዒኑና ዘሎ ጸገም፥ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ ከቢዱና እናሃለወ ከሎ። ካልእ ተወሳኺ ጸገም ክህልወና ኣይምደለናዮን። ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ፀረ-ሕዝብን ፀረ-ሃገርን ዝኾነ ኣጀንዳ ሒዞም፥ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት ግና፥ ነቲ ሃገር ሰላም ክህቡዎ ዝደልዩ ኣይኮኑን። ከመይሲ ንሳቶም ኣብ ህውከትን ዕግርግርን እምበር። ኣብ ሰላም ዝረኽቡዎ ረብሓ የልቦን።

ከም-ዝፍለጥ ሕዝቢ-ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፥ ቆፍኡ ከም-ዝተተንከፎ ንህቢ ኮይኑ “-ይኣክል-!!! -” ኣብ ዝብለሉ ሰዓት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኃያል ተቓውሞ’ዚ ከኣ። ንዓታቶም ነቶም ብመሰል ሕዝብን ሃገርን እናተጻወቱ፥ ክነብሩ ዝደልዩ ሰብ-ፖለቲካ፥ ቅሳነት ክህቦም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ፖለቲካዊ ረስኒ’ዚ ዝፈጠሮ ዘራጊቶ ንፋስ ከኣ’ዩ። ሕጂ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዕላማ ዝገበረ፥ ሓዲሽ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ተዓጠቕ ተሸብሸብ ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። ብዝተረፈ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ሕጂ ከም ኣርእስቲ ክለዓል ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን። ከመይሲ ቅድሚ 15-ዓመት ሕሳቡ ተዓጽዩ ዝተቐመጠ መዝገብ ምዃኑ፥ ንሕና ጥራይ ዘይኮንና ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ይፈልጥ’ዩ።

ከመይሲ እቲ ብማእከልነት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝምራሕ ዝነበረ ሲኖዶስ። ድሮ ኣብ 05/05/1998 ዓ/ም (15/01/2006) ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪዱ፥ ንመቑሕ ኣሕሊፉ ከም-ዝሃቦም እናተፈልጠ ከሎ። ስለምንታይ ሕጂ ድሕሪ 15-ዓመት። ኣብ ልዕሊኦም ከም-እንደገና ኵናት ክኽፈት ይድለ ከምዘሎ። ንዝኾነ ክሓስብ ዝኽእል ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፥ ብቐሊል ምርድኡ  ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ምንም’ኳ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ሕጋዊ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ፓትርያርክ ምዃኖም ዝፍለጥ እንተኾነ።  እቲ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ  ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩ ዝርከብ ዘሎ ኃይሊ ግና። ን15-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ኣእትዩዎም’ዩ ዝርከብ ዘሎ።

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና። ሕጂ ብሃንደበት ነገር ኣለዓዒሎም “-መናፍቅነቶም ስለ-ዝተረጋገጸ ብውግዘት ክፍለዩ-” ኢልካ ውሳኔ ምሃብ። እንታይ ዝዓይነቱ ትርጉም’ዩ ከስምዕ ዝድለ ዘሎ-? ብርግጽ ድማ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። ከመይሲ እዚ ነገሩ ተወዲኡ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ። እንታይ ንምድላይ’ዩ ወይ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ “-ገበን ኣቡነ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል፥ ደም ከይነጥረኩም ዝዓይነቱ ምፍርራህ ክግበር ዝድለ ዘሎ-?! ንምዃኑ እንታይ’ዮም ኮይኖም እዞም ሰባት-? ወይ እንታይ’ዩ ወሪዱዎም -? ዘየብል ኣይኮነን። እሞ “-እቲ ንዓመታ ዝጽለልሲ፥ ሕጂ እምኒ ምድርባይ ይጅምርዶ ክንብል-”

ብዝተረፈ እቲ ሓቁ ክፍለጥ እንተደኣ ኮይኑ። እቲ ታሪኽ ከም-ዝብሎ። ንናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ምውራድ። ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ደገፍን ኣፍልጦን ክትህብ ተባሂሉ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ንኣባ-ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስን ኣኸቲሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንሃገረ-ግብጺ በሪሩ ከም-ዝኸደ ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መንበረ-ማርቆስ፥ ሓንቲ ስጉምቲ’ኳ ክኸዱ ከም-ዘይክእሉ ኣጸቢቖም ዝርድኡዎ ጉዳይ’ዩ ነይሩ። መንገዲ ግብጺ ግና ንሳቶም ከም-ዝሓሰቡዎ፥ ብቐሊል ክሕለፍ ዝኽእል መንገዲ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ስለ-ዝኾነ’ውን እቲ ከምቲ ዝዓይነቱ ጸወታ ሒዝካ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም፥ ቅዱስ-ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ ምቕራብ።  ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ቀሊል ክኸውን ኣይከኣለን። ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ድማ። እቲ ሚዛኑን ዓቐኑን ዘይፈልጥ ዝነበረ ዮፍታሔ’ዩ። ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምውንጃል ክዛረብ ኢሉ ዝተላዕለ። ፓትርያርክ-ሺኖዳ ግና ነዚ ዓሻ ድፍረት’ዚ ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ  “.... ጳጳሳት ኣብዚ ከለዉ ንስኻ ክትዛረብ ኣይፍቀደካን’ዩ ....” ብምባል ገኒሖም ደው ምስ-ኣበሉዎ። እቶም ክልተ-ጳጳሳት’ዮም፥ ኣብቲ እንታይ ምዃኑ  ጫፉን ወሰኑን ዘይፈልጡዎ ጉዳይ  ኣትዮም። ዝሕዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፊኡዎም፥ ነገር ክዘባርቑ ዝተራእዩ። ከመይሲ ንሳቶም ከም ዓጀብቲ ደኣዮም ካይሮ ከም-ዝኸዱ ዝተገብረ እምበር። እቲ ዓይኑ ተዃሒሉን ቀርኑ ተሳሒሉን ዝኸደስ ባዕሉ ዮፍታሔ’ዩ ነይሩ።   

እቲ ጉዳይ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ምስ ሰምዑዎ ድማ  “....በዚ ትብሉዎ ዘለኹም ምኽንያት ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኑ ክወርድ ኣይክእልን እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ክርአ ክኽእል ኣለዎ። ወይ ንሕና ኣሥመራ ክንመጽእ፥  ወይ ከኣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ናብዚ ናብ ግብጺ ክመጹ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ፣ ውሳኔ ከም-ዝረክብ  ከይተገብረ ግና። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ክእለዩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ’ውን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንዓና፥ ትማሊ ኮነ ሎሚ ሕጋዊ  ፓትርያርክ እዮም....” ዝብል ኣቕዋም ብምሓዝ’ዮም፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ቁርጹ ነጊሮም ዘፋነዉዎም። እዚ ከኣ ብቐሊል ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝኽእል ውሳኔ ኣይነበረን። ኣብቲ ኣርሒቖም ክጥምቱ ዝኽእሉ ለባማት ዘይነበሩዎ ደምበ ግና። እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዝነበረ ሳዕቤን’ውን፥  ክርድኦን ክመዝኖን ዝኽእል ኣይነበረን።

ብመሠረቱ’ውን ቅድሚ’ዚ ዝተባህለ ኩሉ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 02/05/1998 ዓ/ም (11/01/206) ዘመሓላለፉዎ ቃል-ውግዘት ነይሩ’ዩ። ከመይሲ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ፥ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን’ዩ ብምባል ድሕሪ ምንጻጎም። ከምኡ’ውን እቶም ጳጳሳት “-ፓትርያርክ, ጳጳስ, ካህን ከይሾሙ፥ ብሥልጣነ-ኣብ  ወወልድ  ወመንፈስ-ቅዱስ-” ኣውጊዞም ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ቃል-ውግዘት’ዚ ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብኃይሊ ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ ግና። ምስ ከመይ ዝኣመሰለ፥  ከቢድ መርገም ከኸትል ዝኽእል ሓደገኛ ጉዳይ ገጢሙ ከም-ዝነበረ፥ ክርድኦ ዝኽእል ዝነበረ’ውን ኣይመስልን።

ንክንድቲ ዝኣክል ክብደት ዝነበሮ ውግዘት፥ ክርዳእ ዝኽእል ንቕሓት ግና፥ ኣብቲ ሲኖዶስ-ጳጳሳት ነይሩ ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን። ስለዚ ድማ’ዩ ኣጀንዳ-ፖለቲካ ንምትግባር ክበሃል፥ ነቲ ዝተሓላለፈ-ውግዘት ተሰጊሩ።  ብዕብዳን ክግለጽ ኣብ ዝኽእል ውሳኔ ክብጻሕ ዝተራእየ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም (2007) 4ይ-ፓትርያርክ ብምባል፥ ንናይ ሰራየ ሃገረ-ስብከት ጳጳስ። ማለት ንኣቡን-ዲዮስቆሮስ 4ይ-ፓርያርክ ኢሎም ክቕብኡዎም’ዮም ዝተረኽቡ።እዚ ሢመት’ዚ ብደረጃ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ከቢድ ወቐሳን ተቓውሞን ኣልዒሉ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። ነቲ ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ዝተመርጸ ሲኖዶስ ግና፥ እዚ ኩሉ’ዚ ዝኸብዶ ኮይኑ ክርከብ፥ እቲ ናይ ንቕሓቱ ደረጃ ዝፍቐደሉ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ብዝተረፈ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ካብ ዝዓርፉ ድሮ ጥቓ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ደኣ’ዩ ክሳብ ሕጂ ካልእ መቐጸልታ ፓትርያርክ ካብ ምሻም ዓጊቱዎም ጸኒሑ-? ዝብል ሕቶ ክቐርብ ግቡእ’ዩ። እወ እቲ ውግዘት ጥሒሶሞ ካብ ዝኸዱ ድሮ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እሞ ክሳብ ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ዓዚሙዎም ዝጸንሐ-? ከም-ዝፍለጥ እቲ ነባ-ዲዮስቆሮስ ፓትርያርክ ንምግባር ዝወሰዱዎ ስጉምቲ። ካብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ብብዙሕ ከም-ዝኹነኑን ከም-ዝንጸሉን ገይሩዎም ስለ-ዝጸንሐ። ካልኣይ ግዜ ደፊሮም ክኣትዉዎ ክሕሰብ ዝኽእል ኮይኑ ኣይጸንሐን። ሕጂ ብሃንደበት ክለዓል ምኽንያት ክኸውን ዝኸኣለ ግና፥ ንኣተሓሳስባ’ቲ ሕዝቢ ከፋፊልካ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብቲ 10 ሓምለ 2011 ዓ/ም (17/07/2019) በቲ ሲኖዶስ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ግና “-ቅዱስ-ሲኖዶስ ብዘለዎ ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅበተ ሃይማኖትን-” ክብል፥ ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ክበጽሕ ከም-ዝተገደደ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ትንታኔ’ዩ። እዚ ሲኖዶስ’ዚ ግና ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥  ጉልባቡ ተቐሊዑ ወይ ተጋሊጹ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ኩሎም ጳጳሳት ኣብ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ መንበረ-ፓትርያርክ። ብሪጋዴር ጀረናል ኣብርሃ ካሣ ዝመርሖ ጉጅለ መንግሥቲ። እናተባራረዩ ነቲ መድረኽ መንበረ-ፓትርያርክ ክዋስኡሉ ተራእዮም እዮም። እሞ ኣበየናይ ቁም-ነገር ከም-ዝወዓሉ ደኣ’ዮም ሕጂ “-ብዘሎና ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅብተ ሃይማኖትን-”  ክብሉ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቂ ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-? በዚ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ስለ-ዘየልቦ “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-” ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ያኢ-!! ሓለይቲ ቤተ-ክርስቲያን ኢሉ ኣሚኑ ዝቕበሎም ክረኽቡ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ነታ ዋና ዝሰኣኑላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳኦም ከም መጋበርያ ክጥቀሙላ ምድላዮም እንተ ዘይኮይኑ። ሕቶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ሓዲሽ ኣርእስቲ ኮይኑ፥ ክለዓል ዘግብር ምኽንያት ፈጺሙ ኣይነበረን። ድሮ ካብ ዝሓለፈ 15-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ማእሰርትን ስቓይን ደኣ ሕጂ “-ንክሕደቶምን ገበኖምን ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል ዝግበር ዘሎ ፈኸራ ደኣ፥ ንመን’ዮም ከፈራርሁ ወይ ክድህሉ ዝደልዩ ዘለዉ-? ግዳስ ንዓታቶም ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር። በዚ ዝፈርሃሎም ወይ ዝደሃለሎም ይርከብ’ዩሲ ኣይንብልን ኢና።

ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ብግልጺ ከም-ዝፈልጡዎ። እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዘሎ ተሪርን ኃያልን ተቓውሞ። ነቲ ሕዝቢ ናብቲ ብፓትርያርክነት እንጦንዮስ ዝወረደ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት። ጸኒዑ ደው ከም-ዝብልዩ ገይሩዎ  ዝርከብ ዘሎ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ “-ሊቀ-ጳጳሳቲነ እንጦንዮስ-” እናተባህለ’ዩ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ቅዳሴ ክካየድ ዝርአ ዘሎ። እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ትብዓት ከኣ ነዚ’ዩ ዝመስል። እዚ’ዩ እምበኣርከስ ሕጂ ነቶም ካድረ-ፖለቲካ ተቐይሮም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ “- ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል። መኣዝኖም ስሒቶም ክርከቡ ኣገዲዱዎም ዘሎ፥ እዚ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ ኣብ በዓቲ ፖለቲካ ተሓቢኦም ዘይዝሩብ ኣብ ክንዲ ምዝራብ። እንተደኣ ሓቂ ኣልዩዎም ኣብ ነፃ መጋባእያ’ዮም ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክገጥሙዎም ዘለዎም። ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ከኣ ፈረድቲ ኣብ ዝኾኑሉ መጋባእያ ግና። እቶም ድሮ ኣብ መቝሕ ተታሒዞም ዝርከቡ  ዘለዉ ፓትርያርክ። ምእንቲ መሰሎም ክከላኸሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ ባይታ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን እቲ ቅድሚ 15-ዓመት፥ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ዝፈጸሙዎ  ግፍዒ። ሕጂ’ውን ንዕኡ’ዮም  ክንደግሞ ኢና ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ኩሉ ተዓጠቕ ተሸብሸብ ዝበሃል ዘሎ ከኣ፥ ምስ ሓደ ኣብ 93-ዓመት ዕድመ ዝርከቡ’ሞ፥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ  ሒዞሞም  ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ’ዮም፥  ኵናት ክንገጥም ኢና ብምባል ዝውጠጡ ዘለዉ።  

ይኹን እምበር ከምቲ “-ዓሻስ ከይስተር ይግተር-” ዝበሃል ክኸውን እንተ ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ትንፋሶም ውሒጦምን ድምፆም ኣጥፊኦምን ደኣ፥ ድሕሪት ከይዶም ክሕብኡ ምተገብኦም እምበር። ሕጂ ኣይትሓዙና በሃልቲ ኮይኖም፥ ኣባትር ዘወጣውጡ ኮይኖም ምርካቦም፥ እምበርዶ ኣብ ጥዕና ኣለዉ’ዮም ዘየብል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መራኸቢ-ብዙኃን።  ነቲ ፈጺሙ ክእመን ዘይክእል ዜና ጉድ እናበለ ክቀባበለሉ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ እቲ ሕዝቢ ተረዲኡዎ ከም-ዘሎ። እቲ ብስም ሲኖዶስ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ። ናይቲ ፖለቲካዊ-ስርዓት እምበር፥ ናይ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ዝብል ርድኢት ኣብቲ ሕዝቢ ዘይምህላዉ እዩ።

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መሠረቱ ኣትሒዞም። ንናይቲ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው’ዮም ክቃወሙ ጸኒሖም። መወዳእታኡ ድማ እቲ ሲኖዶስ፥ ብድፍኢት ፖለቲካ መስመር ሰጢጡ ከይሓልፍ ንምጥንቃቕ “-ብሥልጣነ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ’ዮም-” ቃለ-ውግዘት ከቐምጡ ዝኸኣሉ። እዚ በቶም ፓትርያርክ ዝተመሓላለፈ ቃለ-ውግዘት ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ክስዕሮ ዝኽእል ኃይሊ የልቦን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፥ ነዚ ቃል ውግዘት’ዚ ተሓላሊፎም ፓትርያርክ መሪጽና ዝበሉሉ እዋን ነይሩ ‘ዩ።  እቲ ፓትርያርክነት እቲ ግና፥ ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዝወጽእ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳደኣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ከስዕበሎም ከም-ዝጸንሐ’ዩ ዝፍለጥ።

እቲ መንገዲ’ቲ ዓዲ ዘየእትዎም ምዃኑ ስለ-ዝተረድኦም ግዲ ኮይኑ ድማ። ኣብቲ መንጎ ምስ መንበረ-ማርቆስ ምርድዳእ ክገብሩ ብማለት፥ ዝፈተኑዎ ፈተነ ነይሩ’ዩ። ማለት ኣባ-ሉቃስ ዝመርሑዎ ጉጅለ። ካይሮ በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ምናልባት ድሕሪ ዕረፍቲ ቅዱስ-ፓትርያርክ  ሺኖዳ-3ይ። እቲ ተሪር ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቕዋም፥ ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ብምግባር’ዩ ዝነበረ። ንጉጅለ ኣባ-ሉቃስ ግና ዝተቐየረ ነገር ኣይጸንሖምን። የግዳስ ናይ ኤርትራ ሕጋዊ-ፓትርያርክ፥ ብጀካ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካልእ ከም-ዘፈልጥ’ዩ፥ እቲ ቅዱስ ናይ ማርቆስ መንበር መግለጺ ዝሃበ። ኣቦታት ገዳማት ኤርትራን ምሉእ ውሉደ-ክህነት’ውን፥ ኣብዚ ኣቕዋም’ዚ ተሪሩ ዝረገጸ ብምንባሩ። እቶም ጳጳሳት’ውን ከምኡ ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ሠሚሮም ይርከቡ ብምንባሮም። ኣባ-ልቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝኣተዉሉ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ብመሪሕነት ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ። እቲ ናህሩ እናዓበየ ከይዱ፥ እቲ ጸቕጢ’ውን እናኃየለ ምስ መጸ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ክከላኸሎ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ ክምዕብል  ዝተራእየ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ንቁጥዓ-ማዕበል፥ ናይቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ ተባሂሉ። እቶም ክልተ ከም ቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝነበሩ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ውጉዝ ሃብቶም ርእሶምን፥ ብዘሕፍር ውርደት ተደፊኦም ካብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝወጹ ዝተገብረ። እዚ ማለት ግና በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፥ በደል ተረኺቡዎም’ዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሎም ዘይኮነ። ነቲ ዝተላዕለ ነድሪ’ቶም ገዳምውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ። ተገዲዶም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምንባሩ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል’ዩ።

እቲ ምኽንያት ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ።ንበዓል-ዮፍታሔ ብወገፈ ከም-ዘሰናበቱዎም ብምምሳል። ግልብጥ ኢሎም ከኣ ካልኦት ሓደስቲ ካድረታት ፖለቲካ፥ ብሕጓ ከእትዉ ኣይምተረኸቡን። እቶም ብፖለቲካ ዝተመልመሉ ካድራት ከኣ’ዮም፥ ሕጂ’ውን ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክዕንድሩሉ ዝርከቡ ዘለዉ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመራኽቢ ብዙኃን ጉዱ ተቐሊዑ። እቲ መንበረ-ፓትርያክ ጀረናላት ዝዋስኡሉ መድረኽ ኮይኑ ክርአ ዝቐነየ። እቶም ጳጳሳት ንሓዘን ዝተቐመጡ  ክመስሉ ተጐልቢቦም ኮፍ ኢሎም ክርኣዩ ከለዉ። እቲ ናይ ሃገራዊ-ድኅነት ሓላፊ ዝኾነ ብ/ጀረናል ግና። ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሩዎ’ዩ ዝተራእየ። ልዕሊ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሞትን ሕልፈትን ከኣ የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት። ከምኡ ይኸውን ኢሉ ኣብ ዘይሓሰቦን ዘይጠርጠሮን ሰዓት።ዕርቃኑ ወጺኡን ጉዱ ተቓሊዑን ስለ-ዝተረኽበ። ካብዚ ተበጊሱ’ዩ ድሮ ተዓጽዩ ተቐሚጡ ዝጸንሐ መዝገብ ገላቢጡ። ኣብቲ ሕዝቢ መጋገዪ ክኸውን ዝኽእል ስእሊ ንምዝርጋሕ እንተሓገዘ ተባሂሉ’ዩ። ኣንጻር ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሓዲሽ ኵናት ተኸፊቱ ዝርአ ዘሎ። እዚ ሕጂ ዝኸፍቱዎ ዝደልዩ ዘለዉ ኵናት። ከዋጽኦም ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ ካብ ዝኾነ ካልእ ባዕላቶም’ውን ይፈልጡዎ እዮም። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣለዎም ዝበሃሉ’ውን ኣይኮኑን። ከምቲ “-ናይ ዕዳጋ ዕግርግርሲ፥ ንሰራቒ ይጥዕሞ-” ዝበሃል ግና። እንሆ ነቲ ሕዝቢ መኣዝኑ ከስሕቱዎ ምእንቲ፥ ነቶም ድሮ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ኣእትዮሞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ንኻልኣይ ግዜ ከነውግዞም ኢና ኣብ ምባል’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነገር ተዋቒዑዎም ስለ ዘሎ’ውን፥ ዝብሉዎን ዝገብሩዎን ክፈልጡ ዝኽእሉ ኣይመስሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፥ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ኣብ መቑሕ ይኣትዉ ከም-ዘለዉ። እቲ ካብ ዓዲ ይመጽእ ዘሎ ዜና ይሕብር’ዩ ዘሎ። ናይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቦታት፥ ካብቶም ብዓይኒ ጽልኢ ዝጥመቱ ኮይኖም’ዮም ዝህደኑ ዘለዉ። ድሮ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ዲያቆናት’ውን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም-ዘለዉ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ዓቕሉ ኣጽቢቡ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ረጊጹ ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት ድማ፥ ነቲ ዘሎ ጸገም ነቲ ሕዝቢ ኣጽቢቡ ብምሓዝ ክፈትሖ እንተደለየ ዘገርም ኣይኮነን። ብዝተረፈ ከምቲ “-ጥንስቲ ንፋስ እንተኸደላስ፥ ዝሓረሰት ይመስላ-” ዝበሃል። ንርእሶም ከተዓሻሽዉ እንተ ዘይኮይኖም፥ ደጊምሲ ክታለለሎም ዝኽእል ሕዝቢ ዝረኽቡ ኣይመስለናን።

ብዝተረፈ ቁርጹ ክፈልጡ እንተደኣ ደልዮም። ሕዝቢ ተዋሕዶ “-ዘኣበዮ ለእንጦንዮስ፥ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስ-” ኣብ ዝብል ኣቕዋም ረጊጹ ደው ካብ ዝብል፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ዓቃቤ-መንበር ክንመርጽ ኢና እንተበሉ’ውን፥ ክልውጡዎ ዝኽእሉ ነገር የብሎምን። ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጺኦም ክኸዱ ዝደልዩ እንተ-ዘይኮይኖም። ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ቅዱስ-መንበር ክሳብ ዝሃለዉ። ብጀካ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ክህልዎም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቲ ትማሊ ንኣባ-ዲዮስቆሮስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ተፈቲኑ ዝነበረ ጸይቂ ዝኾነ ነገር። ሕጂ ድማ ክንደግሞ ኢና እንተበሉ። እቲ ብድሕሪኡ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ደኣ ክስከሙዎ የኽእሎም እምበር። ሕዝቢ ተዋሕዶስ ንሰማይ ኣቢሉ ንብዓቱ ካብ ምንጻግ ሓሊፉ፥ ምስኣቶም ኣብ ቈይቍ ክኣቱ መደብ ኮነ ሓሳብ ዘለዎ ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም ግና ኣቡነ-ሰላማ ንበይኖም ጥራይ።  ኣብዚ ናይ ጸይቂ መኣዲ’ዚ፥ ኢደይ ሓዊሰ ኣይርከብን በሃሊ ኮይኖም ክርከቡ ከለዉ። እቶም ካልኦት ጳጳሳት ግና፥ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት ድግስ ከሳስዩ ብክታሞም ዘረጋግጹ ኮይኖም ምርካቦም’ዩ። ነየናይ ዕድመ ክብሉ’ዮም ኮን-? መጋበርያ ፖለቲካ ብምዃን፥ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥  ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ክሸጡዎ ዝደልዩ ዘለዉ-?! ብዝተረፈ ኣእምሮኦም ደንዚዙን ሕልንኦም ዓሪቡን እንተ-ዘይኮይኑ። “-ኦ ጐይታ-! ነዚ መባእ’ዚ እንታይና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ በሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን። ካህናትካ ድማ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉዶ-” ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ታሪኾም ዝተበላሸወ ዘሕዝኑ ጳጳሳት ኢና ንርኢ ዘሎና። ኣቡነ-ሰላማ ግና በቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፥ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ብሞሳን ሓበንን እናዘከሮም ክነብር እዩ። (መቃ. 3/50-51)

ስብሓት ለግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Last modified on Sunday, 11 August 2019 21:39