Print this page

ጀርመን፡ ሓደ ኤርትራዊ 'ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ብጥይት ተሃሪሙ'

2019-07-24 15:32:15 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1581 times
Rate this item
(0 votes)

ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብ መኪና ብዝተተኮሰሉ ጥይት ዝተሃረመሉ ቦታ ፍራንክፈርት፡ ጀርመን ሓምለ 23 2019 Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ጠያይቲ ዝተተኮሰሉ ቦታ ዘርእይ ብፖሊስ ዝተገብረ ምልክት

ኣብ ጀርመን ሓደ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብ መኪና ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከም ዝቖሰለ ተገሊጹ። ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝነቐለ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኮኒንዎ።

እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝተገለጸ ሰብ፡ ነቲ ግዳይ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት ብሕብሪ ቆርበቱ ጥራይ፡ ዕላማ ከም ዝገበሮ ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፍራንክፈርተ ኣሌክሳንደር ባድል ሓቢሩ።

እቲ ሰለስተ ጠያይቲ ዝተተኮሶ ኤርትራዊ፡ ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምና፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘሎ፡ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

እቲ ጥርጡር ወዲ 55 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ ተረኺቡ።

ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ እቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ከም ዝረኸበን፡ እቲ ሰብኣይ ርእሰ ቅትለት ምፍጻሙ ከም ዝኣምንን ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዋችተርባኽ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓሌታዊ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ ሰብ መዚ ጀርመን ግና ምስ ሕሉፋት የማናውያን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ኣኽባር ሕጊ ባድል ኣሌክሳንደር "ዛጊት፡ ምስ የማናይ ክንፊ ምትሕሓዝ እንተለዎ ዘርእይ መርትዖ የብልናን" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ንስደተኛታት ዝጣበቕ ፖለቲከኛ ብሕሉፋት የማናውያን ምቕታሉ፡ ኣብ ጀርመን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ እዩ።

ኣሃዱታት ጸጥታ ጀርመን ነቲ ንናይ ሕሉፋት የማናውያን ጎንጺ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ይኽሰሱ እዮም።

ሬሳ ናይቲ ተጠርጣሪ፡ እቲ ፍጻመ ካብ ዘጋጠመሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ፍራንክፈርት፡ ከባቢ ሸውዓተ ኪሎሜተር ርሒቑ ተረኺቡ።

ኣብ መኪንኡ ክልተ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከኣ ካልእ ሰለስተ ብረት ክርከብ ከሎ፡ ኩሉ ብሕጋዊ መገዲ ዝወነኖ ምዃኑ ተገሊጹ።

Last modified on Wednesday, 24 July 2019 17:41