Print this page

ሰዲህኤ፡ ኣብ ምፍታሕ ተኣሲሮም ዘለዉ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንክተሓጋገዙ ንዝምልከቶም ምሕጽንታ ኣቕሪቡ

2019-07-25 05:44:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1864 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ23 ሓምለ 2019፡ ኣብ ምፍታሕ ብ21 ሓምለ 2019 ኣብ  ከተማ ካይሮ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ስለ ዝተሳተፉ  ተኣሲሮም ዘለዉ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንክተሓጋገዙ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ግብጽን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

 እቲ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲን፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሳመህ ሽኩርን ዝተላእከ ምሕጽንታ፡ እቶም ግዳያት ናይቶም ኣብ ካይሮ  ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተዓዘብዎ ድኽመታት ንምንቃፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያዶም ጥራይ ብምእሳሮም ዝሓደሮ ሻቕሎት ኣስፊሩ።

Cairo 3

 ኤርትራውያን ምንጭታት ካብ ካይሮ ከም ዝሓበርዎ ኣብቲ መጀምርያ ግብጻውያን ሰብ መዚ ካብቶም ተሰለፍቲ 40 እዮም ኣሲሮም። እንተኾነ ንኹሎም ፈቲሐምዎም ነይሮም። እንተኾነ ናይታ ሃገር ናይ ጸጥታ ኣካላት ተመሊሶም ነቶም ሓሙሽተ ኣሲረምዎም። ናይቲ ዳግማይ ማእሰርቲ ጠንቂ ኣብታ ከተማ ናይዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ሰለይትን  ኣባላት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ግብጻውያን ብዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ።

እዞም እሱራት 23 ወይ 24 ሓምለ 2019 ብዘይ ተኸላኻሊ ጠበቓ  ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መደብ ነይሩ። በዚ ኣካይዳ ሰብ መዚ ግብጺ ነዞም ግዳያት ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ኣብ ምላሶም ምስቲ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኤምባሲ ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ከይተሓባበሩ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

መዘክር ሰዲህኤ፡ እንተደኣ ተገዲዶም ተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ስግኣት ክወድቕ ምዃኑ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ። መልእኽቱ ክድምድም እንከሎ ከኣ ንሕና ሰዲህኤ፡ ከም ሓደ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ስደት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን መንግስቲ ግብጽን ኣብዚ ህጹጽ ጉዳይ ሕያውነታዊ ኢዶም ሓዊሶም ናይዞም ብዝተዋደደ ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሓሙሽተ  ኤርትራውያን ስደተኛታት  ህይወት  ከድሕኑ ንምሕጸን ኢሉ።

Last modified on Thursday, 25 July 2019 07:56